ኣሜሪካ ካብ ኢራን ዝወረሰቶ 1.1 ሚሊዮን ተተኰስቲ ንዩክረይን ሂባታ

ብረት ዝሓዘ ወተሃደር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኢራን ዝተታሕዘ ኣስታት 1.1 ሚልዮን ጥይት ናብ ዩክረይን ከም ዝሰደደት ኣፍሊጣ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ስርሒታት ዝከታተል ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ (Centcom)፡ እዞም ጠያይት ኣብ ታሕሳስ ናብ የመን ትጓዓዝ ካብ ዝነበረት መርከብ ከም ዝተወረሱ ገሊጹ።

ምዕራባውያን መሻርኽቲ ዩክረይን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ዩክረይን እትደልዮ መጠን ተተኰስቲ ንምቕራብ ኣብ ዘኽእሉ መስመራት ጸገማት ከም ዘጋጠሞም ገሊጾም ነይሮም።

እቲ እዚ፡ እቶም ካብ ኢራን ዝተወርሱ ጠያይት ትማሊ ሰኑይ ናብ ዩክረይን ከም ዝተሰጋገሩ ሓቢሩ።

እቲ ተተኮስቲ ፈለማ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ካብ ‘ማርዋን 1’ ዝተባህለት ሃገር ዘይብላ መርከብ ብ9 ታሕሳስ ከም ዝተታሕዘ ጠቒሱ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሓምለ ብሲቪላዊ ምውሳድ ንብረት ብዝፍለጥ መስርሕ ዋንነቶም ረኺቡ።

በዚ መስርሕ፡ ዋና ኣብ ገበናዊ ንጥፈታት ይሳተፍ እዩ ተባሂሉ እንተተሓሲቡ ንብረቱ ክውረስ ይኽእል።

ኣብዚ ጉዳይ፡ እቲ ክሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ንመንግስቲ እታ ሃገር ንምሕላው ሓላፍነት ዝተዋህቦ ጨንፈር ዕጡቕ ሓይሊ ኢራን ዝዀነ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝቐረበ እዩ።

ሴንትኮም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ "ምስ መሻርኽትናን መሓዙትናን ብምትሕብባር ንዋሕዚ ቀታሊ ሓገዝ ኢራን ኣብቲ ዞባ ብዅሉ ሕጋዊ መንገዲ ንምምካት ቃል ኣትያ" እያ ኢሉ።

ኢራን ኣብቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንዕጡቓት ሑቲ ትድግፍ እኳ እንተዀነት፡ ናብቲ ጕጅለ ዝግበር ምስግጋር ኣጽዋር ግን፡ ኣብ 2015 ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዝወጸዕአ ውሳነ ተኸልኪሉ።

ኲናት ሓድሕድ የመን ኣብ 2014 ሑቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ብምቍጽጻር መንግስቲ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ዝተላዕለ ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ መንግስቲ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዘለዎ በዓል ስልጣን የመን ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

እዚ፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሃገራት ናይቲ ዞባ ከምኡ’ውን ብኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝድገፍ’ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ካልኣይ መፋርቕ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ፡ ኢራን ንሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን እትጥቀሞ ኣጽዋር ብፍላይ ድማ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዘቕረበትላ’ውን ብተደጋጋሚ ትኽሰስ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ መድረኽ ጸጥታ ዋርሶ ብዛዕባ ቀረብ ተተኮስቲ ዩክረይን ኣብ ዝገበራኦ ዘተ፡ ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ኮሚተ ኔቶ ኣድም ሮብ ባውር "ሕጂ ታሕተዋይ ክፋል ናይቲ በርሚል ይርአ ኣሎ" ኢሉ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ትሑት ወፍሪ ማለት፡ ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት’ውን እንተዀነ፡ ትሕዝቶ ተተኰስቲ ሃገራት ኔቶ ፍርቂ ወይ’ውን ባዶ ከም ዝነበረ ገሊጹ።

"እቲ ኣብ ሊበራላዊ ቍጠባታትና ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ብሓባር ዝሃነጽናዮ ንብዙሓት ነገራት ጽቡቕ'ዩ - ኲናት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ግን ንዕጡቓት ሓይልታት ኣይኰነን" ኢሉ።

መንግስታትን ኣፍረይቲ ኣጽዋርን "ኣዝዩ ዝለዓለ ፍጥነት ምህርቲ ከዕብዩ" ከም ዘለዎም ወሲኹ ገሊጹ።

ሚኒስተር ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ጀምስ ሄፒ፡ መሻርኽቲ ሃገራት ኔቶ 2% ካብ ሃገራዊ ኣታዊታተን ኣብ ምክልኻል ከውዕላ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ሸቶ ምሉእ እቲ ውድብ ዝተሰማምዓሉ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ግን ካብ 31 ኣባላቱ እተን 11 ጥራይ ነዚ ከማልኣ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ንዩክረይን ዝተዋህበ ተተኮስቲ ኢራን’ውን ምምሕዳር ባይደን ንዩክረይን ሓገዝ ንምሃብ ኣማራጺ መገድታት ኣብ ዝደልየሉ ዘሎ እዋን ዘመጽአ’ዩ፤ ገለ ኣባላት ኮንግረስ ግን ተቓውሞታት የስምዑ ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንዩክረይን ዝተመደበ ገንዘብ ዳርጋ ክውዳእ ምዃኑ ሰበስልጣን ንሰሙናት ከጠንቅቝ እኳ እንተጸንሑ፡ ካብ ኣባላት የማናዊ ሪፓብሊካን ዝመጽእ ጸቕጢ ግን ክሳብ ሕጂ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተወሳኺ ገንዘብ ከየጽድቕ ዓጊትዎ ኣሎ።

ብሰሉስ ኣፈኛ ባይቶ ኬቪን ማካርቲ ካብ ስልጣኑ ከም ዝተኣልየ ይዝከር።