ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው

መራሒ ሪፓብሊካን ኬቪን ማካርቲ

ምንጪ ስእሊ, ቢቢሲ ቪድዮ

ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ መራሒ ሰልፊ ሪፓብሊካን ኬቪን ማካርቲ፡ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ክምረጽ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ሰለስተ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ክዕወት ዘኽእሎ ደገፍ ክረክብ ኣይከኣለን።

ትማሊ ሰሉስ ምሸት፡ እቲ ባይቶ ኣፈኛ ከይመረጸ ተበቲኑ። ድሕሪ 1923 ኣብ ቀዳማይ ዙርያ መረጻ ተዓዋቲ ከይተመርጸ ክቐርይ እዚ ንፈለማ እዋን'ዩ። ሓደ ሰብ ዝበዝሐ ድምጺ ክሳብ ዝረክብ እቲ መረጻ ክቕጽል'ዩ።

ማካርቲ ዋላ’ውን ዝዕወትሉ መንገዲ እንተረኸበ፡ እቲ ኣብ ባይቶ ዝረአ ዘሎ ዕግርግር፡ ማእከላይን የማናውያንን ኣባለት ሪፓብሊካዊ ሰልፊ ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ዕግርግር ዝመልኦ ፖለቲካዊ ውግእ ሓድሕዶ ክጸንሑ ከም ዝኽእሉ ተንተንቲ የጠንቅቑ።

ሰልፊ ሪፓብሊካን ንታሕተዋይ ባይቶ ኮንግረስ ብኣድማዒ መንገዲ ከመሓድር እንተዘይክኢሉ፡ ንገለ ዕማማቱ ኣብ ምፍጻም ክዕንቅፎ ይኽእል።

'ድርድር ድኹም ክመስል ገይርዎ'

ሪፓብሊካን ኣብ ወርሒ ሕዳር ንባይቶ ብጸቢብ ድምጺ እዮም ክቆጻጸሩ ክኢሎም፤ ስለዚ ኬቪን ማካርቲ ኣፈ ጉባኤንምዃን ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ ድምጺ ክስእን ኣይነበሮን። እዚ ድማ ጉጅለ ተሪር ዓቃባውያን ንሕጹይነቱ ክቃወሙ ኣኽኢልዎም’ዩ።

ምእንቲ ብግልጺ ንኽዛረብ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ሓደ ሪፓብሊካዊ ጎስጓሲ፡ ኬቪን "ብዙሓት ጸላእቲ ፈጢሩ’ዩ" ይብል። "ብፖለቲካዊን ብውልቃዊ ምኽንያት ዘይፈትውዎ ሰባት ኣለዉ።"

ኬቨን ማካርቲ ምስቶም ነቐፍቱ ናብ ድርድር ኣትዩ፡ ድምጾም ንምርካብ ድማ ሕድገታት ኣቕሪቡ።

ምስቶም ሪፓብሊካን “ይደራደር ምንባሩ፡ ክሳብ ተስፋ ዝቖረጸን ኣዝዩ ድኹም ክመስል ገይርዎ" ይብል እቲ ውልቀሰብ።

ተቓወምቱ ተተባቢዖም

ከንቱነት ናይቲ ኣገባብ ኬቪን ትማሊ ሰሉስ ንጹር ኮይኑ።

ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ መረጻታት፡ ማካርቲ እቲ ዝድለ 218 ድምጺ ክረክብ ኣይከኣለን። ሪፓብሊካን 222 መናብር እኳ እንተሓዙ፡ ናይቶም ብስነ-ሓሳባውን ውልቃውን ምኽንያት ዝቃወምዎ 19 ሕሉፋት የማናውያን ሪፓብሊካን ጉጅለ ድምጺ ኣይረኸበን።

እቶም ተቓወምቱ፡ "ፈጺሞም ንድሕሪት ኣይምለሱን" ክብል ተወካሊ ሪፓብሊካን ቨርጂንያ ቦብ ጉድ ትማሊ ሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ ዝኾነ ማት ጋትዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ ዝኾነ ማት ጋትዝ

ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ ዝኾነ ማት ጋትዝ፡ ነቲ የማናዊ ውድብ "ጣሊባን 20" ኢሉ ንዝጸውዖ ሪፓብሊካን መሳርሕቱ "እዋእ፡ ዋላ'ኳ እዚ ጎዳኢን ሓሶትን እንተኾነ፡ ኣነ'ውን ኣብ መወዳእታ ንዝዕወተሉ ዝተናውሐ ውግእ ተዳልየ ኣለኹ" ክብል ኣብ ትዊተር መልሲ ሂቡ።

ኣብ ኣዝዩ ድራማዊ ህሞት፡ ጂም ጆርዳን ንኬቪን ማካርቲ ኣፈጉባኤ ክኸውን ድሕሪ ምምራጹ፡ ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ጂም ጆርዳን ባዕሉ ንኽወዳደሮ እቶም የማናውያን ሓጽዮምዎ ነይሮም።

ኣብ ተሪር የማናዊ ባይቶ ሓርነት መሪሕ ኣካል ዝኾነ ጂም ጆርዳን፡ ኣብ ሳልሳይ ዙር መረጻ ሪፓብሊካን ንኬቪን ማካርቲ ድምጺ "ክእከቡ" ምስ ተማሕጸነ'ውን፡ 20 ሪፓብሊካን ንጂም ጆርዳን ድምጾም ብምሃብ፡ ንኬቪን ማካርቲ ዓወት ከይረክብ ከልኪሎምዎ’ዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዲሞክራትስ ምስቲ እቲ ተወካሊ ኒውዮርክ ዝኾነ ሓድሽ መራሒ ሰልፎም ሓኪም ጀፍሪስ ሰሚሮም ኣለዉ።

ቀጻሊ ውጽኢት እንታይ ክኽውን ይኽእል?

ኣብ ዋሽንግተን ዝርከቡ ፖለቲካውያን ተዓዘብቲ፡ እዚ ኩሉ ብኸመይ ክውዳእ ከም ዝኽእል ዝተፈላለየ ክልሰ-ሓሳባት ከውጽኡ ጀሚሮም ኣለዉ።

ንቢቢሲ ዝሃብዎ ትንበያታት፡ ሓደ ኣማራጺ ኬቪን ተዓዊቱ ግን ከኣ ብዓቢ ተዳኺሙ ክቕጽል ከም ዝኽእል ዝገልጽ እዩ። ካልእ ምሉእ ብመሉእ ዝካኣል ኣማራጺ ኬቪን፡ ብትሕቲኡ ንዝርከብ ተወካሊ ሉዊዚያና ስቲቭስ ካሊስ ድጋፉ ክህብ ይኽእል።

እቲ ብዙሕ ተኽእሎ ዘይብሉ ኣማራጺ ድማ፡ ሓሙሽተ ሪፓብሊካን ነቲ ዲሞክራት ዝኾነ ጀፍሪስ ብምምራጽ ነቲ ባይቶ ንኽቆጻጸር ክውስኑ ይኽእሉ።

ከምቲ ዘለዎ፡ ኬቨን ማካርቲ "ብመሰረቱ ኣብ ሓደ ወገን ውድቡ ጅሆ እዩ" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ ፖለቲካዊት ሳይንቲስት ውድብነት እተጽንዕ ሩት ብሎክ ሩቢን።

ኣባላት ባይቶ ንራብዓይ ግዜ ረቡዕ ክእከቡ እዮም።