መራሕቲ ኤርትራን ሩስያን ኣብ ክልተኣውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዘትዮም

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel/Tweeter
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ክረምሊን ተራኺቦም፡ ኣብ ክልተኣውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሰፊሕ ዝርርብ ከምዘካየዱ ሚኒሰተር ዜና ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣማስዩ ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ፑቲን፡ ወግዓዊ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ርክብ ልዑል ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ ከምዝበለ ድማ ኣቶ የማነ ወሲኹ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ፑቲን ብገስጋስን ምዕባለን ክልተኣዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ምሉእ ዕግበት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ሩስያ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት እተአንግዶ ካልኣይ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ክሳተፍ ዕድመ ኣቕሪብሉ።
ፕረዚደንት ኢሳያስ ብወገኑ፡ ንኣአንጋዲኡ ንዝገበረሉ ዕድመን ምዉቕ ኣቀባብላን ኣመስጊኑ፤ ብተወሳኺ እዋናዊ ዑደት ልዑል ደረጃ ሽርክነት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ከምዝገለጸሉ ተሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ትማሊ ኣማስያኡ ሞስኮ - ርእሰ ከተማ ሩስያ - ከምዝኣተወ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሎሚ 31 ግንቦት ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክራኽብ ከም ዝዀነ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ብኮምሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደን ተኽለን ተሰንዩ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ርክቦም፡ ኣብ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ኣልዒሎም ከምዝተዛራረቡ ተሓቢሩ።
እቲ ካብ 14 ግንቦት ኣብ ቻይና ንኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ውሽጢ ክልተ ሰሙን’ዩ ናብ ክልተ ዓበይቲን መሻርኽቲን ዝዀና ሃገራት ዓለም ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።
እታ ኣንጻር ምዕራባውያን ሃገራት ተሪር መርገጺኣ ብዝተፈላለየ መገዲ ከተነጽር ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ድሕሪ'ቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ቅሉዕ ወራር፡ ኣብ ጐድኒ ሩስያ ደው ምባላ ዘርኢ ውሳነታት ክትወስድ ተራ'እያ እያ፤ ከም ውጽኢቱ እቲ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ዝነበረ ዝምድና ክዓሙቕን፣ ብደረጃ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢአን ምብጽጻሕ ክገብራ ጸኒሐን እየን።
በዚ መሰረት፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕዋይ ልኡኽ ሩስያ 26 ጥሪ 2023 ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ክዘራርብ እንከሎ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐ ጕጅለ’ውን ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ናብ ሩስያ ምብጻሕ ኣካይዱ ብምባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ናይ ኣስመራ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ንትግባረ እቶም ዝተነጸሩ ናይ ምትሕግጋዝ ጽላታት ቀዳምነት ከምእትህቦም ምግላጹ ይዝከር።
ሚኒስተር ላቭሮቭ ድሕሪ እቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበሮ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ብመሰረት ቅድሚ ገለ እዋን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብዛዕባ ወተሃደራዊን ቴክኒካዊን ምትሕግጋዝ ተዘራሪብና፤ ዓቕሚ ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ምሕያል ንድሌታት ከነማልእ ድሉዋት ኢና" ኢሉ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን "ሩስያን ኤርትራን ንዝለወን ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ንግዳዊ፡ ናይ ወፍሪ፡ ትምህርትን ባህልን ርክባት ንምብራኽ ጭቡጥ ስጕምትታት ክወስዳ" ከምዝተሰማማዓ ተገሊጹ ነይሩ።
ቍጠባዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምሕያል ከምዝተዘራረቡን ሚኒስተራት ቍጠባ ክልቲአን ሃገራት ብስሩዕ ክራኸቡ ከምእተረዳድኡን'ውን እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ እዩ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዕደና፡ ቴክኖሎጂ መራኸቢታት፡ ሕርሻን ትሕተ ቅርጺን ክደጋገፉ ድሌት ከምዘለወን ክገልጻ ጸኒሐን እየን።
ንዓቕምታት ናይቲ ኣብ ባጽዕ ዘሎ ወደብን መዓርፎ ነፈርቲን ንምምዕባል ከምዝተላዘቡ ዝጠቐሰ ላቭሮቭ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሩስያ ኢንዱስትሪታት ንምትካል ይስርሓሉ ከምዘሎ ኣተንቢሁ ነይሩ።
ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት'ውን ከምዝተሓጋገዙ ዝገለጸ እቲ ላዕለዋይ ሩስያዊ ዲፕሎማሰኛ፡ "ቍጽሪ ናይቲ መንግስቲ ሩስያ ንኤርትራውያን ዝህቦ ማህደረ-ትምህርቲ ከነበርኾ ድሉዋት ኢና" ኢሉ።
ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ንዩክረይን እትድግፍ ኣሜሪካን መሻርኽታ ሃገራት ምዕራብን ኣብቲ ውግእ ቀጥታዊ ወራር ተካይድ ዘላ ሩስያን ኣብ ኣፍሪቃ መሻርኽትን መሓዙትን ንምጥራይ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት የካይዳ ከምዘለዋ ይፍለጥ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጋቢት 2022 ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ንምዅናን ኣብ ዝቐረበ እማመ፡ ኤርትራ ኣንጻር እቲ እማመ ድምጺ ዝሃበት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel
ዝምድና ኤርትራን ሩስያን
እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ተነጽሎን ጸቕጢን ከጋጥማ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና እናሐየለ ይኸይድ ምህላዉ ይግለጽ።
ከም መርኣያ ናይዚ፡ ምስ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሩስያ ዝዅንን ውሳነታት ሕቡራት ሃገራት ብምቅዋም ጸግዒ ሩስያ ካብ ዝሓዛ ሰለስተ ሃገራት ዓለምን እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገርን'ያ።
ሩስያ ብወገና፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝውሰን እገዳታትን ጸብጻባት ምግሃስ መሰላትን ክትቃወሞ ጸኒሓ’ያ።
እንተዀነ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ምትሕግጋዝ "ተሃስዩ" ምንባሩ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሩስያ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሕቡራት ሃገራት ካብ 2009 ጀሚሩ ብምትብባዕ ገለ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ንጕጅለ ኣልሸባብ ትድግፍ'ያ ተባሂላ ዝተኸሰሰት ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ ነይሩ።
ሰብስልጣን ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ሓቅነት የብሉን ብምባል'ዮም ዝነጽግዎ።
ኣብ ሓምለ 2018 ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ዝነበረ ኲነተ-ኲናት ዘወገደ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ድሕሪ ምፍራመን ግን፡ እቲ እገዳ ተላዒሉ።
ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ፡ እቲ ኣምባሳደር ኤርትራ፡ ሃገሩ ምስ ሩስያ ዘለዋ “ወተሃደራውን ቴክኒካውን ምትሕግጋዝ ክትቅጽሎ” ምዃና ንማዕከናት ዜና ሩስያ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሩስያ ኣብ ዳህሳስ ነዳዲ ይዅን ካልኦት ማዕድናት ዓቢይ ተራ ክትጻወት ከምእትኽእል'ውን እቲ ኣምባሳደር ኣተንቢሁ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ብዘለወን ምትሕግጋዝ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሩስያ ይመሃሩ ኣለዉ።
ዓመታዊ 20 ኤርትራውያን ይልኣኹ ከምዘለዉ እቲ ዲፕሎማሰኛ ጠቒሱ። እቶም ተመሃሮ ገሊኦም ብማህደረ ትምህርቲ ዝኸዱ ክዀኑ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ወጻኢታቶም ባዕሎም ዝሽፍኑ’ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







