ፌስቡክን ኤክስን ኣብ ጉዳይ እስራኤል - ቓዛ መጠንቀቕታ በፂሕዎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters/Getty images
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ሜታ “ስኑዓት ሓበሬታታት” ይዝርጋሕ ኣሎ ብዝብል ንወናኒ እቲ ኩባንያ ማርክ ዙከርበርግ ኣጠንቂቑ።
እቲ ሕብረት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ’ውን ንኤክስ (ናይ ቀደም ትዊተር) ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ነይሩ።
ንፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝውንን ኩባንያ ሜታ መልሲ ክህብን ሕጊ ኤውሮጳ ክኽተልን ናይ 24 ሰዓታት ገደብ ግዜ ተዋሂብዎ ኣሎ።
ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዙርያ እቲ ግጭት ዝንዝሑ ናይ ሓሶት ስእልታትን ቪድዮታትን ኣዕለቕሊለን ኣለዋ።
ኣብቲ ሕብረት ሓላፊ እቲ ዓውዲ ዝኾነ ቲየሪ ብሬተን፡ ንሜታ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ "እዋናዊ፣ ግቡእን ጭቡጥን ስጉምቲ" ክወስዱ ሓቢሩ።
ኣብቲ ደብዳበ ከምዝተጠቐሰ፡ ኩባንያ ሜታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታቱ ዝዝርግሑ ስኑዓት ሓበሬታ ንምግታእ ብዛዕባ ዝወሰዶ "ተመጣጣንን ኣድማዕን" ስጉምትታት ንኸፍልጥ ናይ 24 ሰዓታት ግዜ ተዋሂብዎ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ሜታ፡ "ድሕሪ እቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ብቕልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ንምክትታልን ምላሽ ንምሃብን፡ ቋንቋ እብራይስጥን ዓረብን ኣጸቢቖም ዝመልኩ ክኢላታት ዝሓቝፈ ፍሉይ ማእከል ኣጣይሽና ኢና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ጉጅለታትና ድሕንነት ናይቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምሕላው፤ ፖሊሲታት ወይ ሕግታት ኣብ ዝጥሕሱ ትሕዝቶታት ስጉምቲ ንምውሳድ ከምኡ’ውን ዝርግሐ ስኑዕ ሓበሬታ ንምድራት ስርሖም ክቕጽሉ እዮም" ኢሉ።
ኮሚሽን ኤውሮጳ ብወገኑ፡ ምስቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሉ ዝተሰየመ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ሓማስ ዝተኣሳሰር ጎዳኢ ትሕዝቶ ናይ ምክልኻል ሕጋዊ ሓላፍነት ከምዘለወን ንኹለን ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘኻኺሩ’ሎ።
ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን "ኣብ ዌብሳይታት ዝዝርግሑን ምስ ሓማስ ዝተኣሳሰሩ ክኾኑ ዝኽእሉን ጉዳያት ንግብረሽበራዊ ትሕዝቶ ዝበቕዑ እዮም። ዘይሕጋውያ እውን እዮም። ስለዝኾነ ብመሰረት ሕጊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎትን ደንቢ ትሕዝቶ ኢንተርኔት ግብረሽበራውያንን ክእለዩ ኣለዎም" ክብል ኣረዲኡ።
መጠንቀቕታ ንኤክስ
ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ሓላፊ ጉዳያት ዓውዲ ዝኾነ ቲየሪ ብሬተን ብሰሉስ መጠንቀቕታታት እኳ እንተሃበ፡ ናይ "ዓመጽን ግብረሽበራውን ትሕዝቶ" ዘለዎም ትሕዝቶታት ካብ ኤክስ ከምዘይወረዱ እዩ ኣብቲ ናብ ኤሎን ማስክ ዝጸሓፎ ደብዳበ ገሊጹ።
ማስክ ብወገኑ፡ ትካሉ ምስ ሓማስ ዝተኣሳሰሩ ሓደስቲ ዝተፈጥሩ ኣካውንታት ምእላይ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ’ሎ። ተፂሞም አዝበሃሉ ጥሕሰታት ክዝርዘሩሉ ድማ ንሕብረት ኤውሮጳ ሓቲቱ።
ብሬተን ኣብቲ ናብ ኤሎን መስክ ዝጸሓፎ ደብዳበ ብዛዕባ እቶም ዝበሃሉ ዘለዉ ስኑዓት ሓበሬታ ብዝርዝር ኣይገለጸን።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግን "ስኑዓትን ዘይሓቃውን ምስልታት ከምኡ’ውን ሓበሬታ" ብሰፊሑ ክዝርግሑ ከምዝጸንሑ ኣፍሊጡ።
መስክ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "ኣብ ፖሊሲና ኩሉ ክፉትን ግልጽን'ዩ። ነዚ ድማ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝድግፎ እፈልጥ እየ" ኢሉ።
"እቶም ኣብ ኤክስ ዝጠቐስኩሞም ጥሕሰታት ህዝቢ ንክርእዮም ብዝርዝር ይጠቐሱ" ክብል እውን ወሲኹ ሓቲቱ።
ሕጊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንተጠቀምቲ ዓበይቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምሕላው ዝተዳለወ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







