መሪር ሓዘን ህልቂት ላምፐዱሳ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት’ውን ኣይተኣበደን

- Author, ተኽልማርያም በኪት-ላምፐዱሳ-ኢጣልያ
- Role, ጋዜጠኛ
እቶም 10ይ ዓመት ዝኽሪ ላምፐዱሳ ከኽብሩ ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝመጽኡ ውጻእ መዓትን ዓጽመ ስጋ ግዳያትን ልክዕ ሰዓት 03፡00 ወጋሕታ ኣብቲ ኣስማት ኤርትራውያን ግዳያት ዝተጻሕፎ ኣብታ ከተማ ዝተተኽለ ሓወልቲ ተኣኻኺቦም ሽምዓ ወልዑ።
እታ መዓልቲ፡ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት መርከብ ክትጥሕል ዝጀመረትሉ ልክዕ ሰዓት ንምምልካት’ዩ ሰዓት 03፡00 ብኽብሪ ሽምዓ ዝተወልዐ።
ኣብ ክቢ እታ ሓወልቲ፡ ካብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ኣውሮጳን ኢጣልያን ዝተረኽቡ መንእሰያትን ሽማግለታትን ኣዳለውቲ እቲ ዝኽሪ፡ ወከልቲ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ምሁራትን፡ ብዛዕባ ስደትን ሳዕቤናቱን ዘጽንዑን ዝመራመሩን ተምሃሮ ዩኒቨርሲታትን ኮሌጃትን ኵሎም ሽምዓኦም ወሊዖም ኣብ ጸሎተ ዝኽሪ ተሳቲፎም።
ካብታ መርከብ ዝደሓኑን ስድራቤት እቶም ዝሞቱን ኤርትራውያን ኣብ ዙርያ እቲ ኣስማት እቶም ዝጠሓሉ ኣሕዋቶም ብምዃን ሸምዓ ወሊዖም።
እቲ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣእዳው ዝበርህ ዝነበረ ሽምዓ ነቲ ብሓዘን ዝነብዕ ዝነበረ ኣዒንቲ ኣድሚቝዎ ነይሩ።
እቲ ዝስማዕን ዘይስማዕን ካብ ውሽጢ ነጋድያን ዝወጽእ ዝነበረ ናይ ሕልና ጸሎት፡ እቶም ምውታን ኣብ ልቢ ህሉዋን ህያው ምዃኖም ዘመልክት’ዩ ነይሩ።
ኣብቲ ንግደት - ዝኽሪ ዝተረኽቡ መራሕቲ ሃይማኖት እውን፡ ፈጣሪ ንንጹሃን ከም ዝሓርዮምን ናብ ዘልኣለም ዕረፍቲ ከም ዝመርሖምን ብምዝኽኻር፡ እቶም ነፍሳት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ሰላምን ሩፍታን ዕረፍትን ንክረኽቡ ጸልዮም።
ቃንዛ ትራጀዲ ላምፐዱሳ ድሕሪ 10 ዓመት’ውን እንተዀነ በቲ ዝነበረ ብኽያትን ብዘይ ዓቐን ካብ የዒንቲ ዝደሓኑን ስድራቤት ግዳያትን ወረር ዝብል ዝነበረ ንብዓት ግሁድ’ዩ ነይሩ።
ብድሕሪኡ እቶም ነጋድያን ናይ ዝኽርን ምስጋናን መዝሙር ዘሚሮም፡ ሓያሎ ውጻእ መዓትን ዓጽመ ስጋን እቶም ግዳያት እውን ተዘክሮኦም ኣካፊሎም።
