2023 ስለምንታይ ንምዕራባውያን ዘይምችእቲ ዓመት ኰይና

ብክልሰ-ሓሳብ ምዕራባውያን ዝድለ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ግን ካብ ኪም ጆንግ ኡን ሓዊሱ ኣቀባብላ ብቐይሕ ምንጻፍ ረኺቡ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ብክልሰ-ሓሳብ ምዕራባውያን ዝድለ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣቀባብላ ቀይሕ ምንጻፍ ረኺቡ'ዩ

ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣመሪካ፡ ኣውሮጳን ካልኦት ዓበይቲ ዲሞክራስያውያን ሃገራትን ኣብ ዓለምለኻዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ብርክት ዝበሉ ዕንቃፋታት ኣጋጢሙወን’ዩ።

ንሕጂ ኵሎም ኣዕነውቲ ኣይኰኑን፤ እንተዀነ ካብቲ ብኣመሪካ ዝዕብለል፡ ንዓመታት ስልጣን ዝሓዘ ምዕራባውያን ክብርታት ዝረሓቑን ገለ ዝቕየር ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ዘመልክቱን እዮም።

ኣብ ብዙሕ ግንባራት፡ ንፋስ ኣንጻር ረብሓታት ምዕራባውያን እዩ ዝነፍስ ዘሎ።

ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን ኣሎ? ካብዞም ለውጢታትከ እንታይ ረብሓታት ክርከብ ይኽእል?

ዩክረይን

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ገለ ዓወታት'ኳ እንተተራእየ፡ እቲ ኲናት ንዩክረይን ብጽቡቕ ኣገባብ ኣይከይድን ዘሎ። እዚ ማለት ድማ ነቶም ንጻዕሪ ኲናት ዩክረይንን ቍጠባኣን ብዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ገንዘብ ዝምውሉ ኔቶን ሕብረት ኣውሮጳን ጽቡቕ ኣይኰነን።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰራዊት ዩክረይን ዘመናዊ ወተሃደራዊ መሳርሒታትን ጽዑቕ ስልጠና ምዕራባውያን ሃገራትን ብምርካቡ፡ ነቲ ኣብታ ቀውዒ ዝረኸቦ ብልጫ ክቕጽለሉን ሩስያውያን ካብቲ ዝሓዝዎ መብዛሕትኡ መሬት ክደፍኦምን ከም ዝኽእል ኣብ ኔቶ ልዑል ተስፋታት ኣሕዲሩ ነይሩ። ይዅን’ምበር እዚ ኣይተፈጸመን።

እቲ ጸገም ናይ ግዜ ጸገም ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ናብ ገለ ዓይነት ቅልጡፍ ሕነ ምፍዳይ ከይደፍኦ ዝሰግኣ ሃገራት ኔቶ፡ ከም በዓል ብሪጣንያዊት ቻለንጀር 2ን ጀርመንዊት ሌፓርድ 2ን ዝኣመሰላ ዘመናውያን ቀንዲ ታንክታት ውግእ ናብ ዩክረይን ንምስዳድ ኣብ ምውሳብ ነዊሕ ግዜ ወሲደን።

ኣብ መወዳእታ ምዕራባውያን ነተን ታንክታት ንዩክረይን ክህባ እንከለዋ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይገበረን። ኣብ ሰነ ኣብ ዓውደ ውግእ ክዋፈራ ኣብ ዝተዳለዋሉ እዋን ግን፡ ኣዘዝቲ ሩስያ ካርታ ርእዮም፡ ቀንዲ ወፍሪ ዩክረይን ኣበይ ከም ዘድህብ ብትኽክል ገሚቶም።

ዩክረይን፡ ብኦብላስት ዛፖሪዝዚያ ኣቢላ ናብ ደቡብ ናብ ባሕሪ ኣዞቭ ገጻ ክትስጕም፡ ብመስመራት ሩስያ ዘይራ፡ ኣብ ክልተ ክትቈርጾምን ንክሪሚያ ክትቈርጽን ከም እትደሊ ተረዲኦም።

