ኲናት ዩክረይን፡ 'ሩስያ ዘንሳሕቡ ዘለው ወተሃደራታ ትቐትል ኣላ' - ኣመሪካ

መብዛሕትኦም 30 ሽሕ ነበርቲ ኣቭዲቭካ ካብታ ብርቱዕን ደማዊን ውግእ ዝካየደላ ከተማ ወጺኦም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መብዛሕትኦም 30 ሽሕ ነበርቲ ኣቭዲቭካ ካብታ ብርቱዕን ደማዊን ውግእ ዝካየደላ ከተማ ወጺኦም ኣለዉ

ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ካብ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ መጥቃዕቲ ከንሳሕቡ ንዝፍትኑ ዘለው ወተሃደራት ትቐትል ከም ዘላ ዋይት ሃውስ ገሊጹ።

ብመሰረት ኣመሪካ፡ ገለ ካብቶም ግዳያት ኣብ ከባቢ ኣቭዲቭካ "ብትእዛዝ መራሕቶም" እዮም ተቐቲሎም።

ወተሃደራት ሩስያን ዩክረይንን ካብ መፋርቕ ጥቅምቲ ጀሚሮም ነታ ኣብ ቅድመ ግንባር እትርከብ ከተማ ንምሓዝ ኣብ ከቢድ ውግእ ተጸሚዶም ኣለዉ።

ሩስያ ኣብዚ ግዜ እዚ "ዓቢይ" ክሳራ ከም ዘጋጠማ ይግመት።

ብዝሒ ናይቶም ኣብ ኣቭዲቭካ ዝሞቱ ሩስያውያን 5000 ክኸውን ከም ዝኽእል ዩክረይን ትገልጽ።

ኣመሪካ ድማ ሩስያ "ብውሑዱ" 125 ዕጡቓት መካይንን ልዕሊ ሓደ በጦሎኒ ዝኸውን ኣጽዋራትን ከም ዝሰኣነት ትገልጽ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ዩክረይን፡ ሰራዊት ሩስያ ብሰንኪ ዘጋጥሞም ዘሎ ከቢድ ክሳራታት ኣብ ከባቢ ኣቭዲቭካ ንዝርከቡ ድፋዓት ዩክረይን ምጥቃዕ ኣብዮም ከም ዘለዉን ኣብ ገለ ኣሃዱታት ናዕቢ ከም ዘጋጠመን ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሓይልታት ሩስያ፡ ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘካየደቶ ፍሹል መጥቃዕቲ ትሑት ስልጠና፡ ትሑት ዕጥቂን ንውግእ ዘይተዳለዉን እዮም” ኢሉ።

ንሱ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ "እቲ 'ናይ ሰብ ማዕበል' ንብሎ ሜላታት ዝጥቀም ይመስል፡ እዞም ድኹም ስልጠና ዝወሰዱ ወተሃደራት ድማ ናብቲ ውግእ ጥራይ ይድርብዮም ኣሎ" ኢሉ።

"ግቡእ ዕጥቂ የለን፡ ኣመራርሓ የለን፡ ጸጋታት የለን፡ ደገፍ የለን። ሓይልታት ሩስያ ብሕማቕ ሞራል ይሳቐዩ ምህላዎም ዘገርም ኣይኰነን" ክብል ኪርቢ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ጥቓ እታ ብሩስያ ዝተጐበጠት ከተማ ዶነስክ እትርከብ ኣቭዲቭካ ምሓዝ፡ ወተሃደራት ሩስያ ነቲ ቅድመ ግንባር ንድሕሪት ክደፍእዎ ዘኽእሎም ኰይኑ፡ ሓይልታት ዩክረይን ናብ ዞባ ዶነስክ ዝያዳ ክደፍኡ ከጸግሞም እዩ።

ኣቭዲቭካ ሓይልታት ሩስያ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን፡ 30 ሽሕ ነበርታ ለቒቘም ኣለው።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ ኵነታት "ብፍሉይ ከቢድ" ክብል ገሊጽዎ።

ትማሊ ሓሙስ ኣመሪካ ንዩክረይን ዝኸውን ሓድሽ ናይ 150 ሚልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ፓኬጅ ኣፍሊጣ።

እንተዀነ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ሪፓብሊካን ማይክ ጆንሰን ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ኰይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ኣብ መጻኢ ንዩክረይን ዝወሃብ ሓገዝ ላንጋን-ላንጋ ኰይኑ ይርከብ።

ጆንሰን - ኣብ የማናይ ክንፊ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝርከብ - ኣመሪካ ንዩክረይን እትገብሮ ተወሳኺ ሓገዝ ዝቃወም ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ንዩክረይን ዝጸደቝ ሓገዛት ንምዕጋት ዝግበር ምምሕያሻት ይድግፍ ነይሩ።

ኣመሪካ ንዩክረይን እታ ዝዓበየት ወተሃደራዊ ሓገዛት እትገብር ሃገር ኰይና፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 46 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ገይራ ኣላ፤ ኣብ ርእሲኡ ዓሰርተታት ቢልዮናት ገንዘባውን ሰብኣውን ሓገዛት ገይራ እያ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ከም ዝኣወጀ ይዝከር።