ኣብ ጉዳይ ወደብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ምዕባለ ከምዘርኣየ ኢትዮጵያ ገሊጻ

ወደብ በርበራ
መግለጺ ስእሊ, ወደብ በርበራ ኢትዮጵያ ትድህስሶም ካብ ዘላ ኣማራጺታት ሓደ እዩ

ኢትዮጵያ ናይታ ንባዕላ ከም ናጻ ሃገር ዝኣወጀት ሪፐብሊክ ኦፍ ሶማሊላንድ ዝኾነ ኣብ ከተማ በርበራ ዝርከብ ወደብ ንምጥቃም ዝጀመረቶ ዘተ ምዕባለ ከምዘርኣየ መንግስታዊት ፕረስ ኤጀንሲ ኢትዮጵያ (ኢፒኤ) ንሓደ ሚኒስተር ብምጥቃስ ጸብጺባ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ምውናን፡ ንሃገሩ “ናይ ህልውና ጉዳይ” ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጹ ኣብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንና ጎረባብቱ ሃገራት ሻቕሎት ምፍጣሩ ይዝከር።

ሶማሊላንድ ቅድሚ 30 ዓመት ካብ ሶማልያ ዝተነጸለት ኮይና፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ሕቡራት ሃገራት ግን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይተውሃባን።

ሚኒስተር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኢትዮጵያ ኣለሙ ስሜ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ ሚኒስተራት ብዛዕባ እቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝግበር ዘሎ ዘተ መግለጺ ከምዝሃቦ ኢፒኤ ጸብጺባ።

ኢትዮጵያ 95 ምኢታዊት ንዝኸውን ንግዲ ኣታውን ወጻእን ወደብ ጅቡቲ ከምእትጥቀም ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስተር፡ ኣማራጺ ወደብ ንምርካብ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎን ወደብ በርበራ ንምጥቃም ዝተጀመረ ዝርርብ ጽቡቕ ምዕባለ ከምዘርኣየን እታ ማዕከን ዜና ኣብ ፌስቡክ ገጻ ጸብጺባ።

ብተወሳኺ ወደብ ላሙ ንምጥቃም ምስ መንግስቲ ኬንያ ዝተጀመረ ዘተ ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ እውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ወደብ በርበራ

ምንጪ ስእሊ, JAMES JEFFREY

መግለጺ ስእሊ, እናንቆልቆለት ክትመጽእ ዝጸንሐት ወደብ በርበራ ኣብ 2015

ኤርትራ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ናጽነታ ካብ እትረክብ ንደሓር ወደብ ኣልቦ ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ንግዳዊ ምንቅስቓሳ ክራይ ኣብ እትኸፍለሉ ወደብ ጅቡቲ ዝተመስረተ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እታ ሃገር ብታሪኽ፣ ጆኦግራፊን ዓሌትን መሰረት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ ዘለዋ "ቅቡል ሕቶ" ዳግማይ ክርአ ኣለዎ ምባሉ ዝዝከር እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብተወሳኺ ንኣድላይነት ህላወ ወደብ ምስ እናበዝሐ ዝመጽእ ዘሎ በዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምትእስሳር ከብርህ ፈቲኑ።

"150 ሚልዮን ህዝቢ ናይ ጆግራፊ እሱር ኰይኑ ክቕጽል ኣይክእልን'ዩ" ብምባል እቲ ኣብ 20230 ክበጽሕ ከምዝኾነ ዝጠቐሶ በዝሒ ህዝቢ ወደብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ካብቲ እዋን ጀሚሩ ብዝተረኸቡ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝቐርቡ ዘረባታት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሰብመዚ ኢትዮጵያን እታ ሃገር ወደብ ንምርካብ ናብ ኲናት ክትኣቱ ትኽእል እያ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “ኲናት ከይመጽእ እንተተደልዩ ንምዝርራብ በርና ንኽፈት” ዝብል ሓውሲ መጠንቀቕታ ምሃቡ ስዒቡ ወነንቲ ባሕሪ ዝኾና ጎረባብቲ ሃገራት መግለጺታት ክህባ ተሰሚዐን።

ኤርትራ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ናብቶም ዘረባታት ከምዘይትዕደም ብሓጺሩ ኣነጺራ።

ኣብቲ ብመገዲ ሚኒስትሪ ዜና ዝተዋህበ መግለጺ፡ “ኣብ'ዚ ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ማያትን መሳዂቲ ባሕሪን ዝመሳሰሎ ኣርእስትታትን ዝተባህለን፡ 'ተባሂሉ' ዝተባህለን፡ እልቢ የብሉን" ድሕሪ ምባል "ከም ወትሩ - ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም ደጋጊሙ እናረጋገጸ፡ ንኹሎም ግዱሳት ከይትንኰዩ ይምሕጸን" ይብል።

ሃገራት ጅቡቲን ሶማልያን እውን ብሉኣላውነተን ከምዘይደራደራ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺአን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብድሕሪኡ ኣብ ዝሃቦም መግለጺታት ግን ወደብ ንምርካብ ናብ ኲናት ከምዘይኣቱ ክዛረብ ተሰሚዑ።

ነቲ ዝተጓሃሀረ ዘረባ ንምዝሕሓል ዝምስል ቃላት ተጠቒሙ። እንተዀነ፡ ኣብቲ ድሒሩ ዝተዛረቦ'ውን እንተዀነ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ምውናን ወደብ ኣስሚርሉ እዩ።

እታ ቍጠባኣን ህዝባን እናዓበየ ዝመጸ ኢትዮጵያ፡ ወደብ ጂቡቲ ንጠለባታ ከርዊ ብዘይምኽኣሉን ንውሕስነትን ካልእ ኣማራጺታት ክትሓስብን ሃሰው ክትብል ጸኒሓ'ያ።

ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት እተን 44 ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ኰይነን፡ ካብኣተን 16 ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።

ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ፡ እተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት 'ኣክሰስ' (ኣገልግሎት ኣፍደገ) ናይ ባሕሪ ምጥቃም መሰል ክህልወን ከም ዝግባእ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

እንተዀነ፡ እቲ መሰል ብስምምዕ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገርን ንሃገራዊ ረብሓን ልኡላውነታን እታ ኣፍደገ ባሕሪ እትህብ ሃገር ብዘይትንክፍ ክኸውን ከምዘለዎ የነጽር።