ፖለቲካዊ ቅልውላው ባይቶ ኣመሪካ፡ንኣፈ-ጉባኤ ካብ መዝነቱ ዝኣለየ ታሪኻዊ ውሳነ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ኬቨን ማካርቲ ብደገፍ የማናውያን ብጾቱ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ።
ዋላ'ኳ እቲ ንሱ ዝመርሖ ታሕተዋይ ባይቶ ኣመሪካ ብብጾቱ ሪፓብሊካውያን ዝተዓብለለ እንተኾነ፡ ሓያለ የማናውያን ኣባላቱ ኣብ መሪሕነቱ እምነት ከምዘይብሎም ብምግላጽ ናይ ደገፍ ምጉዳል ድምጺ ክወሃበሉ ጠሊቦም።
በዚ መሰረት ብሰሉስ ምሸት ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃብዎ ድምጺ 208 ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲን 8 ብጾቱን ካብ መዝነት ኣፈ-ጉባኤ ክወርድ ደገፎም ሂቦም። ስለዚ ድማ እቶም 210 ኣብ ቦትኡ ክቕጽል ድምጾም ዝሃቡ ከድሕንዎ ኣይክኣሉን።
ማካርቲ፡ ምስቲ ብኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ዝዕብለል ላዕለዋይ ባይቶ፡ ሰነት፡ ብምስምማዕ መንግስቲ ከይዕጾ ዝገብር ግዝያዊ ባጀት ከምዝጸድቕ ድሕሪ ምግባሩ’ዩ ብብጾቱን መቐናቕንቱን ተቐባልነት ስኢኑ ወሪዱ ዘሎ።
ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን "ምስጢራዊ ስምምዕ ብምግባር" ኣሜሪካ ንዩክረይን እትህቦ ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ደገፍ ከምእትቕጽል ገይሩ ዝብል ጠቐነ'ውን ኣቕሪቦምሉ'ዮም። እቶም የማናውያን ኣባላት ባይቶ ሃገሮም ንዩክረይን እትህቦ ደገፍ ከተቋርጽ'ዮም ዝጠልቡ።
እቶም ነቲ ታሪኻዊ ውሳነ ክውን ክገብሩ ዝኻኣሉ 8 ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ሕሉፋት ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ምዃኖም ይፍለጥ።
ብፖለቲካዊ ዓይኒ ክርአ እንከሎ ድማ እቶም 8 እቶም ዝኸፍኡ ጸላእቲ ኣባላት ሰልፊ ደሞራሲ እዮም። እንተኾነ ግን ኬቨን ማካርቲ ነቲ ኣብ 2020 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክሳብ ሎሚ ዘይተቐበለ ትራምፕ ምድጋፉ፡ ንኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኣቐዪሙ'ዩ።
ሕጂ ነቲ ዕድል ምርካቦም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ሕነ ክፈድዩ መሪጾም። በዚ ድማ'ዩ እቲ ኣፈኛ በየማንን ጸጋምን ጸላእቲ ኣጥርዩ ካብታ ኣገዳሲት መንበሩ ተኣልዩ ዘሎ።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ኣፈኛ ባይቶ ንምዃን ኣብ ዘካየዶ ጻዕሪ'ውን፡ ኣብ መበል 15 ዙርያ ምርጫ'ዩ ነታ መንበር ተረኪቡዋ።
ሽዑ'ውን ሓያለ ካብዞም ክወርድ ዘድመጹ ብጾቱ ደገፍ ስኢኑ'ዩ፡ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ክፍለዘመን ንፈለማ እዋን ባይቶ ኣፈኛ ንምምራጽ ንክንድኡ ዝኣክል ዙርያታት ኣድሚጹ።
ቀዋሚ ኣፈ-ጉባኤ ክሳብ ዝምረጽ፡ ፓትሪክ መክሄንሪ ግዝያዊ ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ክጸንሕ ተመዚዙ'ሎ።
ብቐጥታ ክትክኦ ዝኽእል ምርኡይ መራሒ ዘይምህላዉ ሓድሽ ኣፈኛ ንምምራጽ ሓያለ መዓልታት ወይ ሳምንታት ክወስድ ከምዝኽእል ይንገር ኣሎ።
ዛጊት ሪፓብሊካውያን ስቲቭ ስካሊዝ ካብ ሊውዚያና፡ ጂም ጆርዳን ካብ ኦሃዮ፡ ከምኡ'ውን ኬቨን ሀርን ካብ ካብ ኦክላሆማ ንመንበር ኣፈኛ ባይቶ የቋምቱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣፈኛ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣብ ዝግበር መስርዕ ምርካብ ስልጣ ድሕሪ ምክትል ፕረዚደንት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ምዃኑ ኣገዳስነቱ ልዑል'ዩ። እዚ ማለት ካብ ምርጫ ወጻኢ ፕረዚደንትን ምክትሉን ካብ ሓለፍነቶም ምስ ዘልግሱ ብቐጥታ ኣፈኛ ባይቶ ስልጣን ይርከብ። ስለዚ ድማ ክሳብ ዝትካእ ሓደ ሃጓፍ ናይ ስልጣን ከፊቱ ኣሎ።
ብዓቢኡ ግን፡ ብዘይ ኣፈ-ጉባኤ ስሩዕ ስርሑ ከካይድ ዘይክእል ባይቶ ኣብ ምጽዳቕ ባጀት ይኹን ካልኦት ሕጋጋት ወሳኒ ተራ ስለዘለዎ፡ መንግስቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቅልውላው ክኣቱ እንከሎ ተኣማንነትን ደገፍን ህዝቢ ከስእኖ ይኽእል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