ጸረ መጥቃዕቲ ዩክረይን ከምቲ ዝተሓሰቦ ስለዘይከደ ኣብ ገለ ክፋላት ቅድመ ግንባር ኣብ ምክልኻል ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ጸረ መጥቃዕቲ ዩክረይን ከምቲ ዝተሓሰቦ ስለዘይከደ ኣብ ገለ ክፋላት ቅድመ ግንባር ኣብ ምክልኻል ትርከብ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰራዊት ሩስያ ኣብ 2022 ንኪቭ ንምቍጽጻር ኣብ ዝገበሮ ፈተነታት ፍሽለት ኣጋጢምዎ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ኣብ ምክልኻል ግን ብሉጽ ውጽኢት ኣርእዩ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2023 በራጊድ ዩክረይን ኣብ ብሪጣንያን ካልእ ቦታታትን ኣብ ዝስልጥናሉ ዝነበራ እዋን፡ እተን ታንክታት ናብ ምብራቕ ገጽ ናብ ግንባር ክለኣኻ ከለዋ፡ እዚ ኵሉ ግዜ ሩስያ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዝዓበየን ዝሰፍሐን መስመራት ምክልኻል ዕርድታት ትሃንጽ ነይራ።

ነተጕቲ ጸረ-ታንኪ፡ ጸረ-ሰብ፡ ባንከራት፡ ዕርድታት፡ መጻወድያ ታንክታት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መዳፍዕን ኵሎም ተደሚሮም ንመደባት ዩክረይን ኣፍሺሎምዎ። እቲ ዩክረይን ብዙሕ ዝተመከሓትሉ ጸረ-መጥቃዕቲ ፈሺሉ።

ንዩክረይንን ምዕራባውያንን፡ እቲ ስርዓት ዳርጋ ኵሉ ናብ ጌጋ ኣንፈት’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ዩክረይን ከቢድ ሕጽረት ተተኮስትን ወተሃደራትን የጋጥማ ኣሎ። ኣመሪካ 60 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ደገፍ ፓኬጅ ንምሃብ እትገብሮም ዘላ ፈተነታት ብኮንግረስ ተዓጊቱ እዩ። ሕብረት ኣውሮጳ እትሃቦ 50 ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ሓገዝ ብሰንኪ ሃንጋሪ ተታሒዙ ኣሎ።

እዞም ክልተ ሓገዛት ወይ ሓደኦም ኣብ መወዳእታ ክልቀቝ ይኽእሉ እዮም፤ እዚ ግን ኣዝዩ ክድንጒ ተኽእሎ ኣሎ። ሓይልታት ዩክረይን ድሮ ኣብ ምክልኻል ከተኵሩ ተገዲዶም ኣለዉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሞስኮ ቍጠባኣ ኣብ ኲናት ብምግባርን ሓደ ሲሶ ሃገራዊ ባጀታ ንመከላኸሊ ብምውፋይን ኣሽሓት ወተሃደራትን ኣሽሓት ተተኰስትን መዳፍዕን ናብ ቅድመ ግንባር ዩክረይን ሰዲዳ ኣላ።

እዚ ኵነታት ነታ ክሳብ ሕጂ ንማዕበል ኲናት ናብ ረብሓኣ ክትቅይሮ ተስፋ ዝገበረት ዩክረይን፡ ኣዝዩ ተስፋ ዘቝርጽ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ንምዕራባውያን ግን ስለምንታይ እዩ ዘገድሶም?

ምኽንያቱ ቅድሚ ዳርጋ ክልተ ዓመት ነዚ ወራር ብውልቁ ዝኣዘዘ ፕረዚደንት ፑቲን ዓወት ንምእዋጅ ነቲ ዝሓዞ መሬት (ብግምት 18 ሚእታዊት መሬት ዩክረይን) ምዕቃብ ጥራይ እዩ ዘድልዮ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሩስያ ኣብ ከተማታት ዩክረይን ክሳብ ሕጂ ዘይተረኣየ መጥቃዕቲ ዕስለ ሚሳይላት ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሩስያ ኣብ ከተማታት ዩክረይን ክሳብ ሕጂ ዘይተረኣየ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣካይዳ

ኔቶ ንመሻርኽቱ ዩክረይን ንምድጋፍ ዳርጋ ናብ ኲናት ምጽንባር ብዝበሃል ደረጃ መኽዘን ኣጽዋሩ ባዶ ገይሩ እዩ። እዚ ኵሉ ድማ ንወራር ሩስያ ንድሕሪት ንምምላስ ብዘሕፍር ፍሽለት ክዛዘም ዝኽእል እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣባላት ኔቶ ዝዀና ኵለን ሃገራት ባልቲክ - ኢስቶንያ፡ ላቲቭያን ሊትወንያን - ፑቲን ኣብ ዩክረይን እንተተዓዊቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ከምዝወረን ርግጸኛታት እየን።

