ሩስያ 'ሰፊሕ' ልምምድ ኒዩክለራዊ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ

ፈተነ ኒኩለራዊ ኣጽዋር

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ሩስያ 'ሰፊሕ' ኒዩክለራዊ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ዓቕማ ንምፍታን ልምምድ ኑክሌራዊ ኣፅዋር ከምዘካየደት መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ "ንናይ ጸላኢ ኒዩክለራዊ መጥቃዕቲ ምላሽ" ምሃብ ዘጠቓለለ ምዃኑ ሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌይ ሾይጉ ተዛሪቡ።

ብዛዕባ እቲ ልምምድ ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከረድኦ ከሎ ድማ ብሃገራዊ ተለቪዥን ተራእዩ።

ባይቶ ሩስያ፡ ሞስኮ ንኹሉ ግብራዊ ፈተነ ኒዩክለራዊ ኣፅዋር ምክያድ ዝእግድ ዓለማዊ ስምምዕ ንኸይተፅድቕ ኣብ ዝደገፈሉ እዋን'ዩ እዚ ልምምድ ተኻይዱ ዘሎ።

ሩስያን ኣሜሪካን ኒኩለራዊ ድልውነተን ንምምዛን ብቐጻሊ ናይ ኣምሳል (ሲሙለሽን) ልምምድ ከካይዳ ፀኒሐን እየን።

እቲ ኣብዚ ዓመት ዝተኻየደ ልምምድ "ንናይ ጸላኢ ኒዩክለራዊ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ሰፊሕ ኒዩክለራዊ መጥቃዕቲ ምግባር" ዘጠቓለለ ምዃኑ ሾይጉ ንፕረዚደንት ፑቲን ኣረዲኡ።

መግለጺ መንግስቲ ሩስያ "ግብራዊ ምውንጫፍ ባሊስቲክን ክሩዝን ሚሳይላት" ከምዝተኻየደ ይሕብር።

ስግረ-ዶባዊ ባሊስቲክ ሚሳይል ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ካብ ዝርከብ ናይ ፈተነ ቦታ ከምኡ’ውን ካልእ ሚሳይል ካብ ብኒዩክለራዊ ጸዓት እትሰርሕ መርከብ ውግእ ከምዝተተኮሰ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ናይቲ ፈተነታት ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዘርጊሑ’ሎ።

ፑቲን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ሃገሩ ብኒኩለር ዝሰርሕ ክሩዝ ሚሳይል "ናይ መወዳእታ ዕዉት ፈተነ" ከምዘካየደት ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2018 ዕላዊ ዝተገበረ ፈተነ ኣጽዋር፡ ደረት ኣልቦ ርሕቀት ክህልዎ ዝኽእል ምዃኑ ይዝረብ እኳ እንተነበረ እቲ ፕረዚደንት ፑቲን ዝሃቦ ሓበሬታ ግን ብናጻ ኣይተረጋገጸን።

እዞም ፈተነታት ከም ዓቕሚ ናይ ምርኣይ ስጉምቲ ዝቑጸሩ እዮም።

ባይቶ እታ ሃገር፡ ሩስያ ነቲ ግብራዊ (‘ፊዚካል’) ፈተነ ኒዩክለራዊ ኣፅዋር ምክያድ ዝእግድ ዓለማዊ ስምምዕ ንኸይተፅድቕ ዝገብር ሕጊ ብረቡዕ ወሲኑ ኣሎ።

እቲ ስምምዕ ‘ውዕል ኩለመዳያዊ እገዳ ፈተነ ኒዩክለር (Comprehensive Nuclear Test Ban Treaty - CTBT)’ ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ 1996 ተሰማሚዐናሉ።

ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም "ዝኾነ ይኹን ፍንጀራ ፈተነ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ወይ ካልእ ኒዩክለራዊ ፍንጀራ" ይእግድ።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ድሕሪ ምክያዳ ጉዳይ ኒዩክለራዊ ኲናት ስክፍታታት ኣሕዲሩ ይርከብ።

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ሩስያ ንፈለማ እዋን ታክቲካዊ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ኣብ ቤላሩስ ከምዘቐመጠት ይዝከር። ሽዑ ፑቲን ኣብ ሓደ መድረኽ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መሬት ወይ ግዝኣት ሩስያ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ ጥራይ ኢና ንጥቀመሎም ኢሉ ነይሩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ግን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናይ ምጥቃም መደብ ከምዘለዋ ዝሕብር ዝኾነ ምልክት ከምዘየለ እዩ ዝገልጽ።