'ኣብ ሲኦል ኢና ተሰኽቲትና ዘለና' - ወተሃደር ዩክረይን

ወተሃደራት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, AP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሩባ ደኒፕሮ ካብ ጃልባ ዝዘሉ ወተሃደራት ዩክረይን

ብቝጽሪን ኣጽዋርን ጸብለል ዝበለ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዝርከበሉ፡ ምብራቓዊ ገምገም ሰፊሕ ሩባ ደኒፕሮ ንምቍጽጻር ኣብ ትገብሮ ዘላ ርብራብ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከብ ሓደ ወተሃደር ኣገራሚ ቃለ ምስክርነት ሂቡ።

ኣማኢት ወተሃደራት ዩክረይን፡ ከም ኣካል ናይቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተጀመረ ጸረ-መጥቃዕቲ እዮም ኣብቲ ግንባር ዓሪዶም።

ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ደብዳብ ሩስያ፡ ዩክረይን ናብ ቁሸት ክሪንኪ ድልድል ክትምስርት ኣብ እትጽዕረሉ ዝነበረት እዋን፡ እቲ ወተሃደር ኣብ ሸነኽ እቲ ሩስያ ዝተቘጻጸረቶ ሸነኽ እቲ ሩባ ሓያሎ ሰሙናት ኣሕሊፉ።

መንነቱ ንዘይምቅላዕ ቢቢሲ ስም እቲ ወተሃደር ኣይጠቅስን እዩ።

ኣብቲ ብመተግበሪ መልእኽቲ ዝተላእከ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ጀላቡ ወተሃደራት፣ ተመኵሮ ዝሓጽሮም ወሃብቲ ደገፍ፡ ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዩክረይን ከም ዝተጠልሙ ከም ዝስምዖም ይዛረብ።

እዚ ኸኣ ሰራዊት ዩክረይን ኣንጻር ወራር ሩስያ ካልኣይ ዓመቱ ክመልእ ኣብ ዝቃረበሉ ዘሎ እዋን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዘጕልሕ እዩ።

ሰራዊት ዩክረይን ብጸጥታዊ ምኽንያት ብዛዕባ ‘ቲ ኵነታት ርእይቶ ከምዘይህቡ ሓቢሮም።

መልእኽቲ’ቲ ዩክረይናዊ ወተሃደር ኣብ ታሕቲ ተጻሒፉ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ኣብ ምሉኡ እቲ መሳገሪ ሩባ ዘየቋርጽ ሓዊ እዩ ዘሎ። ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ብጾተይ፡ ብደብዳብ ድሕሪ ምውቃዖም ኣብ ሩባ ደኒፕሮ ንሓዋሩ ክጠፋኡ ርእየ እየ።"

“ኵሉ ንብረትና ተሰኪምና ክንከይድ ነይሩና - ጀነሬተራት፡ ነዳዲን መግብን። ድልድል ክትተክል እንከለኻ ብዙሕ ነገር እዩ ዘድልየካ፤ ነዚ ዝኸውን ቀረብ ግን ኣብ መደብ ኣይኣተወን።"

"ኣብኡ ምስ በጻሕና፡ ጸላኢ ክሃድም'ዩ ኢልና ኢና ሓሲብና ዝነበርና፣ ድሕሪኡ ዘድልየና ኵሉ ብዘይጸገም ክነጓዕዝ ንኽእል ኢና ኢልና ሓሲብና ነይርና፤ እዚ ግን ኣይተረኽበን።"

"ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ምስ በጻሕና፡ ጸላኢ ይጽበ ነይሩና። ዝሓዝናዮም ሩስያውያን ከም ዝበልዎ፡ ብዛዕባ ምዕላብና ተሓቢርዎም፤ ኣብኡ ምስ በጻሕና፡ ኣበይ ከም ዘጥቅዑና ብልክዕ ፈሊጦም፤ ኵሉ ኣጽዋራት - መዳፍዕ፣ ሞርታርን ሃልሃልታ ዝተፍኡ ኣጽዋራት ኵሎም ኣዝኒቦምልና፤ ካብዚ ክወጽእ እየ ዝብል ግምት ኣይነበረንን።"

እንተዀነ ገለ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ፡ በቲ ካብ ምዕራባዊ ገምገም ድኒፕሮ ብዝተተኮሰ መዳፍዕ ዩክረይን ከፊላዊ ሽፋን እናረኸቡ ክዅዕቱ ፈቲኖም ነይሮም።

እቲ ሩባ፡ ነቲ ብሩስያ ዝተጐበጠን ብዩክረይን ዝተታሕዘን ክፋላት ደቡባዊ ዞባ ከርሶን ዝፈሊ እዩ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነዚ መጥቃዕቲ ከም መጀመሪ ንኻልእ ዝሰፍሐ ስርሒት ብምቕራጽ ክዛረበሉ ደልዩ ነይሩ።

