ኣውሮጳ፡ ኣንፃር ፀለምቲ ዘቕነዐ 'ዓሌታውነት' ዝምልከት መፅናዕቲ 'ታይ ይብል?

ዓሌታውነት ኣንጻር ጸለምቲ

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY/GETTY

ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ሰባት ዘሎ ዓሌትነት "ሰፊሕን ንሕስያ ዘይብሉን" ምዃኑ ኤጀንሲ መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ (FRA) ገሊጹ።

ኣብ 13 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝነብሩ ጸለምቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ብዙሓት ንኣድልዎን ዓመጽን ዝተቓልዑ ሰባት ኣብ "መዓልታዊ ህይወቶም ጽልዋ የሕድእረሎም” ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ጀርመን፡ ካብቲ ኣብ 2018 ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ መጽናዕቲ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣድልዎ ዝተሰምዖም ሰባት ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ።

እዚ ውጽኢት መጽናዕቲ “መንቅሒ ደወል” ክኸውን ኣለዎ ይብል እቲ ኤጀንሲ ሕብረት ኤውሮጳ።

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ስራሕን መንበሪን ካብ ምርካብ ጀሚሩ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ክሳብ ግዳያት "ኣዝዩ ስንባደ" ዝፈጥረሎም ምግፋዕ ዘጋጥሞም ብዙሓት ጸለምቲ "ብሰንኪ ሕብሪ ቈርበቶም ጥራይ" ወገናውነትን ኣድልዎን ብቕሉዕ ከም ዘጋጥሞም እቲ ኤጀንሲ ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኦስትርያ፣ ቤልጅየም፣ ዴንማርክ፣ ፈረንሳ፣ ፊንላንድ፣ ጀርመን፣ ኣየርላንድ፣ ጣልያን፣ ሉክሰምበርግ፣ ፖርቱጋል፣ ፖላንድ፣ ስዊድንን ስፔንን ዝነብሩ ልዕሊ 6,700 ቀዳማይን ካልኣይን ወለዶ ጸለምቲ ዜጋታት ዝተገብረ ዳህሳስ እዩ።

እቲ ውጽኢት ምስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተኻየደ ብምንጽጻር፡ ዓሌታውነት ኣብ ምፍታሕ ዓብዪ ምዕባለ ዘይምህላው የጉልሕ።

ኣብቲ ግዜ እዚ ዳርጋ ፍርቂ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ሰባት ዓሌታዊ ኣድልዎ ከም ዘጋጠሞም ገሊጹ - ኣብ 2016፡ 39 ሚኢታዊት ዝነበረ ዓሌታዊነት ኣብ 2022 ናብ 45 ሚኢታዊት ክብ ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ኣብ ጀርመንን ኦስትሪያን ኣብዚ መጽናዕቲ ካብ ሞንጐ ዝተሳተፉ ሰባት፡ እቶም 64 ሚኢ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣድልዎ ከም ዝተሰምዖም ተገሊጹ።

እዚ ቁጽሪ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ጀርመን ናብ 76% ክዓቢ እንከሎ፡ ኦስትሪያ ድማ ብ72%፡ ፊንላንድ ድማ ብ63% ዓብዪ ተራእዩ።

"እዚ ሎሚ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ንብዙሓት ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ክውንነት'ዩ ፡ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ሰባት ስራሕ ወይ ገዛ ኣብ ዝደልዩሉ እዋን ብስሩዕ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛን ወገናውነትን ይገጥሞም" ይብል ዳይረክተር ኤጀንሲ መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ ማይክል ኦፍላሄርቲ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ጀርመን ንፈለማ እዋን ኮሚሽነር ጸረ ዓሌታውነት ሪም ኣላባሊ-ራዶቫን ምሻሙ ይዝከር።

ፖላንድ፣ ስዊድንን ፖርቱጋልን ካብተን 13 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝወሓደ መጠን ምግፋዕን ኣድልዎን ዝተርኣየለን ሃገራት ምዃነን ተሓቢሩ።

ኣብ 2019፡ ሓደ ሕሉፍ የማናዊ ምክትል ከንቲባ፡ ስደተኛታት ምስ "ቀልጢፎም ክባረሩ" ዝግበኦም ኣናጹ እዮም ኢሉ ድሕሪ ምፅራፉ ኣብ ኦስትሪያ ሓያል ቁጥዐ ተፈጢሩ ነይሩ።

እዚ ኣባል ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ፍሪደም ዝዀነ ክርስቲያን ሺልቸር፡ "ልክዕ ከምቲ ኣብዚ ታሕቲ እንነብር፡ ካልኦት ኣናጹ’ውን ከምኡ ክነብሩ ኣለዎም" ክብል ጽሒፉ።

ኣብዚ ዓመት፡ ቪልሄም ጁኒላ ዝተባህለ ኣባል ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ፊንላንድ፡ ብተደጋጋሚ መወከሲታት ናዚ ኣቕሪቡ ተባሂሉ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ፊንላንድ ሪካ ፑራ፡ ቅድሚ 15 ዓመት ብዝጠቅዓቶ ተኸታታሊ ዓሌታዊ ርእይቶታት ይቕሬታ ክትሓትት ተገዲዳ።

ኣብ 2008 ኣብ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝዀኑ መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ባቡር እናማረረት፡ "ሽጉጥ እንተዝህቡኒ፡ ኣብዛ ናይ መጓዓዝያ ባቡር ሬሳታት ምሃለዉ" ኢላ።

ዳይሬክተር ኦፍላሄርቲ፡ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተርኣየ ሓቀኛ ስፍሓት ዓሌታውነት "ዘሰንብድን ዘሕፍርን" ምዃኑን፡ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ኤውሮጳ ቦታ ክህልዎ ከምዘይግባእ ገሊጹ።

ኤጀንሲ መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ ድማ፡ “ኩሉ ሰብ ብማዕረን ክብርን ንክትሓዝ” ኣብ ምርግጋጽ ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ።