ትራምፕ ናብ ስልጣን ይምለስ’ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ኣብ መረፃ 2024 ንምስታፍ ዘለዎ ድልየት ዓቢ ምልክት ሂቡ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ናብ ዋይት ሃውስ ንምምላስ ክወዳደር ከምዝኽእል ክሳብ ሎሚ ካብ ዘርኣዮም ድልየታት እቲ ዝዓበየ ምልክት ኣእንፊቱ።
ንሱ ኣብ ኣዮዋ - ሲዮክስ ሲቲ ንዝተኣከቡ ሰባት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ 2024 "ኣዝየ፡ ኣዝየ፡ ኣዝየ ዳግማይ ክገብሮ እኽእል እየ" ኢሉ።
ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ናይ መፋርቕ ምርጫ [‘ሚድ ተርም ኢለክሽንስ’] ንሕጹያት ሪፓብሊካን ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ ነዚ ዝበለ።
ኣሜሪካውያን ሰሉስ ኣብ ናይ መፋርቕ መረፃ ዝህብዎ ድምጺ፡ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካን ወሰንቲ ምምሕዳራት ግዝኣታትን ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ።
ሪፓብሊካን ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ነቶም ተኣከብቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብተደጋጋሚ ዝገለጾ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ዝተሳዕሩ፡ ዝኾነ መርትዖ ከየቕረቡ፡ ምትላል ከምዝተገብረሎም ገሊጾም።
ሪፓብሊካን ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ኣብ መረፃ 2020 ብሰንኪ ሰፊሕ ምትላል ከምዝተሳዕረ ዝገልፅ መረዳእታ ዘይብሉ ክሱ ደጊሙ’ሎ።
"ክልተ ግዜ ተወዳዲረ፤ ክልተ ግዜ ተዓዊተ። ኣብ ካልኣይ ግዜ ድማ ካብቲ ቀዳማይ ዝገበርክዎ ኣዝዩ ዝሓሸ ውጽኢት ኣመዝጊበ። ኣብ 2020 ካብቲ ኣብ 2016 ዝነበረ ብሚልዮናት ዝቑጸር ተወሳኺ ድምፂ ረኺበ" ኢሉ።
"ሎሚ ድማ ሃገርና ዕውትቲ ከምኡ'ውን ውሑስትን ክብርቲን ንምግባር፤ ዝየ፡ ኣዝየ፡ ኣዝየ ዳግማይ ክገብሮ እኽእል እየ" ክብል ተዛሪቡ።
"ኣዝዩ ኣብ ዝቐረበ ግዜ" ክብል ዝተሰምዐ ትራምፕ "ተዳለዉ" ብምባል ነቶም ሓጎሶም ዝገልፁ ዝነበሩ ዝተኣከቡ ሰባት ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ትራምፕ ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ናይ መፋርቕ መረፃ 72 ሚልዮን ድምጺ ረኺቡ ነይሩ። በዚ ድማ ንሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ዝተወሃበ ዝበዝሐ ድምፂ ክውንን በቒዑ።
ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኒው ሜክሲኮን ካሊፎርንያን ጎስጓስ ዘካየደ ባይደን ብወገኑ፡ ኣብ 2024 ክሳተፈሉ ንዝኽእል ዳግመ ምርጫ ጎስጓስ ንምውጣን ምስ ላዕለዎት ኣማኸርቲ ክራኸብ ዝፀንሐ ኮይኑ እቲ ውድድር ድማ ዳግማይ ምስ ትራምፕ ክካየድ ከምዝኽእል ይግለጽ።
ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ትራምፕ ነበር ኬልያን ኮንዌይ፡ ቅድሚ’ቲ ብሓሙስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ሓላፊኣ ነበር ብዛዕባ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክህልዎ ዝኽእል መደባት "ኣብ ቀረባ እዋን ክእውጅ'ዩ" ኢላ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







