ዩክረይን፡ ሓገዝ ወጻኢ ብምውሓዱ ወተሃደራዊ ወፍሪታት ክትቅንስ ተገዲዳ

ዩክረይን እትረኽቦ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ድሕሪ ምንካዩ፡ ድሮ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክትቅንስ ከምዝተገደደት ኣጠንቂቓ።
ላዕለዋይ ጀነራል ዩክረይን ኦለክሳንደር ታርናፍስኪ፡ “ኣብ ኵሉ ግንባራት” ወተሃደራት ሕጽረት ኣጽዋር ኣጋጢምዎም፡ እዚ ድማ ንኪቭ “ከቢድ ጸገም እዩ” ክብል ገሊጹ።
እታ ሃገር ነቲ ካብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ክትረኽቦ ዝነበራ ቢልዮናት ዶላር፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ድሕሪ ምዕጋቱ እያ ዩክረይን መጠንቀቕታ ሂባ ዘላ።
ዩክረይን ብሓገዝ ምዕራባውያን ናይ ገዛእ ርእሳ ኢንዳስትሪታት ኣጽዋር ንምሕያል ተስፋ ከምዘለዋ ትገልጽ።
እንተዀነ ምስ ወረርቲ ሓይልታት ሩስያ ኣብ እተካይዶ ዘላ ኲናት፡ ብፍላይ ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላትን መከላኸሊ ኣየርን፡ ኣብ ቀረብ ምዕራባውያን ዝተመርኮሰ እዩ።
ጀነራል ታርናፍስኪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ ነቶም ኣብ እዋን ሶቭየት ዝተሰርሑ ኣጽዋራት ሕጽረት ተተኳሲ ኣጋጢምዋ ኢሉ።
“ምስ ጠለብና ክነጻጸር እንከሎ እቲ ዘለና መጠን እዅል ኣይኰነን” ብምባል ውጥናቶም ክቕንሱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ።
እቲ ጀነራል፡ ዝተዳኸመ ሓገዝ ወጻኢ ድሮ ኣብ ዓውደ ኲናት ጽልዋ ክፈጥር ከምዝጀመረን ኣካይዳ ክቕይሩ ከምዝተገደዱን ገሊጹ።
“ኣብ ገለ ከባቢ ናብ ምክልኻል ቀይርና፤ ኣብ ገሊኡ ድማ መጥቃዕቲ ቀጺልና።
“እቲ ዘለና ትሕዝቶ ኣጽዋር ኣብ ቀጻሊ ንእነካይዶ ገዚፍ መጥቃዕቲ ነዳልዎ ኣለና። እቲ ዕላማ ከምዘለዎ እዩ። እቲ ተግባራትን መንገድን ጥራይ እዩ ዝቕየር።”
ኣብዚ ቅንያት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ንዩክረይን ክህባኦ ዝተሓስበ ሓገዛት ምዕጋቱ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣባላት ሰልፊ ሪፐብሊካን ባይቶ ኣመሪካ፡ ናይ 60 ቢልየን ዶላር ሓገዝ ደው ክብል ገይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ሕብረት ኣውሮጳ ክህባ ዝነበሮ ናይ 55 ቢልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ብሃንጋሪ ከም ዝተዓግተ ይዝከር።
ቀረብ ኣጽዋር ምዕራባውያን ብዝድለ መጠን ዘይምቕጻሉ፡ ዩክረይን ሕጽረት ኣጽዋር እናጋጠማ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ሕብረት ኣውሮጳ ክሳብ መጋቢት 2024፡ ሓደ ሚልዮን ተተኳሲ ክልእከላ ቃል ክኣቱ እንከሎ፡ ዛጊት ግን 480 ሽሕ ጥራይ እዩ ኣብጺሑ ወይ ኣብ ምጕዕዓዝ ዝርከብ።
ኣመሪካ ግን ብምዕራባውያን ንዝተሰርሑ ኣጽዋራት ዝኸውን ልዕሊ 2 ሚልዮን 155 ሚሜ ተተኮስቲ ኣቕሪባትላ። ናይ ባዕላ ተተኮስቲ ግን ተወዲኡ እዩ፤ ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ክላስተር ኣጽዋራት ክትጥቀም ተገዲዳ።
ዩክረይን ልዕሊ እቲ መሓዙታ ከቕርባላ ዝኽእላ መጠን እያ ኣጽዋራት እትጥቀም ዘላ። ሰራዊት ምክልኻል ኢስቶንያ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ዩክረይን ኣብቲ ምስ ሩስያ እተካይዶ ዘላ ኲናት ወርሓዊ ብውሑድ 200 ሽሕ ተተኳሲ የድልያ።
“ነዚ መጠን ምምላእ፡ ኣብ 2024፡ መኽዘናት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ጥርሑ ዘትርፍን ብዙሕ ኣጽዋር ካብ ወጻኢ ምግዛእ ግድን ክኸውን ዝገብርን እዩ” ይብል እቲ ጸብጻብ።
ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ጀነራል ኢቫን ሃቭረሉክ ድማ፡ ሃገሩ “ነቲ ኣብ ተተኮስቲ ዘጋጠመ ሕጽረት ንምክሕሓስ” ምህርቲ ካሚካዝ ድሮናት ተጠቓልል ከምዘላ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ንናይ እዋን ሶቭየት ኣጽዋራት ዝዀኑ ተተኮስቲ ብብዝሒ ኣብ ምፍራይ ትርከብ፡ ኢሉ።
ምስ ምዕራባውያን ኣፍረይቲ ብምትሕብባር ምህርቲ ንምውሳኽ ከምዝተዘራረበትን ክዕወት ተስፋ ከምእትገብርን እውን ተዛሪቡ።
ዩክረይን ምስ ትካላት ኣመሪካ ብሓባር ኣጽዋር ንምፍራይ ተፈራሪማ ኣላ።
ዕላማ እቲ ስምምዕ፡ ዩክረይን ምስ ሩስያ ዝመጣጠን ሓይሊ ሰብ ስለዘይብላ፡ ናይ ቴክኖሎጂ ጸብለልታ ንምርካብ ከምዝዀነ እዩ እቲ ጀነራል ዝዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መግለጺ ዝሃበ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ እቲ ኲናት ሩስያ ዕላማኣ ምስፈጸመት ጥራይ ደው ከምዝብል ገሊጹ ነይሩ።
ንዩክረይን ዝግበር ደገፍ ወጻኢ ምቕናሱ፡ ሩስያ ዘለዋ ቊጠባ ብምሉእ ናብቲ ኲናት ብምውዓል ንዩክረይን ከይትስዕራ ስግኣት ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