ቭላድሚር ፑቲን

ፕረዚደንት ሩስያ ዝድለ ሰብ እዩ - ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ።

ኣብ መጋቢት 2023 ኣብ ሄግ ብዝርከብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ምስ ኮሚሽነር መሰላት ህጻናት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዩክረይን ብዝፈጸሞ ገበናት ኲናት ከሲሶምዎ እዮም።

ምዕራባውያን ድማ እዚ ንፑቲን ብዓለምለኸ ደረጃ ዝተወገዘ ገይሩ ካብ ሃገሩ ከይወጽእ ክገብሮ ተተስፍዮም ነይሮም፤ ከይእሰርን ናብ ሄግ ከይመሓላለፍን ብምፍራሕ ክገይሽ ኣይክእልን ዝብል ትጽቢት ነይሩ። እቲ ትጽቢት ግን ኣይተገሃደን።

ካብ ዝተኸሰሰሉ እዋን ጀሚሩ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ናብ ኪርጊስታን፡ ቻይና፡ ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ዝገሸ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ሃገራት ድማ ኣቀባብላ ቐይሕ ምንጻፍ ተገይሩሉ’ዩ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ብሪክስ እውን ብቨርቹዋል ምስታፉ ይዝከር።

ብዙሕ እገዳታት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንቍጠባ ሩስያ ብምድኻም ፑቲን ወራሩ ንድሕሪት ንክስሕብ ከገድድዎ ይግባእ ነይሩ። ይዅን እምበር ሩስያ ብዙሓት ፍርያት ካብ ከም በዓል ቻይና፡ ካዛኪስታንን ካልኦት ሃገራት ብምርካባ፡ ነቶም እገዳታት ብዘደንቕ መንገዲ ክትጻወር ምኽኣላ ኣመስኪራ እያ። ሓቂ እዩ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ብዓቢኡ ነዳድን ጋዝን ሩስያ ምግዛእ ኣቋሪጾም እዮም፤ ሩስያ ግን ዋላ'ኳ ብዝቐነሰ ዋጋ እንተዀነ፡ ካልኦት ፍቓደኛ ዓማዊል ረኺባ እያ።

እቲ ሓቂ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዘካየዶ ወራርን ጎበጣን ብምዕራባውያን ሃገራት እንተተጸልአ’ኳ፡ ብዓቢኡ ግን ብዓለም ደረጃ ኣይተጸልአን። ብዙሓት ሃገራት ነዚ ከም ጸገም ኣውሮጳ ይርእያኦ፣ ገሊአን ድማ ንኔቶ ይወቕሳ። ንዩክሬናውያን ብዘሕዝን መንገዲ፡ እዘን ሃገራት እዚኣተን እቲ ብወረርቲ ወተሃደራት ሩስያ ዝፍጸም ዘሎ ሰፊሕ ስቅያትን ግህሰትን ዘይፈልጣ ይመስላ።

ቓዛ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ሚኒስተራት ዓረብ ምዕራባውያን ድርብ መለክዒታት ከምዘለዎም ተዛሪቦም ነይሮም። ምዕራባውያን "መንግስትታ ምስሉያት እዮም" ተባሂሎም። ኣብታ ኣሽሓት ሲቪላት ዝቕተሉላ ቓዛ ተዅሲ ደው ክብል ድሕሪ ምእባዮም፡ ከመይ ገይሮም ንሩስያ ኣብ ዩክረይን ሲቪላት ትቐትል ኣላ ኢልና ክንኩንና ይጽበዩ ክብሉ ይሓቱ።

ኣብ ግጭት ቃዛ ኣስታት 21,500 ፍልስጤማውያንን 1,200 እስራኤላውያንን ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣናት እስራኤልን ብሓማስ ዝመሓደር ምድረበዳ ቃዛን ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ግጭት ቓዛ ኣስታት 21,500 ፍልስጤማውያንን 1,200 እስራኤላውያንን ከምዝተቐትሉ ይግለጽ

ኲናት እስራኤልን ሓማስን ንዅሎም ቓዛውያንን ከምኡ’ውን ነቶም ብ7 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብዝፈጸሞ ቀታሊ ወራር ዝተሃስዩ እስራኤላውያንን ኣዕናዊ ምዃኑ ብንጹር ይርአ። ንምዕራባውያን እውን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

ኣብዚ ክረምቲ ንገስጋስ ሩስያ ንምዕጋት ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን፡ ዓለማዊ ኣቓልቦ ካብ ዩክረይን ክርሕቕ ገይሩ’ዩ። ተተኮስቲ ኣመሪካ ካብ ኪቭ ርሒቑ ናብ እስራኤል ከቕንዕ ኣገዲዱ ኣሎ።