ኣብቲ ሓደጋ ንእሽቶ ሓው ዝተጐድኦ ኣዳል ንጉሰ እውን “ደብዳበ ናብ ፍቱዋት!” ብዘርእስታ ግጥሚ እቶም ምውታን ኣብ መንግስተ ኣምላኽ ዓሪፎም ክህልዉ ምንዮቱ ብምግላጽ፡ ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ውጻእ መዓትን ቤተሰብን ጽንዓት ኣኻእሎን ተመንዩ።

ቪቶ ዝተባህለ፡ ካብቶም ቀዳሞት ነቶም ግዳያት ዘድሓኑ ገፈፍቲ ዓሳ፡ "ነቶም ኣብ ባሕሪ ጸምበለል ዝብሉ ዝነበሩ ገዳያት፡ ገና ትንፋሶም ክትጸንሓኒ እናጸለኹ እየ ዝቐርቦም ነይረ። በቶም ድሮ ሞይቶም ዝጸንሑኒ ልበይ ይጕዳእ፡ መንፈሰይ እውን ይስበር ነይሩ፤ ብዝተኻእለኒ መጠን ንብዙሓት ሰባት ከድሕን ምስ ግዜ እቀዳደም ነይረ፡” ክብል ሕንቕንቕ እናበለ ተዘክሮኡ ኣካፊሉ።
እቲ ሃዋህው ሓዘን ዝመልኦ እኳ እንተ ነበረ፡ ናይ ደገፍን ምጽንናዕን መልእኽቲ እውን ነይርዎ። ሰባት ኣብ ሑቝፊ ሓድሕዶም እናተጸናንዑ ንብዓት ፍቕርን ናፍቘትን ክነብዑ ምርኣይ ልቢ ዝትንክፍ እዩ። ግን ከኣ እቲ ዝኽሪ እውን ብቐንዱ ዝኽሪ ሓዘን እዩ።
ኮኾብ ዳዊት ሓንቲ ካብቶም ልቦም ብኸቢድ ዝተጐድኡ ግዳያት እያ። ኣብቲ ብ03 ጥቅምቲ 2013 ዘጋጠመ ሓደጋ ኣደኣን ክልተ ኣሕዋታን እያ ስኢና።
ኣብ ናይ ቋሕ ሰም ግዜ ሰለስተ ትንፋስ ካብ ሓንቲ ስድራ ምስኣን ማለት ንሓንቲ መንእሰይ ዘይጽወር ከቢድ ሓዘን እዩ። “ ከቢድ ጓሂ ይስመዓኒ!” ካብ ምባል ሓሊፋ ስምዒታ ክትገልጽ ኣይከኣለትን።
ከም ጋዜጠኛ፡ ነቲ ፍጻመታት ክስንዶን እቲ ፍጻመ ከመይ ከምዝነበረ ክነግርን እኳ እንተገሽኩ፡ ምስቶም ዘሕዝን ተዘክሮታት ዘሕለፉ ሰባት ከዕልል እንከለኹ፡ ንሓንሳብ ክስዕረኒ ምስ ዝደሊ ንብዓት ምሒር እቃለስ።
እቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ምስክርነት ኣብ ህይወቶም ዓቢይ ጽልዋ ከም ዘሕደረሎም ርኡይ እዩ። ንሱ ከኣ እየ ንብዓት ኣዒንተይ ክስዕረኒ ክሳብ ዝደሊ ዝቈራቘሰኒ ነይሩ።
ሰዓታት ንግሆ

እቲ ሰዓት 03፡ 00 ወጋሕታ ዝጀመረ ዝኽሪ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ምስ ቀጸለ፡ ገሊኦም ገያሾ ቅሩብ ዕረፍቲ ንኽረኽቡ ናብ መዓርፎኦም ክኸዱ እንከለው፡ እቶም ዝበዝሑ ውጻእ መዓትን ስድራ ግዳያትን ምስቶም ብሓደጋ ዝተፈልዩዎም ፍቱዋቶም ብሕልና ንኸዕልሉ ኣብቲ ቦታ እዮም ሓዲሮም።
ሰዓት 8 ምስ ኰነ፡ እቶም ኣቐዲሞም ዝኣተውን ሽዑ ንግሆ ዘርከቡን ነጋድያን ኣብ ቪያ ሮማ ተኣኪቦም፡ ነቲ ወግዓዊ ጽንብል እታ ዕለት፡ ብመደረታት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢጣልያን መራሕቲ ሃይማኖትን ከፈቱዎ። ሽዑ እውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ሰልፊ ሽምዓ ዝተራእየ ገጻት ነጋድያን ብትካዘ ተዋሒጡ ነበረ።
