'ኣብ ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ወፍሪ ኮሉሊ ኣብዚ ዓመት ክነበግስ ኢና' - ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ቻይና ዝገበሮ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ ትማሊ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን ኣለዋ።
እቲ ጕጅለ ልኡኽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ዶ/ር ገርጊስ ተኽለሚካኤል፡ ሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትሪን ኣቶ ነስረዲን መሓመድን ዝሓቖፈ'ዩ ነይሩ።
ንዓመታት ካብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ተኸዊሉ ዝጸንሐ መራሒ ኤርትራ፡ ነቲ ቻይና ከተአንግዶ ዝጸንሐት ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ንነዊሕ እዋን ክሳተፎ ኣይጸንሐን።
ኣብ ቻይና ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግን ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ችያን ዝርከብዎም ሰብመዚ ቻይና ተራኺቡ።
ኤርትራ ን30 ዓመት ዝጸንሐ ብተዛማዲ ዝሓሸ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባውን ባህላውን ዝምድና ምስ ቻይና ጸኒሑዋ'ዩ።
ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣሎዶ?

ምንጪ ስእሊ, China Daily
እቲ ሚኒስተራት ወጻኢ፡ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን፡ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኣኸቲሉ ናብ በይጂን ዘምርሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ መንግስቲ ቻይና ዝፈረሞ ወግዓዊ ስምምዕ ይዅን ምርድዳእ (ሜሞራንደም) የለን።
ምስ ቻይናዊ ኣአንጋዲኡ ሺ ዢንፒንግ ብምርኻብ ብዛዕባ ክልተኣዊ ምትሕጋዝ ከምዝተዘራረቡ'ዩ ተገሊጹ።
ቻይና፡ ሰብሞያ ጥዕናን ላዕለዎት ክኢላታት ሕርሻን ናብ ኤርትራ ምስዳድ ክትቅጽል ምዃና ፕረዚደንት ዢንፒንግ ኣብቲ ርክብ ቃል ኣትዩ።
ኣብ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ፡ ቴለኮሙኒኬሽን፡ ሕርሻ፡ ዕደናን ሃብቲ ዓሳን ዘሎ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ድልውቲ ከምዘላ'ውን ገሊጹ ነይሩ።
ብመንገዲ እቲ ቻይና ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ዝኣወጀቶ 'ቅናትን መንገድን' (Belt and Road) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተበግሶ ምስ ኤርትራ ክተሓባበሩ ቅሩባት ምዃኖም'ውን እቲ ዴሳዊ መራሒ ኣነጺሩ።
ኣብ ሕዳር 2021 ኤርትራን ቻይናን ነቲ ብ’በልት ኤንድ ሮድ’ (Belt and Road) ዝፍለጥ ዓቢይ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ቻይና፡ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ ሰነድ ምርድዳእ ፈሪመን።
እቲ ንዓለም ብመሬትን ባሕርን ከራኽብ ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ኣስታት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ከምዝውድእ ዝግለጽ ተበግሶ፡ ንመስመራት ንግዲ ዓለም ንምስፋሕ ዝዓለመ ምዃኑ ይንገረሉ።
ነቲ ስምምዕ፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ክፍርሞ እንከሎ፡ ብወገን ቻይና ድማ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ ካይ ገ ክታሙ ከምዘንበረሉ እቲ ኤምባሲ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።
ገለ ወገናት እዚ ንብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ተረባሕቲ ከምዝገብር ዝንገረሉ ውጥን፡ ቻይና ኣብ ዓለም ዘለዋ ጽልዋ ንምዕባይ እትጥቀመሉ’ዩ ክብሉ ስግኣቶም ይገልጹ።
"ብመንገዲ ቻይና-ኣፍሪቃ ናይ ምትሕግጋዝ ፎረም፡ ከምኡ'ውን ጠመተ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተባህሉ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ቻይና ምስ ኤርትራ ክትሰርሕ ድልውቲ እያ" ክብል'ውን እቲ ቻይናዊ መራሒ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እቲ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ካብቲ ዞባ ኣርሒቑ ዝገሸ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንዕድመ ቻይና ተቐቢሉ ናብ መደረኽ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን-ቻይናን ክጽንበር ድልውነት ክህልዎ እንተዀይኑ ጸኒሑ ክርአ'ዩ።
