ንመዓልቲ ልደቱ ብዝተወሃቦ ቦምባ ዝተቐተለ ተሓጋጋዚ ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, UKRAINIAN MEDIA
ሓላፊ ሓይልታት ዩክረይን ጀነራል ቫለሪ ዛሉዝኒ፡ ናይ ቀረባ ተሓጋጋዚኡ ከም ህያብ ልደት ብዝተዋህቦ ቦምባ ከም ዝተቐተለ ተገሊጹ።
ወዲ 39 ዓመት ሜጀር ሄናዲይ ቻስትያኮቭ፡ ካብ መሳርሕቱ ዝተወሃቦ ህያባት ኣብ ገዝኡ ምስ ወዱ እናኸፈተ እንከሎ’ዩ እቲ ቦምባ ተፈንጂሩ።
እቲ 13 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዱ ብኸቢድ ቆሲሉ ኣሎ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢሆር ክሊመንኮ፡ እቲ ቆልዓ ንቀለበት እታ ቦምባ ክጠውያ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣቡኡ "ነቲ ቦምባ ካብቲ ቆልዓ ክወስድ እንከሎ እታ ቀለበት ስለዝተሰሓበት ዘሕዝን ነትጒ ኣስዒቡ" ክብል ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ሚኒስተር፡ እቶም ቦምባታት ካብ ሓደ መሳርሕቱ ዝተወሃቡ ህያባት እዮም።
ህዝቢ ውጽኢት ወግዓዊ መርመራ ክጽበ እቲ ሚኒስተር ተላብዩ ኣሎ። ፖሊስ ግን፡ እቲ ፍንጀራ "ብሰንኪ ጥንቃቐ ዝጎዶሎ ኣተሓሕዛ ተተኮስቲ" ከም ዝዀነ’ዩ ዝገልጽ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ኣብቲ ገዛ ካልኦት ሓሙሽተ ቦምባታት ተረኺቦም’ዮም።
ድሒሩ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኮሎኔል ከም ዝዀነ ዝተገለጸ መሳርሕቱ ዝተገብረ ፍተሻ ስዒቡ ካልኦት ተመሳሰልቲ ክልተ ቦምባታት ተረኺቦም።
ሜጀር ቻስትያኮቭ ነተን ቦምባታት ጥርሙዝ ዊስኪ ኣብ ዝሓዘ ኣብ ቦርሳ ገይሩ ናብ ገዝኡ ከም ዝወሰደን ይንገር።
እቲ ውስኪ ምስ ናይ ቦምባ ቅርጺ ዘለዎም ብርጭቆታት ኣብቲ ናይ ህያብ ቦርሳ ከም ዝነበረን እቲ ፍንጀራ ድማ ነቲ ቦርሳ ምስ ከፈቶ ከም ዘጋጠመን ሓደ ምንጪ ዝሃቦ ሓበሬታ የመልክት።
ካልኦት ጸብጻባት ድማ መሳርሕቱ፡ "ንዓኻ ምግራህ ኣጸጋሚ እዩ፡ ነዚ ድማ እየ ቦምባታትን ብሉጽ ጥርሙዝ ዊስኪን ዝህበካ ዘለኹ" ኢሉ ከም ዝሃቦ ይገልጹ።
ጀነራል ዛሉዝኒ፡ ሜጀር ቻስቲያኮቭ ኣብ ለካቲት 2022 ምሉእ ወራር ሩስያ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ "ዘተኣማምን ሓጋዚ" ነይሩ ብምባል ሞቱ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ባዕሉን ዘጋጠመ ዘይግለጽ ቃንዛን ከቢድ ክሳራን ምዃኑ ተዛሪቡ።
ይኹን’ምበር ዩክረናውያን ወሃብቲ ርእይቶ፡ ብዛዕባ ወግዓዊ ጠንቂ እቲ ፍንጀራ ሕቶ የልዕሉ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ፡ ምናልባት ንጀነራል ዛሉዝኒ ንምቕታል ዒላማ ዝገበረ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ።
ሞት እቲ ወተሃደራዊ መኮንን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዩክረይን ዘጋጠመ እንኮ ዘሕዝን ፍጻመ ኣይኰነን። ብዓርቢ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ዛፖሪዝዝያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 19 ወተሃደራት ተቐቲሎም እዮም።
እቶም ወተሃደራት፡ ኣብ ኲናት ብዘርኣይዎ ጅግንነት ኣብ ከባቢ ዓውደ-ውግእ ኒሻናት ንክወሃቡ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል’ዮም ተቐቲሎም
ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ወተሃደራቱ ሽልማት እናተቐበሉ እንከለዉ ብሚሳይላት ሩስያ ምቕታሎም ከም ዘቖጠዖ ገሊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