እቶም ሰበስልጣን መንግስቲ በቲ ኣብ ጥቅምቲ 2013 ዘጋጠመ ሓደጋ ከቢድ ሓዘን ከምዝስመዖም ብምሕባር ድሕሪ ደጊም ኣብ ባሕሪ ብሰንኪ ሸለልትነት ህይወት ሰብ ንኸይጠፍእ ብዝከኣሎም ክጽዕሩ ምዃኖም ገሊጾም።
እቶም ኣብ ቪያ ሮማ ዝተኣኻኸቡ ነጋድያን፡ ብስድራ ግዳያትን ውጻእ መዓትን እናተመርሑ፡ እናዘመሩን ናብ ኣፍደገ ኣውሮጳ፡ (ፖርታ ዲ ኢሮፕ) እናዘመሩ ተጓዒዞም። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ከኣ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ጸሎተ ዝኽሪ ኣብጺሖም።
ተወላዲ ዓዲ ገሃድ ዞባ ደቡብ፡ ዮሴፍ ጉርጃ መብራህቶም፡ ሓደ ካብቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ዝደሓኑ መንእሰይ እዩ። ነቶም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ምስ ምሉእ ተስፋኦም ሓቢሮምዎ ዝተጓዕዙ ብጾቱ ንምዝካርን፡ ድሕሪ ደጊም ኤርትራውያን ብውሑስ መገዲ እምበር ብኸምቲ ንሱን ብጾቱን ዝሓለፉዎ 368 ሰባት ዝሞቱሉ ኣሰቃቒ ሓደጋ ንኸይጓዓዙ ምኽሩን ተመኵሮኡን ንኸካፍል’ዩ ናብ ላምፐዱሳ ነጊዱ።
እንተዀነ ሕጂ እውን ጕዕዞ ባሕሪ ኣየቋረጸን። ድሮ’ኳ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ 44 ኤርትራውያን ስደተኛታት በቲ መገዲ እቲ ምእታዎም ብዜና ተነጊሩ ኣሎ።
“ ቅድሚ 10 ዓመትን ሕጅን ዝተቐየረ ነገር የለን። ስደት ከም ቀደሙ ይቕጽል ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ኤርትራዊ ይስደድ፡ ይመውት፡ ይጠፍእ፡ ይቕተል ኣሎ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 50ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ጸብጻባት ኣሎ” ኢሉ።
ዮሴፍ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ሓደጋ ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ። ንነገሩ እውን ዝርሳዕ ኣይኰነን፤ መልኣከ ሞት ካብ ዝዕንድረሉ ባሕሪ ጥፍኣት፡ ምስ ሞትን ሕየትን ተፋጢጡ፡ ዕድል ዘይገበሩ ዓቕሚ ስኢኖም ዝተረፉ ብዙሓት ሬሳታት ሰጊሩ ዝወጽአ ትንፋስ ከመይ ኣቢሉ ነቲ ፍጻመ ክርስዖ ይኽእል!?
