ላምፐዱሳ ኣብ ድሮ ንግደት ዝኽሪ ግዳያት ባሕሪ

ኣብዚ ቕንያት’ዚ ብዙሓት ውልቃዊ ተዘክሮ ዘለዎም ሰብ ዝኽሪ ገያሾ ካብ ርሑቕን ቀረባን፡ ነቲ ዝኽሪ ዝስንዱን ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝነግሩን ልኡኻት ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ብነፈርትን መራኽብን ናብ ላምፐዱሳ ክኣትው ቀንዮም ኣለው።
ነቲ ቅድሚ 10 ዓመት ልዕሊ 300 ኤርትራዊ ትንፋስ ዝቐዘፈ ሓደጋ ላምፐዱሳ፡ ብቐጻሊ ክጽሕፉሉ ዝጸንሑ በቲ ፍጻመ ብቐረባ ዝጽለው ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ትግርኛ እውን ድሕሪ ናይ 15 ሰዓታት ኣድካሚ በረራ ላምፐዱሳ ኣትዮም ድሮ ስርሖም ጀሚሮም ኣለው።
እታ ካብ ምድረ ኢጣልያ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ (ቱኒዝያን ሊብያን) ዝቐረበት፡ ዓመታዊ ሓደስቲ ስደተኛታት እተአንግድ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ እትርከብ ላምፐዱሳ ድሮ ኣጋይሻ ከተአንግድ ጀሚራ ኣላ።
ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ኣፍሪቃ ዝፈለሱ ስደተኛታት ኣብዚ ገማግም ባሕሪ ተደጋጋሚ ሓደጋ ከጋጥሞም'ኳ እንተጸንሐ፡ እዚ ሕጂ 10ይ ዓመቱ ዝኽበር ዘሎ ኣብ ወጋሕታ 03 ጥቅምቲ 2013 ብምስክርነት ካሜራን ዓይኒ ህዝብን ናብ ዓለም ዝቐረበ ዘሰቅቕ ሓደጋ፡ እታ ደሴት ላምፐዱሳ ፍሉይ ኣቓልቦ ረኺባ።
‘ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝኣመሰለ ህልቂት ክድገም የብሉን’ ዝበሉ ኢጣልያውያን ዜጋታት፡ “ትረ ኦቶብረ!” ዝብል ማሕበር ኣቚሞም ብዛዕባ እቲ ኣብ ባሕሪ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ሓደጋ ንቕሓት ከዕብዩ፡ ዓመታዊ ናብታ ደሴት እናነገዱ ሕልናዊ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ጸኒሖም ኣለው።
ሎምዘበን እውን ኣብ ዝኽሪ 10 ዓመት ፍሉይ ምድላዋት ገይሮም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጽኡ ኣውሮጳውያን መንእሰያት፡ ብሞያውያን ናይቲ ዓውዲ፡ ብዛዕባ እቶም ካብ ሓደጋ ጃልባ 03 ጥቅምቲ ዝደሓኑ መንእሰያትን ብዛዕባ ጕዕዞ ስደትን ሓደጋታቱን ኣብ ዘተኮረ ኣስተምህሮታት ክሳተፉ ቀንዮም።

