ግብጺ ቅድሚ መጥቃዕቲ ሓማስ ንእስራኤል ኣጠንቂቓ ነይራ ድያ?

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ግብጺ ንእስራኤል ሓማስ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣጠንቂቓታ ከምዝነበረት ኣቦ መንበር ፓነል ኮንግረስ ኣመሪካ ገሊጹ።
እቲ ኣቦ መንበር ከምዝሓበሮ ሓማስ ዶብ ጥሒሱ ሓደገኛ መጥቃዕቲ ከይፈጸመ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ግብጺ መጠንቀቕታ በጺሕዋ ነይሩ።
ሓላፊ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ማይክል ማኮል፡ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ መጠንቀቕታ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ግን፡ ነቲ ጸብጻባት "ፍጹም ሓሶት" ክብል ይነጽጐ።
ኣገልግሎት ስለያ እስራኤል ነቲ ብፍልስጤማውያን ዕጡቓት ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ ምክልኻል ብዘይምኽኣሉ ኣብ ትሕቲ ክትትል ይርከብ።

ማኮል ትማሊ ረቡዕ ንኣባላት ባይቶ ብዛዕባ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዕጹው መብርሂ ድሕሪ ምቕራቡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ግብጺ ንእስራኤላውያን ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ከም ዘጠንቀቐታ ንፈልጥ ኢና” ከምዝበለ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
"ብዙሕ ናብ ዝርዝራቱ ክኣቱ ኣይደልን እየ፤ ግን መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ነይሩ” ክብል እቲ ሪፓብሊካን ወሲኹ ገሊጹ።
ሓደ በዓል ስልጣን ስለያ ግብጺ ድማ ንማዕከን ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካይሮ ብተደጋጋሚ ንእስራኤላውያን ካብ ቓዛ "ዓቢ ነገር" ይውጠን ከምዘሎ ኣጠንቂቓ ምንባራ ተዛሪቡ’ሎ።
"ሓደገኛ ኵነታት ይመጽእ ከምዘሎ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝኸውን ኣጠንቂቕናዮም ነይርና። ነቲ ንኸምዚ ዝበለ መጠንቀቕታ ግን ኣናኢሶምዎ" ይብል እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ በዓል ስልጣን።
ወሲኹ ሰበስልጣን እስራኤል፡ ነቲ ካብ ቓዛ ዝመጽእ ስግኣት ኣቕሊሎም ብምርኣይ ኣብ ክንድኡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ከምዘተኩሩ ገሊጹ።
ጸብጻብ ፋይናንሻል ታይምስ ነቲ ጉዳይ ዝፈልጡ ክልተ ስሞም ዘይተቨርሐ ሰበስልጣን ብምጥቃስ ከም ዝሓበሮ፡ ፍሉይ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከምዝኽእል ዘመልክት ብቝዕ ስለያዊ ሓበሬታ ኣይነበረን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ናታንያሁ ግን ትማሊ ረቡዕ፡ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ሓደገኛ ወራር ሓማስ ኣቐዲማ ፍሉይ መጠንቀቕታ ከምዝረኸበት ዝገልጽ ዝዀነ ይዅን ሓሳብ "ፍጹም ስኑዕ ዜና" ክብል ገሊጽዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግብጺ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ከም መንጐኛ ኰይና ከምእተግልግል ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ልዕሊ 1500 ዕጡቓት ብሓጹር ቓዛ ኣቢሎም ዝተዋደደ ናይ መሬት፡ ኣየርን ባሕርን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ይዝከር።
ኣብ እስራኤል ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሓማስ ዝሞቱ ሰባት 1200 ክበፅሑ ከለዉ፤ ኣብ ቓዛ ድማ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ተቐቲሎም።
ሓማስ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ምላሽ ክትህብ ግዴታ ኣለዋ’ ንዝበሎ ብምዅናን "ተግባር ክፍኣት" ክብል ገሊጽዎ’ሎ።
እቲ ፍልስጤማዊ ጕጅለ፡ ዘረባ ባይደን "ዘጓሃህር"ን ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ንዘሎ ወጥሪ ንምዕራግ ዝዓለመን ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣሜሪካ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ሓንቲ መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ፡ መራኽብ ውግእን ጀትን ናብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ተጸግዕ ምህላዋ፤ ንእስራኤል’ውን ተወሳኺ መሳርሕታትን ተተኮስትን ከም እትህባ ከምዘፍለጠት ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







