ካብ ውትህድርና ንምህዳም ሓደገኛ ሩባታት ዘቋርጹን ብሕማም ዘመኽንዩን መንእሰያት

ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅምር ወታሃደር ንዘይምዃን ኣስታት 20 ሽሕ መንእሰያት ካብታ ሃገር ከምዝሃደሙ ቢቢሲ ዝረኸቦም ጸብጻባት የመልክቱ።
ገሊኦም ካብታ ሃገር ንምውጻእ ሓደገኛ ሩባታት ኣቋሪጾም። ገሊኦም ጸልማት ጉልባብ ገይሮም ሃዲሞም።
ካልኦት 21 ሽሕን 113 ድማ ክሃድሙ ብሰብመዚ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ኪቭ ኣረጋጊጻ።
ሩስያ ንዩክረይን ምስወረረት ሽዑ ንሽዑ ካብ 18 ክሳብ 60 ዓመት ዝርከቡ ሰብኡት ካብታ ሃገር ከይወጹ ተኸልኪሎም። ኮይኑ ግና መዓልታዊ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዩክረይናውያና ካብታ ሃገር ይወጹ ከምዘለዉ ቢቢሲ ዝረኸቦም መረዳእታታት የርእዩ።
ቢቢሲ ኣብ ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ቤተሰቦም ንምርኻብ፣ ንትምህርቲ ወይ ንምንባር ኢሎም ካብ ሃገሮም ዝሃደሙ ብዙሓት ሰብኡት ኣዘራሪቡ።
“እንታይ እየ እሞ ክገብር [ኣብ ዩክረይን]?” ይብል የቭገኒ ዝተባህለ ሰብኣይ።
“ኩሉ ሰብ ተዋጋኣይ ኣይኮነን . . . ነታ ሃገር ብምልእታ ክትዓጽዋ ኣይትኽእልን። ከምቲ ናይ ዘበን ሶቭየት ሕብረት ንኩሉ ሰብ ክትእክቦ ኣይትኽእልን” ይብል።
ቢቢሲ ጎረባብቲ ሃገራት ዩክረይን ካብ ዝኾና ሮማንያ፣ ሞልዶቫ፣ ፖላንድ፣ ሃንጋሪን ስሎቫክያን ዝኣከቦ ሓበሬታ፡ ካብ ለካቲት 2022 ክሳብ 31 ነሓስ 2023 ኣብ ዘሎ እዋን፡ 19 ሽሕን 740 ዩክረይናውያን ሰብኡት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብተን ሃገራት ኣትዮም።
ዋላኳ እዞም ሰባት ብኸመይ መንገዲ ከምዝሃደሙ ዘይፍለጥ እንተኾነ፡ እቶም መህደሚ መንገዲታት ግን ካብቶም ክሃድሙ ዝተትሓዙ 21 ሽሕን 113 ምርዳእ ይከኣል።
እቶም ኣስታት 14 ሽሕ ብእግሮም ወይ ሩባ ሓምቢሶም ኣቋሪጾም ክሃድሙ ዝፈተኑ እንትኾኑ እቶም ዝተረፉ ኣስታት 7 ሽሕ ግን ናይ ሓሶት ናይ ሕክምና ወረቐት ሒዞም ክወጹ ከምዝፈተኑ ሰብመዚ ይገልጹ።
ጸገም ጥዕና ዘለዎም፣ ሓላፍነት ዝተሰከሙን ሰለስተን ልዕሊኡን ቆልዑ ዘለዎምን ዩክረይናውያን ሰብኡት ክዓጥቁ ኣይግደዱን እዮም።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺብወተሃደራዊ ሕክምና ተገይሮም ዝበሎም “ብልሹዋት ውሳነታት” ካብ ለካቲት 2022 ጀሚሩ ቁጽሪ ካብ ውትህድርና ናጻ ዝተብሃሉ ሰባት ብ ዓሰርተ ዕጽፊ ወሲኹ ኢሉ። ኣብ ኩለን ክልላት ኣብ ምልመላ ሰራዊት ዝነበሩ ሰብመዚ ኩሎም ከምዝተባረሩን ልዕሊ 30 ብገበን ከምዝተኸሰሱን እውን ሓቢሩ።
ኣብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ወኪል እቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ፈዲር ቨኒስላቭስኪ፡ እቲ ጸገም ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“መንግስቲ እቲ ጸገም ሰፊሕ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ እዩ። ብልሽውና ብዙሕ ከምዝኾነ እየ ዘረጋግጽ” ዝብል እቲ ወኪል እታ ሃገር መጠን ብልሽውና ንምቕናስ ትጽዕር ከምዘላ ገሊጹ።
እንተኾነ ቁጽሪ ናይቶም ዝሃደሙ ወይ ክሃድሙ ዝፍተኑ ሰብኡት፡ ኣብቲ ናይ ኲናት ጻዕሪ ዘምጸኦ ጽልዋ ከምዘየለ ይዛረብ።
“ዩክረይናውያን ናጽነቶምን ሉእላውነቶምን ንምክልኻል ዘለዎም ጥንካረን ድሉውነትን ካብ 95 ክሳብ 99 ምኢታዊት ከምዝኾነ ይኣምን።”
ንሱ እቶም ዝሃድሙ ካብ 1 ክሳብ 5 ምኢታዊት ከምዝኾኑን ንሰራዊት እታ ሃገር ወሰንቲ ከምዘይኮኑን ይዛረብ።