ሓያሎ ውጻእ መዓት ናይቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ እውን ንመጓዕዝቶም ክዝክሩን ናብቲ ትንፋሶም ዝወሰደ ባሕሪ ብሕቋፍ ዕምበባን ጸሎተ ሕልናን ንምዝካር ንላምፐዱሳ ነጊዶም ኣለው።
ብዙሕ ግዜ እታ “ንግደት!” እትብል ቃል ምስ ሃይማኖታዊ በዓላትን ዝኽርን እያ ትተኣሳሰር። ሰባት ነቶም ካብ ክፉእ ሰዊሮሙኒ፡ ካብ መዓት ኣድሒኖሙኒ፡ ኣብ ጭንቀይ፡ ኣብ መከራይ፡ ኣብ ሓዘነይ፡ ኣብ ጸበባይ፡ መገዲ መሪሖሙኒ ንዝብሉዎም መላእኽትን ጻድቃናትን ከመስግኑ ነናብ ዝኣምነሉ ኣድባራትን መሳጊድን ይውሕዙ እዮም።
ክርስትያን ናብ እዮሩሳሌምን ሮማን፡ ኣስላም ናብ መካ መዲና - ስዑዲ ዓረብ፡ ብሃይ ናብ ሃይፋ፡ ሂንዱ ናብ ቫርናሲብ ሪሺኬሺን ህንዲ፡ ቡድሃ ናብ ሉምቢኒ ኔፓልን ቦድ-ጋያ ህንድን ወዘተ ብምንጋድ መንፈሳዊ ርውየት ይረኽቡ፤ ንግደት ላምፐዱሳ ግን ዝተፈልየ እዩ።
ሓያሎ ውጻእ መዓት ኤርትራውያን ኣብ ዝኽሪ’ቲ ካብ ሞት ዝደሓንሉ 10 ዓመት ሓደጋ ላምፐዱሳ ንኽሳተፉ ካብ ሽወደን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድ፡ ኖርወይ ከምኡ’ውን ሆላንድ መጺኦም ኣለው።
ካልኦት ኣዝማድን መቕርብን እቶም ዝሞቱ'ውን ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣውሮጳ ንኣሕዋቶምን ኣዝማዶምን ንምዝካር ናብታ ከተማ ኣትዮም ኣለው።
“ሬሳታትና ንቡር ቀብሪ ኣይረኸቡን፤ ስድራኦም ፍቱዋቶም፡ ኣሕዋቶም ብንቡር ባህልን ጸሎተ ፍትሓትንዓይተፋነዉን፡ ዓሱሮም፡ ኣርብዓኦም ተስካሮም ኣይተገብረን፤ ብንቡር ኣጸዋውዓ ኣፎም ኣይተዓብሰን፡ ስለዚ ስድራ ቤቶም ወትሩ ኣብ ሓዘን እዮም። ስለዚ ኢና ዓመት ዓመት ንላምፐዱሳ እናነገድና ናይ ሕልና ጸሎት ነብጽሓሎም” ይበል ሰለሙን ሓደ ካብቶም ውጻእ መዓት መንእሰይ።

ኣለክስ እውን ሓደ ካብኣቶም ኰይኑ፡ ነቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝጠፍኡ ኣሕዋቱን ብጾቱን ንምዝካርን ካብ መዓት እቲ ሓደጋ ንዘድሓኖ ፈጣሪ ንምምስጋንን ዓመት ዓመት’ዩ ንላምፐዱሳ ዝነግድ።
ኣብታ ጃልባ ኣዝማዳ ዝጠፍኡዋ ፍርቱና እውን ነቶም ካብ ዓይና ዘይክወሉ መቕርባ ናብቲ ዝዓረፉሉ መካነ መቓብርን ዝጠሓሉሉ ባሕርን ብቐረባ ክትበጽሖም ንፈለማ እዋን ሎምዘበን ንላምፐዱሳ መጺኣ።
ንሳ ሕልናኣ ከተቕስንን ብሕልናን መንፈስን ናብ ኣዝማዳ ክትቀረብን ከምዝመጸት ትሕብር።
ኣማኑኤል እውን ኣብቲ ሓደጋ ምስ ስድራኡ ንዝጠፍአ ሓወቦኡ፡ ሰይቲ ሓወቦኡን ጓል ሓወቦኡን ብምዝካር ናይ ሕልና ዕረፍቲ ንኽረክብ እዩ ንላምፐዱሳ መጺኡ።
እዞም ዝተጠቕሱ ውጻእ መዓትን መቕርብ ግዳያትን ነናይ ገዛእ ርእሶም ልቢ ዝትንክፍ ዛንታታት ኣለዎም። ምስቶም ኣብቲ ንግደት ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ኣውሮጳውያን ተምሃሮን፡ ምስቶም ነቶም ግዳያት ካብ ባሕሪ ዘድሓንዎም ኢጣልያውያን ገበርቲ ሰናይ ምስ ተራኸቡ ብዙሕ ሰብ ክነብዕ ተራእዩ።
እቶም ነጋድያን ናብቲ ኣስማት እቶም ዝሞቱ ዝተጻሕፈሉ ሙዝየም ብምኻድ ኣስማት ናይ መቕርቦም እናንበቡ ናይ ሕልና ጸሎት ይገብሩ ነይሮም።
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ላምፐደሳ ካብ ዝኣትው ኣትሒዞም እታ ከተማ ሓቚፋቶ ዘላ ሰብኣዊ ዛንታታት ንምብርባር ብካሜራን ብርዕን ስርሖም እናሰርሑ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ብዙሕ ተጻሒፉን ተባሂሉን ከብቅዕ፡ ብ 01 ጥቅምቲ 2023 ድሕሪ 10 ዓመት እቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ፡ 44 ኤርትራውያን ካብ ሊብያ ናብ ላምፐዱሳ ኣቲዮም ኣለው።
ላምፐዱሳ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንቲ ጥራሕ ብባሕሪ ዝመጽኡ ኣስታት 11 ሽሕ ስደተኛታት ተቐቢላ ኣላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