ጀነራል ስታፍ ዩክረይን ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ደኒፕሮ ቦታኦም ኣውሒሶም ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ "ኣብ ድሕሪት ጸላኢ ከቢድ ዕንወት" የውርዱ ከምዘለዉን ጸብጺቡ።

እዚ ወተሃደር ዝሃቦ ምስክርነት ግን፣ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ካብቲ ብ መንግስቲ ዩክረይንን ጀነራላቱን ዝተዋህበ መግለጺታት ብኣንጻሩ ምዃኑ የቃልዕ።

ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይን ጀነራል ቫለሪ ዛሉዝኒ ኣብ ሕዳር ንመጽሔት ኢኮኖሚስት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ልክዕ ከም ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ኣብ ዕጽዋ ዘእትወና ደረጃ ቴክኖሎጂ በጺሕና ኣለና" ኢሉ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ ዓውደ-ኲናት፡ ዕጽዋ ዝበሃል ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ነቲ ጀነራል ብዝሃቦ ርእይቶ ገሲጹን ነጺጉን።

"ኣብ ጫካ መዓልታዊ ኮፍ ኢልና ዝትኰስ ንቕበል ጥራይ ኔርና። ኣብ ዕጽዋ ኢና - ጽርግያታትን መንገድታትን ኵሉ ብነተጕቲ ተሓጺሩ እዩ። ሩስያውያን ንዅሉ ክቈጻጸርዎ’ኳ እንተዘይከኣሉ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቶም ግን ብቐጻሊ ኣብ ልዕለና ይዝንብያ፣ ምንቅስቓስ ምስ ረኣያ ብኡንብኡ ንምህራምና ድሉዋት እየን።

"ቀረብ እቲ ዝደኸመ መላግቦ እዩ ነይሩ። ሩስያውያን ንመስመራት ቀረብና ስለዝተቘጻጸርዎ፡ ኣጸጋሚ ኰይኑ፤ ዋላ'ኳ ብጀላቡን ድሮናትን ዝመጻና እንተዀነ፡ ብዘይቀልዓለም ሕጽረት ዝስተ ማይ ነይሩ።"

"ንናይ ገዛእ ርእስና ንብረት ብዙሕ ወጻኢታት ንገብር - ጀነሬተራት፡ መኽዘን ጸዓት [ፓወር ባንክ] መሞቒ ክዳውንትን ካልእን ባዕልና ገዚእና። ሕጂ በረድ ይመጽእ ኣሎ፡ ነገራት ክገድዱ ጥራይ እምበር ዝመሓየሹ ኣይኰኑን - እቲ ልክዕ ክውንነት ሸለል ተባሂሉ’ሎ፣ ዝቕይሮ ዝዀነ ሰብ የለን።"

"እቲ ዕላማታት እንታይ ምዃኑ ዝፈልጦ የለን። ብዙሓት፡ እቲ መሪሕነት በቃ ገዲፉና እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። እቶም ብጾት፡ ህላወና ካብ ወተሃደራዊ ትርጕም ንላዕሊ ፖለቲካዊ ትርጉም ከም ዝነበሮ ይኣምኑ። ንሕና ግን ስራሕና ጥራይ ኢና ንገብር ኣብቲ ስትራተጂ የለናን።"

ሩስያ ኣብዚ ግንባር’ዚ፡ ካብቲ ብኸቢድ ዝተኸላኸለትሉ ዞባ ዛፖሪዚዝያ ከይተረፈ ገለ ሓይልታታ ክትድርብ ዝተገደደትሉ ግንባር እዩ፤ ኣብዚ ኸኣ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ዩክረይን ተስፍያ ነይራ።

ቢቢሲ ሩስያ ንገለ ኣብቲ ከባቢ ንገምገም ሩባ ዝከላኸሉ ዘለዉ ወተሃደራት ሩስያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣዘራሪቡ ነይሩ።

ወተሃደራቶም ናብኡ ምግዓዞም "ነብሰ ቅትለት" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ውግእ ብዙሓት ሩስያውያን ከምዝተቐትሉን ንዩክሬናውያን ከልቅቕዎም ከም ዘይክእሉን ገሊጾም።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን ብወገኑ፡ መስመራት ቀረብ ሩስያ ዒላማ ብምግባር፡ ንሲቪላት ካብ ደብዳብ ንምክልኻል ኣብ ዘኽእልን ውሕስነት ዝህብን እኹል ርሕቀት ካብቲ ሩባ ክደፍእ ከምዝደሊ ይገልጽ።

ክልቲኦም ወተሃደራት ሩስያን ዩክረይንን ጽዑቕ ምልውዋጥ ተዅሲ የካይዱ ከምዘለዉ ድማ ይፍለጥ።

"መብዛሕትኡ ክሳራታትና ብጌጋታት ዝተፈጥረ እዩ - ገለ ኣብቲ ድፋዕ ብቕልጣፈ ኣይሓኩርን፤ ካልእ ተሓብኡ’ውን ኣይክእሎን። ገሊኡ ነቲ ኵነታት ክግንዘቦ እንተዘይክኢሉ ብቕጽበት እዩ ካብ ኩሉ ቦታ ዒላማ ዝኸውን።"

