ቀይሕ ባሕሪ፡ '150 ሚልዮን ህዝቢ ናይ ጆግራፊ እሱር ኰይኑ ክቕጽል ኣይክእልን'- ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, HOPR
ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ንኢትዮጵያ ግቡእ ምይይጥ ክግበረሉ ዘለዎ "ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ" ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተዛሪቡ።
ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ንኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ዝሀቦ መብርሂ፡ ቀይሕ ባሕርን ፈለግ ኣባይን "ንጥፍት ወይ ዕብየት ኢትዮጵያ" ወሰንቲ እዮም ክብል ተሰሚዑ።
እቲ "ብዙሕ ዘይድፈር" ኢሉ ዝገለጾ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ክስገር ዘይብሉ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ምዃኑ ከልዕሎ ምድፋሩ ድማ ገሊጹ።
ዋላ'ኳ እቲ መግለጺ ብቐጥታ ንኤርትራ ዘነጻጸረ ምዃኑ ርግጽ እንተ ዘይኰነ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ግን ብመግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቍጥዐኦም ብምግላጽ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዕሙር ክትዕ የካይድሉ ኣለዉ።
ቅድሚ ሕጂ'ውን ሓያለ ኢትዮጵያውያን ሰበስልጣን ነበርን ምሁራትን ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝግብኣን፡ ወደብ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ከምዘለዋን ክምጉቱ ምስምዖም ንኤርትራውያን ባህ ዘየበለ ተነቃፊ ኣርእስቲ'ዩ ኰይኑ ጸኒሑ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ብምቛም ርእሱ ዝኸኣለ ክንፊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝኸውን ምግባራ'ውን ንብዙሓት ኤርትራውያን ስክፍታ ፈጢሩ ምንጽሑ ይፍለጥ።
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ኣቢይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝሃቦን ትማሊ ዓርቢ ኣብ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ዝተቓለሐን መግለጺ፡ ብዛዕባ'ቲ "ዘይድፈር" ዝበሎ ድሌት ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ'ሎ።
"ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ብደረጃ ኣባላት ፓርላማ ከይተረፈ ከም ነውሪ ገይርና ኢና ንሓስቦ፣ ናትካ ኣባይ፡ ናትካ ህዳሰ፡ ምስ ገንዘብካን ገሌኻን ኣብ ዝዀነ ኣጀንዳ ሰብ እናተዘራረበሉ፡ ንስኻ ግን ቀይሕ ባሕሪ ዝኣክል ነገር ከም ሓሳብ ክትዘራረበሉ ስለምንታይ ነውሪ ይዀነካ?" ብምባል እቲ ጉዳይ ምልዓሉ ርትዓዊ ምዃኑ መጒቱ።
ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ምዃና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለት ሃገር ክትከውን ንዘለዋ ዓቕሚ ከምዝደረቶ'ውን ተዛሪቡ።
ብታሪኽ፡ ጆኦግራፊን ዓሌትን መሰረት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ ዘለዋ "ቅቡል ሕቶ" ዳግማይ ክርአ ኣለዎ ኢሉ።
"ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ከየልዓልና፡ ብሰላም ጸኒሕና እንዲና፡ ሕጂ ስለምንታይ ትም ዘይንብል፡ ዘይተርፈና ምስ ኤርትራ እንተ ተራጸመናኸ? ምስ ጂቡቲ እንተ ኣራጸመናኸ ዝብል ስግኣት ዘለዎም ሰበት ኣለዉ።"
ኢትዮጵያ ንወደብ እተውጽኦ ክፍሊት ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ናይ ሰለስተ ዓመት ወጻኢታት ጥራይ ግድብ ህዳሰ ክሃንጽ ዝኽእል'ዩ ብምባል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣማሪሩ።
ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናዓበየ ከምዝመጸ ብምጥቃስ ድማ "150 ሚልዮን ህዝቢ ናይ ጆግራፊ እሱር ኰይኑ ክቕጽል ኣይክእልን'ዩ" ክብል ተዛሪቡ። ኣብ 2030 ቍጽሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ 150 ሚልዮን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።
"ንቀይሕ ባሕሪ ኣብ እንቐርበሉ ዝነበርና እዋን ካብ ዓበይቲ ሓያላት ዓለም ነይርና" ይብል ኣቢይ ኣሕመድ።
ጐረባብቲ ሃገራት ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝምንጭዉ ወሓይዝ ማይ ከምዝረኸባ ብምዝኽኻር፡ እተን ሃገራት ዘለወን ማያዊ ጸጋታት ከካፍላ ከምዘለወን ኣሚቱ።
"ናትኩም ንካፈል ናትና ኣይትሕተቱ ምባል ግን ቅኑዕ ኣይኰነን. . .ብቅትለትን ኲናትን ከይከውን ድማ ሓቂ ምኽሓድ ቅኑዕ ኣይኰነን" ኢሉ።
"ንሕና ኣብ ዓሰብ ኢንቨስት ክንገብር፡ ወይ ኣብ ዘይላ ኢንቨስት ንግበር፡ ወይ ኣብ ኣዱሊስ ኢንቨስት ክንገብር ናይ ቦታ ምርጫ ጸገም የብልናን። ንስኹም ድማ ካብ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዕስራ ሰላሳ ፐርሰንት ውሰዱ።"
ንኢትዮጵያ ወደብ ኣልባ ዝገበረ ናጽነት ኤርትራ
ኤርትራ ኣብ 1991 ሓርነታ ድሕሪ ምርካባ፡ እታ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ክትከውን ከምዝተገደደት ይፍለጥ።
ክሳብ'ቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ኲናት ዶብ ምስ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ንወደባት ዓሰብን ባጽዕን ትጥቀም ነይራ። ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ግን ኣብ ወደባት ጐረቤት ሃገር ጂቡቲ ብምምርኳስ ካብን ናብን ዝግበር ንግዳዊ ምልውዋጣት ከተካይድ ጸኒሓ።
እታ ቍጠባኣን ህዝባን እናዓበየ ዝመጸ ኢትዮጵያ፡ ወደብ ጂቡቲ ንጠለባታ ከርዊ ብዘይምኽኣሉን ንውሕስነትን ካልእ ኣማራጺታት ክትሓስብን ሃሰው ክትብል ጸኒሓ'ያ።
ኣብ 2018 ምስ ኤርትራ ዝነበራ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ኵነተ-ኲናት ብተበግሶ ናይቲ ሽዑ ናብ ስልጣን ዝመጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምብቅዑ፡ ንግዳዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣየር ዝተሓጽረ ኰይኑ ይርከብ።
እቲ ፈለማ ብወግዒ ተኸፊቱ ዝነበረ ኣፍደገታት ዶባት ክልቲአን ሃገራት ንሓጺር እዋን ተኸፊቱ፡ ንግዳዊ ልውውጥ ብኽልቲኡ ወገን ክውሕዝ ጀሚሩ'ኳ እንተነበረ፡ ቀልጢፉ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ምስ ተረገጠ ግን ኣይተኸፍተን። እኳ'ድኣ፡ እቲ ኤርትራ ኢዳ ዘእተወትሉ ኲናት ትግራይ ነቲ ኵነታት መሊሱ ኣጋዲድዎ'ዩ።
ንብዙሓት ዘገረመ ግን፡ ስለምንታይ እቲ ብመንገዲ ካልኦት ክልላት ኣቢሉ ናብ ወደብ ዓሰብ ዝኸይድ ክሳብ ሎሚ ንኢትዮጵያ ክፉት ዘይኰነ ንጹር ኣይኰነን። ዋላ'ኳ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣቢይ ኣሕመድን ዝጀመረ ምዉቕ ዝምድና ዝሕል ዝበለ እንተመሰለ፡ ዝዀነ ርኡይ ምትፍናንን ወጥርን የለን።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘለዋ ኣማራጺታት
ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት እተን 44 ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ኰይነን፡ ካብኣተን 16 ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።
ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ፡ እተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት 'ኣክሰስ' (ኣገልግሎት ኣፍደገ) ናይ ባሕሪ ምጥቃም መሰል ክህልወን ከም ዝግባእ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
እንተዀነ እቲ መሰል ብስምምዕ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገርን ንሃገራዊ ረብሓን ልኡላውነታን እታ ኣፍደገ ባሕሪ እትህብ ሃገር ብዘይትንክፍ ክኸውን ከምዘለዎ የነጽር።
ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለዘመን ወደብ ጂቡቲ ቀንዲ ንግዳዊ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብምዃን ካብን ናብን ኢትዮጵያ ንዝግበር ንግዳዊ ልውውጥ ከአንግድ ጸኒሑ'ዩ። ይዅን እምበር ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ወደብ ጂቡቲ እትኸፍሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ዓቢ ጸቕጢ ምፍጣሩ ይግለጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ቀንዲ ዘተኮረሉ ኣፍደገ ኣብ ሶማልያ፡ ኣብ ገማግም ወሽመጥ ዓደን ዝርከብ ወደብ ዘይላ'ዩ። እቲ ወደብ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝቐረበ'ኳ እንተዀነ ንምህናጹ ዓቢ ወፍሪ ዝሓትት'ዩ።
ወደብ ዓሰብ'ውን እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኢትዮጵያ ዝተጠቕመትሉ፡ ነባር ጽርግያ ዘለዎን ምዕቡል ትሕተ ቅርጺ ዝውንን፡ ዳርጋ ዓዲ ውዒል ኰይኑ ዘሎን'ዩ። ስለምንታይ ኢትዮጵያ ድሕሪ 2018 ክትጥቀመሉ ዘይክኣለት ግን ንብዙሓት ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ።
ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ኤርትራ፡ ጥቓ ከተማ ባጽዕ ዝርከብ ጥንታዊ ወደብ ኣዱሊስ ምልዓሉ'ውን ንብዙሓት ኣገሪሙ'ዩ። እቲ ኣሰሩ'ኳ መሊኡ ብዃዕቲ ዘይወጸ ጥንታዊ ወደብ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝህቦ ኣገልግሎት ወደብ የብሉን።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኢትዮጵያ ንዘለዋ እናዓበየ ዝመጸ ጠለብ ኣገልግሎት ወደብ ንምርካብ ናብ ደቡብ ብምቍማት ምስ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ብምሽራኽ ኣብ ላሙ ዓቢ ፕሮጀክት ንምህናጽ ክትሰርሕ ምጽንሓ ይፍለጥ።
እቲ ላፕሴት (LAPSSET) ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ፕሮጀክት ወደብ ላሙ - ብፍላይ ንደቡብ ሱዳንን ንኢትዮጵያን ናይ መጓዓዝያ መተሓላለፊ ኣገልግሎት ዝህብ ኮይኑ ብሰለስቲን ሀገረት ዝወነን'ዩ። ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝበጽሐ ግን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ናይ ሎሚ መብርሂኡ ብንጹር ኣይጠቐሰን




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







