ኤርትራ፡ መበል 32 ዓመት መዓልቲ ናጸነት ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብወግዒ ተጸንቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV
መበል 32 ዓመት ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ሎሚ 24 ግንቦት ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብወግዒ ተጸንቢሉ ውዒሉ።
ኣብቲ ብወተሃደራዊን ስነጥበባዊን ምርኢታትን መሰናድኦታትን ዝተሰነየ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ዝተኻየደ ስነስርዓት መራሒ እታ ሃገር ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበሰልጣን መንግስትን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝብን ተረኺቦም ነይሮም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ዕለተ ናጽነት 2023 ናጽነትናን ልኡላውነትናን ውህደትናን ዝያዳ ተኾሊዑ፡ ምረሻና ንልምዓትን ዕብየትን ጎልቢቱ ኣብ ዝኸደሉ ታሪኻዊ እዋን'ያ ትብዕል ዘላ" ኢሉ።
ኣንጻር እቶም ብስም ዘይገለጾም ናጽነትን ልምዓትን ሃገሩ ዘይደልዩ ዝበሎም "ተጻባእቲ" ንምክልኻል "ካልእ ዓይነት ብልሓተ-መኸተ" ከድሊ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትግራይን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኵነታት "ምስናይ ሓደ ሓደ ስክፍታታት፡ ንመጻኢ ዕድል ሰላም ክኸፍት ተስፋ ወይ ትጽቢት ህዝብታት ተነቢሩሉ ኣሎ" ኢሉ።
"ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ወተሃደራዊ ግጭት ብቐጥታ ጽንዓት መብጻዓና'ኳ እንተዘይተንከፈ ኣሰካፍን ዝያዳ ኣቓልቦ ዝሓትትን ምዕባለ'ዩ" ብምባል "ዞባዊ ተበግሶ" ዝሓትት ምዃኑ ገሊጹ።
ዋሽንግተን ኣብዚ ቀረባ ዘውጽኣቶ ናይ ፖሊሲ ሰነድ'ውን "ንመንግስቲ ኤርትራ ንምንጻል" ቅሉዕ ኲነት ክብል ገሊጽዎ።
በቲ "ጃንዳ ዋሽንግተን ዝመርሖ ዝጠፈሸ ኪዳን [ወተሃደራዊ] ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] " ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንዘካይዶ ጸቕጢ ነቒፉ። ኣብ ልዕሊ ቻይና'ውን ተመሳሳሊ ጸቕጢ ይግበር ከምዘሎ ኣሚቱ።
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ ዮሃናኡ ገሊጹ።
"ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ እተብዕሉሉ ዘለኹም እዋን ንኩሉኹም ኤርትራውያን ምዉቕ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ የመሓላልፍ!" ክብል ኣብ ፌሰቡክ ጽሒፉ።
ኣመሪካ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ጸጥታ፡ ሰራዊት ምክልኻልን ትካላት ንግዲ ህግደፍን እገዳታት ምንባራ ንዝጸንሐን ትሑት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝያዳ ኣጋዲድዎ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ውሽጢ ሃገሮምን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለምን ዝርከቡ ኤርትራውያን ንመበል 32 ዓመት ናጽነት ሃገሮም ብድምቀት፣ ብዝተፈላለየ መደባት ክጽንብልዎ ቀንዮም ነይሮም።
ኤርትራ፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ተቘሪናትሉ ዝነበረት ስርዓት ፈደረሽን ቀስብቐስ እናተጣሕሰ ድሕሪ ምኻድ፡ ኣብ 1962 ፈሪሱ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ጐበጣ ኢትዮጵያ ኣተወት። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብ1 መስከረም 1961 ዝልዓሎ ብረታዊ ቃልሲ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት፣ ልክዕ ከምዛ ሎሚ፡ ብ 24 ግንቦት 1991፡ ነታ ሃገር ካብ ስርዓታት ኢትዮጵያ ናጻ ገበራ።
ኣብ 1993 ረፈረንደም ብምክያድ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ልዕሊ 99 ሚእታዊት እወ ንናጽነት ብምድማጹ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኰይና፡ ወግዓዊ ክብሪ መበል 182 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ረኸበት።

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ጽንብል በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ጽንብል በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ጅዳ - ስዑድ ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ጽንብል በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ጽንብል ብዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ጽንብል በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ጽንብል በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዓዲ እስራኤል
![ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዞባ ደቡብ [መንደፈራ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/8207/live/cfc68550-fa13-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Shabait




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







