ኢንስታግራም ኣብ ጥዕና ኣእምሮ መንእሰያት ብዘውረዶ ጉድኣት ተኸሲሱ

ሞባይል ዝሓዘት መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ወናኒ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝዀነት ኩባንያ ሜታ፡ ማሕበራዊ ሚድያ ምጥቃም ዘስዕቦ ሓደጋታት ብዝምልከት ንህዝቢ ብምድንጋርን ኣብ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ መንእሰያት ብዘለዎ ተራ ተኸሲሱ።

እዚ ክሲ ብደረጃ ፈደራል ዝቐረበ ምጕት ኰይኑ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ መግለጺ ሂበን ኣለዋ።

እቲ ኩባንያ ንተጠቀምቲ "ኣብ መጻወድያ ንምእታው" ወልፊ ዝፈጥር ሜላታት ከምዝተጠቐመን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ "ሰፊሕ ሓደጋታት" ማሕበራዊ ገጻቱ ከምዝሓብአን እተን ግዝኣታት ይገልጻ።

ሜታ ብወገኑ በቲ ክሲ "ከምዝጓሃየ" ኣፍሊጡ’ሎ።

ሜታ "መታለሊ" ዝዀነ ኣካይዳ ብምጥቃም ሕግታት ድሕነት ተጠቀምቲ ከምዝጠሓሰ እቲ ክሲ የረድእ።

ብተወሳኺ እቲ ኩባንያ ኣብ ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት መረዳእታ ከምዝኣከበን እዚ ድማ ኣብ ሕጊ ምክልኻል ብሕትውና (‘ፕራይቨሲ’) ህጻናት ንዘለዎ ግዴታ ከምዝጠሓሰን ኣብቲ ክሲ ተጠቒሱ።

"ሜታን ካልኦት ኩባንያታት ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ መንእሰያት ኣበርክቶ ገይሮም እዮም፤ ክሕተቱ ድማ ኣለዎም" ትብል ሓንቲ ካብቶም ነቲ ክሲ ዝፈረሙ 33 ዋና ዓቀብቲ ሕጊ ኒውዮርክ ዝዀነት ለቲሽያ ጀምስ።

ወሃቢ ቃል ሜታ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ዋና ዓቀብቲ ሕጊ "ንመንእሰያት ብኢንተርነት ውሑስን ኣወንታዊን ተመኵሮታት ንምቕራብ" ዝወሰድዎ ተበግሶ ከምዝድግፍ ብምግላጽ "ድሮ ንመንእሰያትን ስድራቤቶምን ዝድግፉ ልዕሊ 30 መሳርሒታት ኣተኣታትዩ ኣሎ" ኢሉ።

"እቶም ዋና ዓቀብቲ ሕጊ ኣክንዲ መንእሰያት ዝጥቀምሉ ንጹርን ንዕድመ ዝምጥንን መተግበሪታት ንምፍጣር ምስ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ኢንዳስትሪታት ዝሰርሑ፡ ነዚ መንገዲ ምምራጾም ኣጉህዩና'ሎ" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ኣሜሪካ፡ ሜታን ካልኦት ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ምስ ዝስዕብ ጉድኣታት ብዝተሓሓዝ ካብ ስድራቤታት፡ መንእሰያትን ኣብያተ ትምህርትን ኣማኢት ክስታት የጋጥሞም ከምዘሎ ይዝረብ።

ናይ ሎሚ ድማ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝዓበየ ስጕምቲ እዩ።

እዚ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2021 ብሓያሎ ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ኣብ ኣሰራርሓ እቲ ኩባንያ ዝተኻየደ መርመራ ዝሰዓበ ኰይኑ፡ ሽዑ ፍራንቸስ ሃውገን ዝተባህለት ሰራሕተኛ ነበር፡ እቲ ኩባንያ ፍርያቱ ንቘልዑ ክጐድእ ከምዝኽእል ይፈልጥ እዩ ክትብል ኣብ ኣመሪካ ምስክርነት ምሃባ ይዝከር።

ሜታ ግን፡ ኢንስታግራም ንጥዕና ኣእምሮ መንእሰያት ዝጐድእ ምዃኑ ንዝቐርብ ክሲ ብምቅዋም ይምጕት።

ዕብየት ፌስቡክ ምስ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ዝተኣሳሰር ከምዘይኰነ ዝሕብሩ መጽናዕትታት ኣለዉ።

ግን ከኣ ብኣንጻሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዊሕ ሰዓታት ምሕላፍ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ መንእሰያት ሃሳዪ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዘጠንቅቑ ካልኦት ብዙሓት መጽናዕትታት’ውን ኣለዉ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ንሞት ሞሊ ራስል ዝተበሃለት መንእሰይ ዝከታተል መርማሪ ኣካል፡ እታ ተምሃሪት ብ "ኣሉታዊ ሳዕቤናት ትሕዝቶ ኦንላይን" ተሳቕያ ከምዝሞተት ይድምድም።