ፕረዚደንታት ኤርትራን ሩስያን እንታይ ዘትዮም?

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G. MESKEL
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ብረቡዕ 31 ግንቦት 2023 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ክረምሊን ተራኺቦም፡ ኣብ ክልተኣውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሰፊሕ ዝርርብ ከምዘካየዱ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።
ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ንፈለማ እዋን ዝረኸቦ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምድንፋዕ ዝገበሮ ጻዕሪ ንኢዱ።
ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ 1993 ኤርትራ ከም ሃንቲ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ብወግዒ ኣባል ውድብ ሕቡራት ድሕሪ ምዃና፡ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናአ ከም ዝጀመራ ዝፍለጥ ኰይኑ፣ እቲ ፕረዚደንት ንፈለማ ግዜኡ እዩ ንሩስያ ወግዓዊ ዑደት ዘካይድ ዘሎ።
ፑቲን ኣብ ዘረባ’ኡ፡ ንግድን ቍጠባን ቀዳምነታትና እዩ፤ ኣብ ብዙሕ ዓውዲታት ዘራኽበና ስለዘሎ ድማ ክነዘራረበሉ ኢና፡ ኢሉ።
"እቲ ፖለቲካዊ ዝምድናታትና ብፍላይ ካብ ምጅማር እዚ ዓመት’ዚ ኣትሒዙ" እናሰፍሐ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ ክብል ዝጠቐሰ ፑቲን፡ ነቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ መወዳእታ ጥሪ 2023 ናብ ኤርትራ ዝተገብረ ዑደትን ዝተገብረ ምይይጥን ንኢዱ።
“ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብሓደ ኢና ንሰርሕ፡ ሰብኣዊ ምትኣስሳራት ዝያዳ ብምስጓም ድማ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ሩስያ ዕድላት ትምህርቲ ይወሃቦም ከምዘሎ ገሊጹ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ብዘለወን ምትሕግጋዝ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሩስያ ከም ዝተማህሩን ይመሃሩ ከም ዘለዉን፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኤርትራ፡ ነቲ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንምዅናን ኣብ ዝተጸውዐ ፍሉይ ኣኼባታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ኣብ ጐድኒ ሩስያ ብግህዶ ደው ዝበለት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ኣይርሳዕን።
ኣብቲ ናይ ረቡዕ ርክቦም፡ ፑቲን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ሩስያ ከተካይዱ መደብ ተታሒዙ ዘሎ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንኽሳተፍ ዕድመ ኣቕሪቡሉ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ክፍርምዎ ተዳልዮ ዘሎ ዝበሎ ዝተፈላለየ ውዕላት ድማ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምብራኽ ዕዙዝ ተራ ከምዘለዎ ተስፋኡ ገሊጹ።
ዝርዝር ናይቲ ብኽልቲእን ሃገራት ክፍረም ትጽቢት ዝግበረሉ ውዕላት እንታይ ከምዘጠቓልል ግን ዛጊት ኣይተገልጸን።
ኣብቲ ታሪኻዊ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ እቲ ዝግብርዎ "ምምኽኻር" ነቲ ብመገዲ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ኣቐዲሙ ክግበር ዝጸንሐ ርክባት መሰረት ዝገበረን ምዃኑ ብምጥቃስ ነቲ ዝጸንሐ ዝምድና ድማ ከሐይል ከምዝኽእል ተስፋኡ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ “ኣብ ጫፍ ሱርበተኻዊ ለውጢ ዝርከብ ዓለማዊ ስርዓት” ውድዓዊ ሓባራዊ ምምኽኻር ዝሓትት እዩ ክብል ኣመልኪቱ።
ኣተሓሒዙ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ “እቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት፡ ኣብ ዓለም፡ “ድኹም ስነሓሳብን ልጓም ዘይተገብሮ ሓደ-ፖላራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዘስገድድ ተግባራት ዕብለላ፡ ብዙሕ ዕንወት ኣኸቲሉ እዩ፡" ኢሉ።
እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ናብ ምዕራብውያን ሃገራት፡ ንማሕበረ-ፖለቲካዊ ቍጠባዊ ስነሓሳበንን ብትሪ ክነቅፍ ዝስማዕ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ "መለለዪታትን ሓድጊታትን ናይዚ ስነሓሳብዚ፡ ኣብ ቍጠባ፡ ወትህድርና፡ ኢንዱስትሪ፡ቴክኖሎጅ፡ ሓበሬታ፡ ባህልን ወቕራትን፡" ከምዝሰረተ ብምሕባር፡ እዚ ስነሓሳብ ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት ልኡም መሳርሒ ገይሩ ዝጥቀም እዩ ክብል ከሲሱ።
ምስይጣን፡ ምግላል፡ ምትእትታው፡ ፖለቲካዊ ምግምማዕ፡ ቅልውላው ምፍጣር፡ እገዳ፡ ቅሉዕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ካብቲ እቲ ስነሓሳብ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ሜላ እዩ ብምባል ድማ፡ “ሓራ ህዝብታትን ሃገራትትን” በዚ በደላት ክወድቍ ኣይከኣሉን፡ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት "ስነሓሳብን ስትራተጅን ሓይልታት ዕብለላ ንዘይተዓወተሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ጽንዓትን ኣብያን ሓራ ህዝብታት እዩ፡” ኢሉ።
እቲ፡ ንገስጋስ ቻይና ንምድራት ክግበር ዝጸንሐ "ቅሉዕ ተጻብኦታት፡ ዓለማዊ ንቕሓትን ሓራ ኣህዛብ ፈጢሩ እዩ፡" ዝበለ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተጸንበለ መዓቲ ናጽነት ኤርትራ'ውን ብተመሳሳሊ ቃና፡ "ጃንዳ ዋሽንግተን ዝመርሖ ዝጠፈሸ ኪዳን [ወተሃደራዊ] ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] " ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንዘካይዶ ጸቕጢ ነቒፉ። ኣብ ልዕሊ ቻይና'ውን ተመሳሳሊ ጸቕጢ ይግበር ከምዘሎ ኣሚቱ ምባሩ ይዝከር።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብፍላይ ኣብዚ ናይ ሕጂ ዘረባኡ፡ "ሓራ ህዝቢታት" ኢሉ ዝፈለዮ ንመን ዘመልክት ምዃኑ ንጹር ኣይኰነን።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ሓባራዊ ምክብባርን ምድግጋፍን ዝተሰረተ፡ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዘንገሰ ስልጡን ዓለማዊ ስርዓት ምፍጣር ግድነት ምዃኑ ብምዝኽኻር ከኣ፡ ፈደረሽን ሩስያ፡ ኣብቲ “ንሰብኣውነት” ኢሉ ዝጠቐሶ ተልእኾ ግቡእ ተራኣ ክትጻወት “ምስ ሓራ ህዝቢታት” ክትተሓባበርን ግቡኣ እዩ ክብል ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተማሕጺኑ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ 14 ግንቦት ኣብ ቻይና ንኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከም ዘካየደ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብተመሳሳሊ፣ ኣብታ መጻርኽቲ ቻይና ዝዀነት ዓባይ ሃገር ፈደረሽን ሩስያ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ንምፍጻም እዩ ብሰሉስ 30 ግንቦት 2023 ናብታ ሃገር ኣቕኒዑ ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







