ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ንስምምዕ ኣልጀርስ ደገፈን ብምግላጽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ክሰርሓ ኣዘኻኺረን

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Dept of State

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብኣጋጣሚ መበል 23 ዓመት ስምምዕ ኣልጀርስ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንስምምዕ ኣልጀርስ ደገፉ “ደጊሙ ብምርግጋጽ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ክሰርሓ ከምዘተባብዕ” ገሊጹ።

ክልቲአን ሃገራት ብምትሕብባር ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ፡ ቅድሚ 23 ዓመት ብ 12 ታሕሳስ፡ “ሰላም ንምስፋንን ሓባራዊ ዶብ ንምሕንጻጽን ስምምዕ ኣልጀርስ ምፍጻመን” ዘዘኻኸረ እቲ መግለጺ፡ እተን ሃገራት ኣብ 2018 እውን ነቲ ብስምምዕ ኣልጀርስን ንእኡ ስዒቡ ብዝቘመ ኮሚሽን ዶብ ንዝተወሰነ ዶባት ንምኽባር “ዳግማይ ከምዝተመባጽዓ” ብምሕባር፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክልቲአን ሃገራት ክኽበር ይግባእ ኢሉ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት’ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ከውጽእ እንከሎ፡ ኵሎም ወገናት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከኽብሩ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ሕጂ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ።

ንምርግጋእ እቲ ዞባ መሰረታዊ ምዃኑ’ውን ገሊጹ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ንመግለጺ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምጥቃስ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ ክሳዕ 2018 ን27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ በህወሓት ዝምእዘን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ።

“ኤርትራ ንዓለምለኻዊ ስምምዓት ኣብ ምኽባር ኣበር ኣይርከባን እዩ። ስርዓት ህወሓት [ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ] ዳርጋ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ንስምምዕ ኣልጀርስ ብዘይተሓታትነት ጥሒስዎ፡” ኢሉ።

ሰብ መዚ ኤርትራ እቲ ኣብ ኣልጀርስ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተወሰነ ሓባራዊ ዶባት ክምልከት ዘይከኣለ ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዝኽተልዎ ተጻባኢ ፖሊሲ እዩ ብምባል ክኸሱ ይስምዑ።

ኣሜሪካ ኣብ ፈለማ ሕዳር እውን ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ካብ ምትንዃይ ክቝጠባን ልኡላውነት ናጽነትን ጐረባብቲ ከኽብራን ምጽውዓ ይዝከር።

ኣብቲ ብምኽንያት ዝኽሪ እቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ጠቕሊሉ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ግጭት ካብ ዘበግሱ ተግባራት ክቝጠባ ከምኡ’ውን ናጽነት፡ ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ኵለን ሃገራት እቲ ዞባ ከኽብራ ጸዊዓ።

ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፈ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ከምዘይወጸ ሰብመዚ ትግራይ ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ጥቅምቲ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ንሃገሩ “ናይ ህልውና ጉዳይ” ከምዝዀነ ድሕሪ ምግላጹ ኣብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንና ጐረባብቱ ሃገራት ሻቕሎት ምፍጣሩ ይዝከር።

ኣብቲ ብተደጋጋሚ ኲናት ዝሳቐ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ከይውላዕ ከኣ ብዙሓት ይሻቐሉ።

ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ

ኣብ 12 ታሕሳስ 2000 ኣብ ኣልጀርስ ርእሰ ከተማ ኣልጀርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ነቲ ካብ 1998 ጀሚሩ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዶብ ብወግዒ መዛዘሚ ዝገበረ ስምምዕ እዩ።

እቲ ወከልቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናውን ዝተፈረመ ስምምዕ ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት፡ ምምላስ ካብ መንበሪኦም ዝተፈናቐሉ ሰባትን ንዶባት ክልቲአን ሃገራት ዘመልክት ኮምሽን ዶብን በቲ ኲናት ዝወረደ ዕንወት ዘጻሪ ኮምሽን ጥርዓን ክቐውን ዘኽኣለ እዩ።