ገለ ተንተንቲ ቁጠባን ዲፕሎማስን ከምዝብልዎ፡ ኣብ መንጐ ቻይናን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዘሎ ሽርኽነት፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዘለዎም ሽርክነት ምድንፋዕ ንክልቲኦም ዘርብሕ'ዩ።
ዝተፈላለዩ ኣቑሑትን ቀረባትን ካብ ሱዳን ክኣቱ ምጽንሑ ዝገልጹ እቶም ተንተንቲ፡ ሕጂ ግን እታ ምንጭን መንገድን ዝነበረት ሱዳን ትሕመስ ስለዘላ ቁጠባዊ ረብሓታት ቻይናን ኤርትራን ከይተጸልወ ከምዘይተርፍ ይእምቱ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ብምእታው ዝፍለጥ ኤርትራዊ መራሒ፡ ብዛዕባ'ቲ ህልው ኵነታት ሱዳንን ንመራሕቲ ቻይና ኣመት ክህቦም ከምዝኽእል ይግመት።
'ኣብዚ ዓመት’ዚ እቲ ዝዓበየ ወፍሪ ኮሉሊ ክነበግስ ኢና'

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel
ጸብጻባት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ከምዝሓበርዎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቻይና ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንዝርከቡ ትካላት በጺሑ ነይሩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "14 ልምዓታዊ ቀዳምነታት ኤርትራ ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራብ፡ ፕረዚደንት ሺ ትግባረኦም ክከታተል ከምእተላበዎ ጠቒሱ፡ 'ወፍርታትኩም ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ክትጅምሩ ትኽእሉ ኢኹም' ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ 5 ክሳብ 10 ዓመታት ዝጭበጥ ገስጋስ ክርአ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።"
እቶም ዝተባህሉ ቀዳምነታት እንታይ ምዃኖም ግን ብንጹር ኣይተዘርዘሩን።
ሓደ ካብቶም ትካላት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ወፍሪ ካብ ዝገበሩ ኩባንያታት ቻይና'ዩ።
ኣቶ ኢሳይያስ ምስ ኣቦ-መንበር ናይቲ ኣብ ዕደና ፖታሽ ኮሉሊ ብርኪ ዘለዎ ‘ትካል ወፍሪ ሹዳዎ’ ሚስተር ታንግ ዮንግ ከምዝዘተየ ተገሊጹ'ሎ።
“ብሓገዝ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ እቲ ዝዓበየ ወፍሪ ኮሉሊ ክነበግስ ኢና” ክብል ዮንግ ከምዝተዛረበ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ጠቒሱ።
"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ንዝተገብረሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብ እዋናዊ ፕሮጀክትታት ምዝራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንዕደና ኮሉሊን ካልእ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጸጋታትን ዘገልግል፡ ካብ ቦታ ዕደና ናብ ዝቐረበ ወደብ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ብዝቐልጠፈ ክህነጽ ከምዘለዎ ጸቒጡ ኣዘኻኺሩ።"
"እቲ ዝህነጽ መንገዲ ባቡር፡ መራኸቢታት፡ ትሕተ-ቅርጺ ወደባትን ጽርግያታትን፡ ካብ 60 ክሳብ 80 ዓመታት ዘገልግልን ዓለምለኻዊ ደረጃ ዝሓለወን ክኸውን ከምዝግባእ" እቲ ፕረዚደንት ነቶም ቻይናውያን ኣካየድቲ ኩባንያ ሹዳዎ ገሊጹሎም ይብል እቲ ጸብጻብ።
እቲ ናይ ኣስታት 200 ዓመታት ዕድመ ክህልዎ'ዩ ዝተባህለ ዕደና ፖታሽ እንተወሓደ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ፍረ ክበጽሕ ትጽቢት'ኳ እንተነበረ፡ ዛጊት ብዙሕ ገስጋስ ኣየርኣየን።
ኣብ መጋቢት 2023 ሓደ ሲችዋን (Sichuan Road and Bridge Group Co., Ltd.) ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ 50 ሚእታዊት ኩባንያ ዕደና ኮሉሊ (CMSC) ካብ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዕደና ዳናካሊ (ASX: DNK) ገዚኡ ምንባሩ ይፍለጥ።
እቲ ዝተረፈ 50 ሚእታዊት ብርኪ ዕደና ኮሉሊ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን እዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ምስቶም ቻይናውያን ኣውፈርቲ ዝገበሮ ርክብ ፖታሽ ከምዘለዎ ክሰድድ ከምዘየፍቅድ ምእማቱ ኣብ ገስጋስ ናይቲ ፕሮጀክት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ንምግማት ቀሊል ኣይኮነን።
“ንሕና ጥረ ነገራት ከምዘለዎ ክንሰድድ ኣይኰንናን። ኵሉ ነገር ተመስሪሑን ተደማሪ ዋጋ ተወሲኽዎን ጥራይ’ዩ ክስደድ ዘለዎ” ብምባል ዘለዎ ፖሊሲ ብንጹር ከምዝተዛረበ'ዩ ሻባይት ጠቒሱ ዘሎ።
ቻይና ይዅን ምዕራባውያን ኣውፈርቲ ኣብ ዕደና ዝገብርዎ ወፍሪ ጸጋታት (ኮሞዲቲስ) ካብ ምግሓጥ ሓሊፉ፡ ዘላቒ ሞያዊ ሓድጊን ዕድላት ስራሕን ዝፈጥር ዘይምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ሓያለ ካልኦት ትካላት ቻይና'ውን ኣብ ኩዕታን ዳህሳስን ወርቂን ካልኦት ማዕድናትን ተዋፊረን ምህላወን ጸብጻባት ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







