ግጭት እስራኤል-ሓማስ ናበይ'ዩ ኣንፈቱ?

መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብቐዳም 7 ጥቅምቲ ብዕጡቓት ሓማስ፡ ካብ ቓዛ ዝነቐለ ሃንደበታዊን ፍጹም ትጽቢትን ግምትን ዘይተነብሮ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ትህቦ ዘላ ግብረመልሲን ነቲ ኵነታት ናበይ ገጹ ክወስዶ እዩ ዝብል ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ሰራዊት እስራኤል ዋላ'ውን ብኽልቲኡ ወገን - እስራኤልን ቓዛን - ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን "ውግእ ክሕይል'ዩ" ክብል ኣጠንቂቝ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሰራዊት ሌተናል ኮሎኔል ጆናታን ኮንሪከስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣዝዩ ከቢድ ጉድኣት ኣጋጢሙና... እዚ ግን ኣይዕንቅፈናን፣ ንውሳነና'ውን ኣየዳኽሞን'ዩ" ኢሉ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ነቲ ኣብ ከባቢ ቓዛ ዘሎ መከላኸሊ ሓጹር ዳግማይ ከም ዝሃነጸን ብምግላጽ፡ 300 ሽሕ ዕቝር ሰራዊት ዝተወሰኾ፡ ኣጋር ሰራዊት፡ መካናይዝድ ኣሃዱታቱን ናብ ዶብ ቓዛ ኣጸጊዑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰራዊት ነቲ ብመንግስቲ እስራኤል ዝተዋህበ፡ ሓማስ ኣብ መወዳእታ እዚ ኲናት ዝዀነ ይዅን ወተሃደራዊ ዓቕሚ ከምዘይህልዎ ምርግጋጽ ዝብል ተልእኾ ንምፍጻም ምድላዋት ወዲኡ ከምዘሎ ይገልጽ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ከባቢ ቓዛ ዝተኻየደ ሳልሳይ ጸረ-መጥቃዕቲ ምዃኑ ዝተገልጸ ደብዳባት፡ ዓሰርተታት ነፈርቲ ውግእ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣል ፉርቓን ልዕሊ 200 ዒላማታት ወቒዐን ኣለዋ።

ዝተሃርመት ቈልዓ ሒዙ ናብ ሕክምና ዝጐዪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ካሃን ዩኒስ፡ ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ዝተሓርመጥ ፍልስጤማዊት ሒዙ ናብ ሕክምና ዝጐዪ መንእሰይ

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ እስራኤል ዝሞቱ ሰባት "መብዛሕትኦም ሲቪላት" ኰይኖም ልዕሊ 1200 ክበጽሑ እንከለዉ ልዕሊ 2,700 ሰባት ቈሲሎም ከምዘለዉ ተፈሊጡ፤ ሰበስልጣን ቓዛ ድማ 900 ሰባት ከምዝሞቱ ይገልጹ።

ሰራዊት እስራኤል ንወተሃደራዊ ቦታታት ሓማስ ብነፈርቲ ይድብድብ ከምዘሎ ብምፍላጥ፡ ሓማስ ወተሃደራዊ መዓስከራቱ ኣብ ገለ ሲቪላዊ ህንጻታት እዩ ደኲንዎ ክብል ይገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ እዞም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት ‘ካብ ዳዒሽ ዝኸፍኡ’ እዮም ክብል ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ተሌፎን ብምግላጽ ነቲ ኣሜሪካ ዝገበረቶ ደገፍ ኣመስጊኑ።

ጆ ባይደን፡ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጽሞ ዘሎ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ “ውጹእ ሰይጣናዊ” ክብል ኰኒንዎ።

ኣሜሪካ፡ ንእስራኤል እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣጽዋር ዝጸዓነት ፈላመይቲ ነፋሪት ሰሉስ ምሸት ናብ ደቡባዊ እስራኤል ኣትያ።

ብደብዳብ ነፈርቲ ዝዓነወ ኣባይቲ ቓዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብደብዳብ ነፈርቲ ዝዓነወ ኣባይቲ ቓዛ

ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፕ ቦረል፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ። "እስራኤል [ንርእሳ] ክትከላኸል መሰል ኣለዋ፡ እንተዀነ ብመሰረት መሰላት ኣህጉራዊን ሰብኣዊን ሕጊ ክኸውን ይግባእ" ኢሉ።

ኣሜሪካ ንሲቪል ነበርቲ ቓዛ "ውሑስ መሕለፊ" ንምርካብ ምስ እስራኤልን ግብጽን ትዘራረብ ከምዘላ ገሊጻ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን፡ እቶም ወገናት "ኣብዚ ሕቶ ኣተኲሮም" ከምዘለዉ'ኳ እንተገለጸ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

ኣብ ዝቐጽሉ መዓልታት ውግእ ክሕይልን ካብ ቓዛ ዝረኣዩ ትርኢታት "ንኽትርድኦምን ክትጻወሮምን ዘጸግሙ” ከም ዝዀኑ ድማ ይግለጽ ብምህላዉ ድማ ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩ'ሎ።

ፍልስጤማዊ መንእሰይ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ካሃን ዩኒስ እኽሊ ተሰኪሙ ይኸይድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፍልስጤማዊ መንእሰይ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ካሃን ዩኒስ እኽሊ ተሰኪሙ ይኸይድ