ኣስታት 40 ሽሕ ዝሃድሙን ክሃድሙ ዝፍትኑን ቁጽሪ ሰብኡት ኣብቲ ዩክረይን ክትሃንጾ እትደልዮ ሰራዊት ምክልኻል ዓብዪ ዝበሃል ብጽሒት ዘለዎ እዩ። ሰብመዚ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝሃብዎ ግምት፡ ቁጽሪ ኣብቲ ኲናት ዝሞቱ ወታሃደራት ዩክረይን ኣስታት 70 ሽሕ ከምዝበጽሕ የረድእ። እታ ሃገር ግን ቁጽሪ ዝሞቱ ኣይተዛረበትን።
ዩክረይን ክንደይ ዝኣክል ሰራዊት ከምዘለዋ እውን ኣይትገልጽን። ሓድሽ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስተም ኡመሮቭ ግን ኣስታት 800 ሽሕ ሰራዊት ከምዘለዎም ኣብ ወርሂ መስከረም ተዛሪቡ።
ገሊኦም ሰባት ዘምልጡሉ መንገዲ ዘሰንብድ እዩ።
ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ ሓደ ሰብኣይ ሩባ ደኒስተር ሓምቢሱ እንተቋርጽን ሓለዋ ዶብ ሞልዶቫ ናብ ውሑስ ቦታ ክወጽእ እንትሓትዎን ይረኣይ። ካልእ ድማ ምስ ሮማንያ ዘዋስን ሩባ ቲሳ ከቋርጹ ናይ ዝጠለቑ ሰብኡት ሬሳታት ተጎቲቱ እንትወጽእ የርእይ።
ናይ ህንጻ ሰራሕተኛ ዝነበረ የቭገኒ ግን ብዶብ እታ ሃገር ብቐሊሉ ከምዝወጸ እዩ ዝዛረብ። ኩሉ ነገር ናብ ኲናት ብምዃኑ ዝረብሕ ስራሕ ክሰርሕ ከምዘይከኣለን ኣገልግሎታት ከምዝኸበሩን ዝገልጽ እዚ ኣብ ማእከል ስደተኛታት ሞልዶቫ ዝተዓቆበ ዩክረይናዊ፡ ኣብታ ሃገር ከምዝተዓጸወ ይስመዖ ምንባሩ እዩ ዝዝክር።
ኣብዚ ማእከል ስደተኛታት ዘሎ ካልእ ዩክረይናዊ ደራፋይ ነበር ኤሪክ ብእግሪ ተጓዒዙን ሩባ ሓምቢሱን ካብታ ሃገር ከምዝወጸ ይገልጽ።
ወዲ 26 ዓመት ኤሪክ ንኡሽቶ እንከሎ ዘጋጠሞ ሕማም ከብዲ ናብ ውትህድርና ክኣቱ ከምዘየኽእሎን እንተኾነ ናይ ሕክምና ወረቐት ክረክብ ዝገበሮ ጻዕሪ ስለዘይሰመረ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ነታ ሃገር ገዲፋ ከምዝወጸን ይጠቅስ።
ኤሪክ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣመሪካ ናብ ዝርከባ ሰበይቱን ጓሉን ተጓዒዙ።
ነቶም ካብ ሃገሮም ዝሃድሙ ስደተኛታት ብቴሌግራም ረኺቦም ዝሕግዝዎም ኣሰጋገርቲ ኣለዉ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብ ዩክረይን ክሃድም ዝደለየ ውልቀ ሰብ ብምምሳል ንኣሰራርሓ እቶም ደለልቲ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ተኸታቲልዎ።
ንሱ ካብ 100 ክሳብ ኣሻሓት ኣባላት ዘለዉዎም ሽዱሽተ ናይ ቴሌግራም ቻነላት ዝረኸበ ኮይኑ፡ ናይ ሕክምና ወረቐት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ከምዝህቡ ይገልጽ።
እቲ ጋዜጠኛ ንዘቕረቦ ናይ ጉዕዞ ጠለብ፡ ትኬት ንዝቖርጹ ሰብ መዚ ዩክረይን ዝኽፈል ጎቦ ሓዊሱ ኣብቲ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ሓደ ሰሙን ዝወስድ ጉዕዞ ኣስታት 4 ሽሕን 300 ዶላር ከምዝኸፍል ገሊጾምሉ።
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ኩሎም ካብታ ሃገር ንምህዳም ዝኸኣሉ እዮም። ኣብ መንገዲ ዝተትሓዙ ግና ካብ 92 ክሳብ 230 ዶላር መቅጻዕትን ክሳብ 8 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርትን ይጽበዮም።
እቶም ዝሃደሙ ኣብ መጻኢ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም እንታይ ከምዝጽበዮም ኣይፍለጥን፤ ወኪል ፓርላማ ቨኒስላቭስኪ ግን እታ ሃገር ክትቀጽዖም ድልየት ይህልዋ'ዩ ኢሉ ከምዘይኣምን ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







