ዘለንስኪ፡ 'ግጭት እስራኤልን ቓዛን ንዩክረይን ትኹረት የስእና' ከምዘሎ ኣማሪሩ

ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK

መግለጺ ስእሊ, ዘለንስኪ

ኲናት እስራኤልን ቓዛን ልዕሊ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ "ትኹረት ይረክብ" ከምዘሎ ፕረዚደንት እታ ሃገር ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ተዛሪቡ።

እዚ ድማ "ሓደ ካብ ዕላማታት" ናይታ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ዝኸፈተት ሩስያ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ቀረባ እዋን ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ጀነራል እታ ሃገር ነዚ ዝምልከት ገምጋም እኳ እንተቕረበ፡ ዘለንስኪ ኣብ ውግእ ዩክረይን 'ዳርጋ ኣብ ደውታ በፂሑ' ንዝብል ፀብፃብ ነፂጉ።

ዩክረይን ኣብ ደቡብ ዘካየደቶ ጸረ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ምዕባለ ኣይረአየን።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን መሻርኽቲ ኪየቭ ምስልቻው ኣስዒቡ ከይኸውን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ገለ ርእሰ ከተማታት፡ ንዩክረይን ዘበናዊ ኣጽዋርን ገንዘብን ምሃብ ድሌት እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ ይዝረብ።

ብቐዳም፡ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ሩስተም ኡሜሮቭ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ካብ መበል 128 ብርጌድ ከረን "ዛካርፓቲያ (ትራንስካርፓቲያ)" ከምዝተቐትሉ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ 'ዘሕዝን' ዝበሎ ፍፃመ ምሉእ መርመራ ክካየድ ኣዚዙ።

ሰራዊት ዩክረይን ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ዛፖሪዝዝያ ብሚሳይል ሩስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ክንደይ ወተሃደራት ከምዝሞቱ ግን ኣይነፀረን።

ኣቐዲሙ ኣብ ማዕከናት ዜና ዩክረይንን ኣብ ወተሃደራዊ ብሎገራት ሩስያን ዝወጸ ጸብጻባት፡ ኣብታ ናብ ቅድመ ግንባር ቀረባ ዝኰነት ቁሸት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሽልማት፡ ልዕሊ 20 ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝተቐትሉ ይሕብሩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን ብወገኑ፡ ብቐዳም ኣብ ክሪሚያ [ኣብ 2014 ብጎበጣ ናብ ሩስያ ዝተጠቓለለት ሓውሲ-ደሴት ግዝኣት ዩክረይን] ኣብ ዝርከብ ትካል ህንጸት መራኽብ "ትሕተ ቅርጺ ባሕርን ወደባትን" ብዓወት ከምዝሃረመ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ድሒሩ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዘቃለሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክሪሚያ ከተማ ኬርች ኣብ ዝርከብ ማእከል፡ ካብ ዝተተኮሱ 15 ሚሳይላት ዩክሬን እቶም 13 ተወቒዖም ክፈሽሉ እንከለዉ፡ ሓንቲ መርከብ ሩስያ ግን ተሃስያ።

ዘለንስኪ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኪየቭ ምስ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬዊ መግለጺ፡ "ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ንዩክረይን ዝወሃብ ዝነበረ ትኹረት ጠቕሊሉ ይወስድ ከምዘሎ ንጹር'ዩ" ኢሉ።

ሩስያ እዚ ክኸውን ከም እትደሊ'ኳ እንተገለጸ፡ "ኩሉ ኣብ ኢድና 'ዩ" ክብል ግን ኣስሚሩሉ።

ዘለንስኪ ብተወሳኺ ኣብዚ ሰሙን፡ እቲ ኲናት ሕጂ ናብ ‘ደውታ’ ይሰጋገር ኣሎ ዝብል ገምጋም ጀነራሉ - ዋና ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዩክሬን ቫለሪ ዛሉዝኒ - ብዝምልከት ርእይቶ ክህብ ተሓቲቱ።

እዚ ድማ፡ ሞስኮ "ወተሃደራዊ ሓይላ ዳግማይ ክትሃንጽ ንምፍቃድ ክጠቅማ እዩ" ብዝብል እዩ ተልዒሉ።

ዘለንስኪ፡ "ብኹሉ ገፅ ምድኻማት ኣሎ፡ ዝተፈላለየ ርእይቶታት'ውን የወሃብ ኣሎ" ምስ በለ፡ "እዚ ግን ደውታ ኣይኮነን" ክብል ነቲ ርእይቶ ነፂጉ።

ርግፅ፡ ሩስያ "ነቲ ክሊ ሰማያት ትቆጻጸሮ ከምዘላ" ብምጥቃስ፡ ዩክሬን ነቲ ኩነታት ንምቕያር ብኣመሪካ ዝሰርሓ ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእን ምዕቡል ጸረ-ነፈርቲ ምክልኻልን ብህጹጽ ከምዘድልያ ተዛሪቡ።

እቲ መራሒ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሰፊሕ ዓውደ ውግኣት እውን ብዛዕባ ‘ደውታ’ ብዙሕ ከምዝተብሃለ ኣዘኻኺሩ።

እንተኾነ ግን ኪየቭ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ካርኪቭን ኣብ ደቡብ ግዝኣት ኬርሰን ዘመዝገበቶ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ዓወታት ኣመልኪቱ።