ልዕሊ ኩuሉ ግን ብዓይኒ ብዙሓት ኣስላምን ካልኦት ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡን፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ዕንወት ቓዛ ተሓባበርቲ ብምዃን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንእስራኤል ዝሕልዋ ተገይረን ክሕሰባ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ። ሓይሊ ኣየራ ኣብ ሶርያ ንእትርከብ ከተማ ኣለፖ ዝደብደበ ሩስያ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚራ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተቐባልነታ ክውስኽ ትርአ ኣላ።

እቲ ኲናት ድሮ ናብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተዘርጊሑ ኣሎ፡ ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ተጠቒሞም መራኽብ ብምውቃዖም፡ ዓበይቲ ኩባንያታት መራኽብ ዓለምና ብነዊሕ መንገዲ ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ ክጥቀሙ ይግደዱ ኣለዉ። እዚ ድማ ዋጋ ኣቑሑት ክውስኽ ዝገብር እዩ።

ኢራን

ኢራን ብሕቡእ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ተማዕብል ከምዘላ ጥርጣረ ኣሎ - ዋላ’ኳ እታ ሃገር እንተኸሓደት። ኣንጻር ምዕራባውያን ዝገብርዎ ጻዕርታት፡ ኢራን ብእትምውሎም፡ ተሰልጥኖምን ተዕጥቘምን ውክልና ዘለዎም ሚልሻታት ኣቢላ ኣብ መላእ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ሊባኖስ፡ የመንን ቓዛን ወተሃደራዊ ኣሰራ ኣስፊሓ ትርከብ።

ኣብዚ ዓመት፡ ምስ ሩስያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ዝቐርብ ምሕዝነት ክትፈጥር ተራእያ’ያ፤ እዚ ድማ ኣብ ቁሸታትን ከተማታትን ዩክረይን ዝውንጨፉ ሻህድ ዝተበሃሉ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተቕርበላ ኣላ።

ብሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት ከም ተጻባኢ ስግኣት ዝተመደበት ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ሻምፕዮን ዕላማ ፍልስጤም ተቘጺራ ካብ ኲናት ቓዛ ተጠቃሚት ኰይና ትርከብ።

ሳሕል ኣፍሪቃ

ሃገራት ዞባ ሳሕል ምዕራብ ኣፍሪቃ በብሓደ ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ክጽለዋ ጸኒሐን እየን፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብቲ ዞባ ንዝነበረ ጅሃዳዊ ናዕቢ ንምምካት ዝሕግዙ ዝነበሩ ሓይልታት ኣውሮጳ ተሰጒጎም እዮም።

መግዛእቲ ፈረንሳ ነበር ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ድሮ ኣንጻር ኣውሮጳውያን መርገጺ ሒዘን ኣለዋ። ኣብ ሓምለ ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ካልእ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣብታ ሃገር ደጋፊ ምዕራባውያን ዝነበረ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክእለ ገይሩ እዩ። እቶም ናይ መወዳእታ ሰራዊት ፈረንሳ ሕጂ ካብታ ሃገር ወጺኦም ኣለዉ - ዋላ እኳ 600 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ክልተ መደበራት ኣብኡ እንተጸንሑ።

መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኒጀር ስልጣን ምስ ሓዙ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኒጀር ስልጣን ምስ ሓዙ

ንሓይልታት ፈረንሳን ዓለምለኻዊ ሓይልታት ዝትክኡ ዘለዉ ሩስያውያን እዮም፤ መራሒኦም የቭገኒ ፕሪጎዥን ኣብ ነሓሰ ብሓደጋ ነፋሪት ብምስጢራዊ መንገዲ እኳ እንተሞተ፡ ኣባላት ጕጅለ ቫግነር ግን እቶም ኣታዊ ዘለዎም ንግዳዊ ውዕላት ክጸንዑ ኣኽኢሎም እዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሓደ እዋን ከም መሓዛ ምዕራባውያን ሃገራት እትረአ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምስ መራኽብ ውግእ ሩስያን ቻይናን ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ከተካይድ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ሰሜን ኮርያ

ዲሞክራስያዊት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ኮርያ ብሰንኪ ዝተኸልከለ መደብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋርን ባሊስቲክ ሚሳይልን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ኣህጉራዊ እገዳ ክትኣቱ ይግባእ።

