ዩክሬን ሰለስተ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ከምዘውደቐት ገሊጻ

ሱ-34 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰራዊት ዩክሬን ብዓርቢ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ሰለስተ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ከምዝወደቐ ገሊጹ።

ሰለስተ ሱ-34 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ኣብ ዞባ ከርሰን ተቓጺለን ከምዝወደቓ ሓይሊ ኣየር ዩክሬን ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ እቲ ፍጻመ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ዞባ ከርሰን ከምዘጋጠመ ብምግላጽ፡ ነተን ነፈርቲ ዘውደቑ ኣባላት ኣመስጊኑ።

ሩስያ ብዛዕባ እዚ ዝብሃል ዘሎ ርእይቶ እኳ እንተዘይሃበት፡ ጽልዋ ዘለዎም ሩስያውያን ‘ብሎገራት’ ግና ክሳራ ከምዘጋጠመ ሓቢሮም።

ዘለንስኪ ብዓርቢ ለይቲ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ምውዳቕ እተን ነፈርቲ፡ ኣብ ዩክሬን መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ንዝለኣኹ ኣብረርቲ ሩስያ “ዋላ ሓደ እንከይተቐጽዐ ከምዘይምለስ" ክፈልጡ ከምዝገብር ገሊጹ።

ብተወሳኺ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሆላንድ ማርክ ሩት ብዛዕባ መጻኢ ኣወሃህባ ኤፍ-16 ጀት፡ ከምኡ’ውን ሓድሽ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ደገፍ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ።

ሩስያ ብዛዕባ እቲ ዝተገልጸ ክሳራ ጀት ነፈርቲ ርእይቶ ኣይሃበትን፡ እንተኾነ፡ ፋይተርቦምበር ዝተባህለ ጽልዋ ዘለዎ ሩስያዊ ብሎገር ውግእ፡ ቁጽረን ዘይተገልጸ ነፈርቲ ከምዝጠፍኣ ጸብጺቡ፡ ምናልባት ኣሜሪካ ብዝሰርሓተን ሚሳይላት ከምዝወደቓ ገሊጹ።

ብህይወት ዝተረፉን ዝሞቱን ኣባላት ናይተን ዝወደቓ ነፈርቲ ውግእ ከምዝተረኽቡ እቲ ብሎገር ወሲኹ ሓቢሩ።

ካልእ ብሎገር ቮኒ ኦስቨዶሚተል፡ እተን ነፈርቲ ኣብቲ ሩስያ እትቆጻጸሮ ሩባ ድኒፕሮ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዩክሬን ተተኳሲ ንምድርባይ ዝተጠቐማሉ ክኾና ከምዝኽእላ ገሊጹ።

ዩክሬን ድሕሪ’ቲ ኣብ ለካቲት 2022 ሩስያ ዘካየደቶ ምሉእ ወራር፡ ንጐበጣ ሓይልታት ሩስያ ክትቃለስ ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን፡ ሕጽረት ተተኰስቲ ኣጋጢምዋ ኣሎ።

ጸረ መጥቃዕቲ ዩክረይን ኣብ መጀመርታ ክረምቲ ደው ዝበለ ኰይኑ እቶም ደገፍቲ ዩክሬን ዝኾኑ ወከልቲ ሪፓብሊካን ኣሜሪካ ንጻዕሪ ኲናት ዩክሬን ዝያዳ ንምምዋል ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብዚ ሰሙን ኣብ መወዳእታ ዓመት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዩክሬን ምስ ሩስያ ኣብ ዝገበረቶ ኲናት ትሰዓር ከምዘየላ ኣፍሊጡ።