"ክብሪ ንሓካይምና ግን፣ ዝተሃርመ ወተሃደር ናብኦም ከነብጽሖ እንተኽኢልና ይድሕን እዩ፤ ፈጠርቲ ኣምላኽ እዮም። እቶም ዝወደቑ [ዝሞቱ] ግን ከነውጽኦም ኣይንኽእልን፤ ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ።"

"ማዕረ ማዕረኡ ድሮናትናን ሚሳይላትናን ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ብዙሕ ክሳራ የውርድ እዩ። ሓንሳብ ምሩኻት ኲናት ሒዝና ኢና፤ ንናይ ገዛእ ርእስና ህሩማት ብጾትና ሩባ እንሰግረሉ መንገዲ ኣብዘይብልና ግን ኣበይ ከነቐምጦም?"

ወተሃደራት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, AP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሩባ ደኒፕሮ ብጃልባ ኮለላን ስለያን ዘካይዱ ወተሃደራት ዩክረይን

እዚ ስርሒት’ዚ’ውን ከም ኵሉ ግንባር ናብ ናይ ሕንፍሽፍሽ ውግእ ተቐይሩ እዩ።

ሩስያ፡ ብሓደስቲ ዕጡቓትን ይቕረ ዝተባህለሎም እሱራትን መሳርዓ ክትመልእ እንከላ፡ ዩክረይን ግን ዘድልያ ሓይሊ ሰብ ንምርካብ ትሰሓግ እያ ዘላ።

ቢቢሲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ምርመራ ከምዘመልክቶ፡ ካብ ሩስያ ምሉእ ወራር ካብ ዝጅምረሉ ኣትሒዙ ኣስታት 20 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮ ካብቲ ዕስክርና ንምምላጥ ካብ ዩክረይን ከምዝሃደሙ የረጋግጽ።

"ኣብዚ ሓያሎ ብራጊድ ክድረባ ነይርወን፣ በቃ እኹል ዓቕሚ-ሰብ የብልናን።"

"ኣብ መንጐና ብዙሓት መንእሰያት ኣለው። ዝሰልጠኑ ሰባት የድልዩና እምበር እቶም ሕጂ ኣብዚ ዘለዉ ገና ዘይበሰሉ፡ ዘይተመኰሩ እዮም። ኣብ ታዕሊም ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ዘሕለፉ፡ ሒደት መዓልታት ጥራይ ተዅሲ ዝፈተኑ እዮም።"

"ፍጹም ሕልሚ እዩ። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ከምኡ ኣይምበልኩን፤ ሕጂ ግን ይቕሬታ፣ ኣመና ዒቕ ኢሉኒ እዩ።"

“ኵሉ እቲ ብወለንታ ንኽዋጋእ ኢሉ ዝተዓስከረ እቲ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝመጸ እዩ፤ ሕጂ ንሰባት ብገንዘብ ምፍታን ዝከኣል ኣይኰነን - ከቢድ'ዩ። ሕጂ ነቶም ካብ ዕስክርና ክሃድሙ ዘይከኣሉ ንረክብ ኣለና። ገለ ባሕረኛታትና ክሕንብሱ እውን ኣይክእሉን እዮም፡ እንተ ኢለካ መቸም ክትስሕቕ ኢኻ።"

ኣብዚ እዋን ቁሸት ክሪንኪ ናብ ፍርስራስ ተቐይራ እያ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ከተማ ከርሰንን ከባቢታት ዞባ ካርኪቭን ሓራ ክወጻ እንከለዋ ዝተገብረ ረድኤት ገና ኣይተራእየን።

ብኣንጻሩ፡ ዓወታት ዩክረይን ኣብ ንኣሽቱን ዝዓነወን ዝባደመን መሬት ጥራይ ኰይኑ ይርአ።

እዚ ድማ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ደገፍ ምዕራባውያን ብፖለቲካዊ መዳይ ንምሻጥ ዝግበር ጻዕሪ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዝተሓላለኸ ይገብሮ።

እዚ ብዘየገድስ ግን ቃልሲ እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ወተሃደር ክቕጽል እዩ።

"ድሕሪ ተፈንጃሪ ቦምባ፡ ሃለዋተይ ኣጥፊአ ነይረ ግን ክድሕን ክኢለ እየ፤ ሓደ ካብ ብጾተይ ግን ዕድል ኣይገበረን ኣብኣ ተሪፉ - ወተሃደራዊት ቈብዑ ጥራይ እያ ተረኺባ።

"ካብ ገሃነብ ዘምለጥኩ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፤ እቶም ዝሓለፈ ግዜ ዝተክኡና ብጾት ግን ካብቲ ናትና ንላዕሊ ናብ ዝኸፍአ ሲኦል እዮም ኣትዮም።

"እቲ ዝቕጽል ዙር ግን ይመጽእ ኣሎ፤ ኣብ ቀረባ ዳግማይ ነቲ ሩባ ክሰግር እየ።"