“ኣብታ ጸልማት ናይ ሓደጋ ለይቲ፡ ኵሉ ሳዕ ጫቝ ጫቚ መጓዕዝተይ፡ ኣውያትን ብኽያትን ናይ ኣዴታትን ሕጻናትን ይረኣየኒ። በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ኣብ ባሕሪ እናሓምበስኩ ዝርእዮም ዝነበርኩ፡ ንቝጽ ምድሪ ክረግጹ ዕድል ዘይገበሩ ነብሳት ኵሉ ሳዕ እዝክሮም” ብምባል ምስሎም፡ ድምጾም፡ ቃንዛኦም ወትሩ ከምዝረኣዮ ገሊጹ።
እቶም ዝደሓኑ ሰባትን ኣዝማዶምን ኣብ ቅድሚ እቲ እተኣከበ ህዝቢ ብትብዓት ደው ኢሎም፡ ውልቃዊ ታሪኾም ከዘንትዉን ነቶም ብሓደጋ ዝጠፍኡ ዝዝክርን ንፍቱዋቶም ዘጸናንዕን ልቢ ዝትንክፍ ዛንታን ግጥምታት ኣቕሪቦም።
እቲ ፍጻመ ዋላ እውን ቅድሚ 10 ዓመት እንተነበረ፡ ስቓይን ሓዘንንን እቶም ግዳያት ከቢድ ስለዝነበረ ግን ገጻት ነብሲ ወከፍ ተሳታፊ ሓዘን ይንበቦ ነይሩ።
ብዙሓት ካብቶም ሰልፈኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ምስ በጽሑ ብፍቕሪ ተደሪኾም ነቶም ኣብ መዓሙቝ ባሕሪ ትንፋሶም ዝሓለፉ ግዳያት ዕምበባ ኣንቢሮምሎም።
ጕዕዞ ናብቲ ጃልባ ዝጠሓለትሉ ገማግም

ብድሕሪኡ እቶም ውጻእ መዓትን ስድራ ግዳያትን ኣብ ሓሙሽተ መራኽብ ተጻዒኖም፡ ናብቲ እታ መርከብ ዝጠሓለትሉ ካብ ገምገም ባሕሪ ላምፓዱሳ ኣስታት 800 ሜትሮ ናብ ዝርሕቀቱ ቦታ ከይዶም ዕምበባ ደርብዮም። እተን መራኽብ ከኣ ንስለ ዝኽሪ እቶም ግዳያት ንሓደ ደቒቕ ጥሩምባአን ኣቃሊሐን።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ብዙሓት ካብቶም ብህይወት ዝተረፉን ስድራ ግዳያትን ንሓድሕዶም ተሓቛቚፎም ንብዓት ናፍቘት ይነብዑን ንሓድሕዶም ይጸናንዑን ነይሮም።
ካልኦት ኣብቲ ቦታ ዝኸዱን ጋዜጠኛታት’ዉን ከይተረፉ ክነብዑ ተራእዮም።
ኣብቲ ዝኽሪ፡ ንስድራ ግዳያትን ውጻእ መዓትን እቲ ዝኸበደ ነገር ሬሳታት እቶም ግዳያት ግቡእ ስርዓተ ቐብሪ ስለዘይተገብረሎም እዩ።
ሬሳ ናይቶም ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ዝተኣርዩ ኣብቲ ሓደጋ ዝጠፍኡ ሰባት መለለይ ቍጽርታት ተዋሂብዎም ክሳዕ ሕጂ ኣብ ፈቐዶ መካነ መቓብር እዮም ተዓቚቦም ዘለው።
ኣብቲ ፈለማ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ብምትሕብባር፡ እቲ ሬሳታት ንኤርትራ ንኽኣቱ ኵሉ ዘድሊ ዘበለ ምትሕብባር ከምዝገብር ኣምባሳደር ኤርትራ ዝነበረ ዘመደ ተኽለ ኣብ ቅድሚ ማዕከናት ዜና ተዛሪቡ ነይሩ።
ይዅን እምበር ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ካብ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ምምሕዳር ላምፐዱሳ ይዅን ሰበስልጣን ኤርትራ ዝዀነ ይዅን ምላሽ ኣይተዋህበን። ክሳብ ሕጂ ተሓቲቱ ዝምልስ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ስለዘይተረኽበ ከአ ስድራ ግዳያት ክሳብ ሕጂ ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ይርከቡ ምህላዎም ይገልጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







