ድሌታትና ብሓይሊ ንምፍጻም ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ቃታ ኣይንስሕብን-ኣቢይ አሕመድ

ድሌታትና ብሓይሊ ንምፍጻም ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ቃታ ኣይንስሕብን-ኣቢይ አሕመድ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ኢትዮጵያ ብሓይልን ብወራርን ክትፍጽሞ እትደልዮ ዝዀነ ነገር ከም ዘየለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊጹ።

ሎሚ 15 ጥቅምቲ 2016 (ግእዝ) መበል 116 መዓልቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ምርኢታት ኣብ ዝተጸንበለሉ እዋን ኣብ ሰምዖ መደረ እዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ገሊጹ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ንኢትዮጵያ ግቡእ ምይይጥ ክግበረሉ ዘለዎ "ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ" ክብል ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብቲ ዞባ ወጥሪን ጎንጽን ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣስዒቡ ነይሩ።

ዋና ኣዛዚ ዕጡቕ ሓይልታት እታ ሃገር ዝዀነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ጉዳኣት ምዝታይ የድልየና’ዩ ዝብል ሕቶ ክተልዕል ከላ፡ ወራር ክፍጸም ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ይስማዕ ኣሎ" ኢሉ።

ኢትዮጵያ ብዝዀነ ሓይሊ ተሳዒራ ከም ዘይትፈልጥ ከም ዘይትስዓርን ብምግላጽ፡ ሃገሩ “ንዝዀነት ሃገር ወሪራ ኣይትፈልጥን፤ ሕጂ’ውን ንዝዀነት ሃገር ኣይትወራርን” ክብል ተዛሪቡ።

"ንኹሎም ኢትዮጵያውያንን ንሓይሊ ምክልኻል ሃገርን ክገልጽ ዝደሊ፡ ኢትዮጵያ ብሓይልን ብወራርን ክተማልኦ እትደልዮ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን።"

ወሲኹ ድማ "ምስ ኣሕዋትና ብምዝታይ ናይ ሓባር ረብሓታትና ክነኽብር እምበር ድሌታትና ብሓይሊ ንምፍጻም ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ቃታ ንስሕብ ከም ዘይኰንና ኣትሪረ ከረጋግጸልኩም እፈቱ" ክብል ተሰሚዑ።

ኣቢይ፡ እቲ ዘተ የድልዮ ዝበሎ ጉዳይ እንታይ ከም ዝዀነን ምስ መን ምዝታይ ከም ዘድሊን ግን ኣይጠቐሰን።

ጽምብል መበል 116 መዓልቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ምርኢታት ዝተሰነየ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, BBC/AMENSISA IFA

መግለጺ ስእሊ, ጽምብል መበል 116 መዓልቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ምርኢታት ዝተሰነየ ነይሩ

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድሚ ሰሙናት ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ቀንዲ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።

"ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ብደረጃ ኣባላት ፓርላማ ከይተረፈ ከም ነውሪ ገይርና ኢና ንሓስቦ፣ ናትካ ኣባይ፡ ናትካ ህዳሰ፡ ምስ ገንዘብካን ገሌኻን ኣብ ዝዀነ ኣጀንዳ ሰብ እናተዘራረበሉ፡ ንስኻ ግን ቀይሕ ባሕሪ ዝኣክል ነገር ከም ሓሳብ ክትዘራረበሉ ስለምንታይ ነውሪ ይዀነካ?" ብምባል እቲ ጉዳይ ምልዓሉ ርትዓዊ ምዃኑ ክምጉት ተሰሚዑ።

ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ምዃና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለት ሃገር ክትከውን ንዘለዋ ዓቕሚ ከምዝደረቶ'ውን ምግላጹ ይዝከር።

ብታሪኽ፡ ጆኦግራፊን ዓሌትን መሰረት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ ዘለዋ "ቅቡል ሕቶ" ዳግማይ ክርአ ኣለዎ ዝብል ኣቢይ፡ ብሰላም ክረጋገጽ ከምዝደሊ ይዛረብ።

ኢትዮጵያ ንወደብ እተውጽኦ ክፍሊት ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ናይ ሰለስተ ዓመት ወጻኢታት ጥራይ ግድብ ህዳሰ ክሃንጽ ዝኽእል'ዩ ብምባል ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝግብኣ መጒቱ።

ጐረባብቲ ሃገራት ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝምንጭዉ ወሓይዝ ማይ ከምዝረኸባ ብምዝኽኻር፡ እተን ሃገራት ዘለወን ማያዊ ጸጋታት ከካፍላ ከም ዘለወን ኣሚቱ ነይሩ።

ኣብቲ ጽምብል ካብ ዝቐረቡ ምርኢታት

ምንጪ ስእሊ, BBC/AMENSISA IFA

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ጽምብል ካብ ዝቐረቡ ምርኢታት

ኤርትራ፡ ጅቡቲን ሶማልያን ብዛዕባ’ቲ ንሱ “ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ” ዝበሎ እማመ ዝዀነ ጉዳይ ኣፍልጦ ከም ዘይብለን ገሊጸን’የን።

ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ “ኣብ'ዚ ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ማያትን መሳዂቲ ባሕሪን ዝመሳሰሎ ኣርእስትታትን ዝተባህለን፡ 'ተባሂሉ' ዝተባህለን፡ እልቢ የብሉን" ብምባል፡ "ዘየስደመሞ ተዓዛቢ ኸኣ የለን” ኢላ ነይራ።

ይኹን’ምበር ዋላ'ኳ እቲ መግለጺ ብቐጥታ ንኤርትራ ዘነጻጸረ ምዃኑ ርግጽ እንተ ዘይኰነ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ግን ብመግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቍጥዐኦም ብምግላጽ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዕሙር ክትዕ ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ሓያለ ኢትዮጵያውያን ሰበስልጣን ነበርን ምሁራትን ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝግብኣን፡ ወደብ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ከም ዘለዋን ምምጓቶም ንኤርትራውያን ባህ ዘየበለ ተነቃፊ ኣርእስቲ'ዩ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ብምቛም ርእሱ ዝኸኣለ ክንፊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝኸውን ምግባራ'ውን ንብዙሓት ኤርትራውያን ስክፍታ ፈጢሩ ምንጽሑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለዘመን ወደብ ጂቡቲ ቀንዲ ንግዳዊ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብምዃን ካብን ናብን ኢትዮጵያ ንዝግበር ንግዳዊ ልውውጥ ከአንግድ ጸኒሑ'ዩ። ይዅን እምበር ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ወደብ ጂቡቲ እትኸፍሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ዓቢ ጸቕጢ ምፍጣሩ ይግለጽ።