ብደብዳብ ሩስያ ብውሕዱ 30 ሰባት ተቐቲሎም

ዩክሬን ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ኲናት ብሩስያ ካብ ዝተፈጸመ እቲ ዝዓበየ ክትብል ብዝገለጸቶ ደብዳብ ሚሳይል ብውሕዱ 30 ሰባት ተቐቲሎም።
ሩስያ ትማሊ ዓርቢ ንኪየቭ፣ ኦዴሳ፣ ድኒፕሮፔትሮቭስክ፣ ካርኪቭን ልቪቭን ኣብ ዝደብደበትሉ እዋን ካልኦት ልዕሊ 160 ሰባት’ውን ቆሲሎም ተባሂሉ።
ሩስያ "ዳርጋ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ተጠቒማ" ኣባይትን ሆስፒታል ወሊድን ከምዝተሃርመ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ገሊጹ።
ሓይሊ ኣየር ዩክሬን ድማ ክንድዚ ዝኣክል ሚሳይላት ብሓንሳብ ክትኮስ ርእዩ ከምዘይፈልጥ ኣፍሊጡ’ሎ።
ሓይሊ ምክልኻል ኣየር ዩክረይን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣዝዩ ተጠናኺሩ'ኳ እንተነበረ ብዓርቢ ግን ብመጥቃዕቲ ሚሳይላት ሩስያ ተዓብሊሉ።
ወሃቢ ቃል ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር፡ ሩስያ ንምምካኖም ኣጸገምቲ ዝኾኑ ኤክስ-22 ዝዓይነቱ ሓዊሱ ሃይፐርሶኒክ፣ ክሩዝን ባሊስቲክን ሚሳይላት ከምዝተጠቐመት ሓቢሩ።
"ክንድዚ ዝኣክል ዒላማታት ብሓንሳብ ክውቃዕ ርኢና ኣይንፈልጥን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ካብ 158 ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን እቶም 114 ተወቒዖም ከምዝወደቑ እቲ ሓይሊ ኣየር ኣፍሊጡ’ሎ።
ካብቲ ደብዳብ ዝተፈጸመሉ ዝተፈላለየ ቦታታት ጸሊም ትኪ ክወጽእ ዝተርኣየ ኮይኑ ሓደ ኣብ ፖዲልስኪ ዝተብሃለ ክፋል ከተማ ኪየቭ ዝርከብ ብናይ ህንጻ ኩባንያ ዝውነን 200 ሜትሮ ዝንውሓቱ መኽዘን ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ቆፎ ኮይኑ ይረኣይ።
እዚ ደረጃ ዕንወት ዝመፅእ ከኣ ብቀጥታዊ መጥቃዕቲ ሚሳይል ጥራይ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዩክሬናውያን እቲ ዝወድቕ ፍርስራስ ዘስዕቦ ዕንወትን ክሳራ ህይወትን እዮም ብቐጻሊ ዝፈርሕዎ ነይሮም። ሎሚ ግን እቲ ዝዓበየ ስግኣት ተመሊሱ ኣሎ።
ኣብ ኪየቭ ትሽዓተ ሰባት ዝተቐተሉ ኮይኖም ከም መዕቆቢ ደብዳብ ኣየር ኮይኑ ዘግልግል ዝነበረ መደበር እውን ተሃሪሙ።
ሰብመዚ ልዕሊ 10 ብኢራን ዝተሰርሓ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን 15 ሚሳይላትን ንከተማ ልቪቭ ዒላማ ከምዝገበራ ይገልጹ። መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ዝኸፍአ ሓደጋታት እቲ ወራር ዝተኸወለት እያ ነይራ።
ኣብ ዞባ ሱሚ እትርከብን ናብ ሰሜናዊ ዶብ እታ ሃገር ዝቐረበትን ከተማ ኮኖቶፕ እውን ብሚሳይል ተደብዲባላ። ሰበስልጣን ኦዴሳ ሓደ ገዚፍ ህንጻ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ድሕሪ ምውቃዑ ሓዊ ከምዝነደደ ይገልጹ። 4 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ክልተ ሽዱሽተ ዓመትን ሸሞንተ ዓመትን ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝርከብዎም 22 ድማ ቆሲሎም።
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እትርከብ ከተማ ካርኪቭ ንመጥቃዕቲ ሚሳይላት ሓዳስ ኣይኮነትን። እንተኾነ ግን ከምቲ ዓርቢ ንግሆ ዝተፈጸማ 20 ኣጋጢምዋ ኣይፈልጥን።
ከንቲባ እታ ከተማ ኢጎር ተረኮቭ፡ ብተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሆስፒታልን መንበሪ ህንጻታትን ጉድኣት ምብጽሑ ብምሕባር ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 13 ድማ ቆሲሎም ኢሉ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ድኒፕሮፔትሮቭስክ "ንዞባና ዘሕዝን ንግሆ" ብዝበሎ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 28 ድማ ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዛፖሪዝዝያ ከኣ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 13 ቆሲሎም።
ልኡኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዩክሬን ደኒስ ብራውን፡ እቲ መጥቃዕቲ "መንገዲ ጥፍኣት፣ ሞትን ስቓይ ደቂ ሰባትን ዝገደፈ” ከምዝኾነ ብምሕባር ህዝቢ ዩክረይን ዘጋጠሞ “ካልእ ዘይቅቡል ኣብነት ናይቲ ዘስካሕክሕ ክውንነት" ምዃኑን ኣረዲኡ።
ሩስያ ስለምንታይ እያ ሕጂ ከምዚ ገይራ?

ብርግፅ ዕቑር ሚሳይላታ ከምቲ ዝነበሮ ኣይኮነን፡ ግን ሕጂ’ውን ንህዝቢ ዩክሬን ናይ ምዕፋን ሜላ ክትቅጽሎ ከም እትደሊ’ያ ኣርእያ። ነዚ ትፍጽም ዘላ ድማ ውሕስነት ዘይምስምዖም ዜጋታት ዩክረይን ነዚ ኲናት ዘለዎም ሸውሃት ከጉድሎ ተስፋ ብምግባር’ዩ።
እቲ ካልእ ምኽንያት ከኣ፡ ዩክሬን ኣብታ ዝተጎበጠት ክሪሚያ ንሓንቲ ዓባይ መዓርፎ ነፈርቲ ሩስያ ዝኾነት መርከብ ዘዕነወትላን ኣሜሪካ ድማ ንግዚኡ ናይ መወዳእታ ዝበለቶ 250 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ናብ ዩክሬን ዘብጽሐትሉን ሰሙን ብምዃኑ እዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ትማሊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሩስያ ኣምልኪቲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመት ኣዕናዊ ኲናት ዕላማ ፑቲን ከምዘይተቐየረ ንዓለም ጽኑዕ መዘኻኸሪ እዩ። ንዩክሬን ንምድምሳስን ህዝባ ንምግዛእን ይደልይ ኣሎ። ደው ክብል ክግበር ኣለዎ” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብወገኑ "ኩሎም ዝተሓሰቡ ወተሃደራዊ ዒላማታት ተሃሪሞም ኣለዉ" ጥራይ ኢሉ’ሎ።
መላእ ዩክሬን ወትሩ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ሩስያ እያ ነይራ። እታ ሃገር ንመብዛሕትኡ ሩስያ እተካይዶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ክትከላኸል ክኢላ እያ።
በዚ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክትቕፅል ብቕዓት ይህልዋ’ዶ ይኸውን ዝብል ግን ካብ ርጉጽነት ዝረሓቐ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