እንተዀነ ኣብዚ ዓመት ምስ ሩስያ ጥቡቕ ርክብ ፈጢራ ኣላ፤ መራሒኣ ኪም ዮንግ ኡን ናብ ወደብ ጠፈር ሩስያ ክበጽሕ እንከሎ፡ እታ ሃገር ኣብ ዩክረይን ንዝዋግኡ ሓይልታት ሩስያ ሓደ ሚልዮን መዳፍዕ ከምዝሰደደት ይንገር።

ሰሜን ኮርያ ሓያሎ ፈተነታት ክፍሊ ዓለም ዘቋርጽ ባሊስቲክ ሚሳይላት ኣካይዳ እያ፤ እዞም ናብ መብዛሕትኡ ክፋል ኣህጉር ኣመሪካ ክበጽሑ ከምዝኽእሉ ይእመን።

ቻይና

ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ባይደንን ሺን ብዓቢኡ ዕዉት ዋዕላ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብ መንጎ በይጂንን ዋሽንግተንን ዝነበረ ወጥሪ ኣብ 2023 ብመጠኑ ከምዝቐነሰ ተገሊጹ ነይሩ።

ቻይና ግን ኣብ ልዕሊ መብዛሕትኡ ክፋል ባሕሪ ደቡብ ቻይና ካብ እተልዕሎ ናይ ይግባኣኒ ሕቶ ንድሕሪት ከምእትብል ምልክት ኣየርኣየትን፤ ዳርጋ ክሳብ ገማግም ባሕሪ ሓያሎ ሃገራት ኤስያ-ፓሲፊክ ዝበጽሕ ሓድሽ "ወግዓዊ" ካርታ ድማ ኣውጺኣ’ያ።

ብተወሳኺ ብዛዕባ እታ ኣድላዪ እንተዀይኑ ብሓይሊ "ክትመልሳ" ቃል ዝኣተወትላ ታይዋን እተልዕሎ ሕቶ’ውን ኣይገደፈቶን።

ምኽንያታት ተስፋ?

ኣንጻር እዚ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ኣንጸላልዩ ዘሎ ጸልማት፡ ምናልባት ተስፋ ዝህቡ ምልክታት ምርኣይ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ግን ንምዕራባውያን እወታዊ ጐድኑ፡ ኪዳን ኔቶ ብወራር ሩስያ ዝተደፋፍአ ናይ ምክልኻል ዕላማኡ ዳግማይ ከምዝረኸበ ብንጹር ይርአ። ክሳዕ ሕጂ ዝተራእየ ናይ ምዕራባውያን ሓድነት ንብዙሓት ኣገሪምዎም እዩ - ዋላ እኳ ሕጂ ገለ ክፍተታት ክረኣዩ እንተጀመሩ።

እቲ ዝዓበየ ተኽእሎ ምምሕያሽ ግን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እዩ። እዚ ብኸፊል ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዶብ ቓዛን እስራኤልን ዝተጋህደ ዘስካሕክሕ ስፍሓት ፍጻመታት እዩ።

ቅድሚ 7 ጥቅምቲ፡ ንሕቶ መጻኢ መንግስቲ ፍልስጤም ፍታሕ ንምርካብ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ብዓቢኡ ተገዲፉ ነይሩ። እስራኤል ንፍልስጤማውያን ዝሓዘትሉ መንገዲ ዝተወሰነ ዕግበት ስለዘስዓበ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ንኽህልዎም ዝዀነ ዕቱብ ስጕምቲ ከይተወሰደ፡ ብገለ መንገዲ ብስጕምትታት ጸጥታ ክመሓደር ዝኽእል ጸገም ምዃኑ ተሓሲቡ ነይሩ።

እዚ ትጽቢት ግን ሕጂ ቀታሊ ጉድለት ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ ኣሎ። ፍልስጤማውያን እውን ብተመሳሳሊ ክነብሩ እንተዘይክኢሎም፡ እስራኤላውያን ኣብ ሰላምን ድሕነትን ክነብሩ ከምዘይክእሉ መራሕቲ ዓለም ሓደ ብሓደ ይእውጁ ኣለዉ።

ንሓደ ኣብ ታሪኽ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጸገም ፍትሓውን ነባሪን መፍትሒ ምርካብ ንምእማኑ ዘጸግም ከቢድ ክኸውን እዩ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ንኽዕወት፡ ካብ ክልቲኡ ወገን መሪር ምድምማጽን መስዋእትን ይጠልብ። ሕጂ ግን ኣብ መወዳእታ፡ ኣቓልቦ ዓለም ረኺቡ ኣሎ።