ትራምፕ፡ ሓዳስ መጽሓፍ እተቃልዖ 8 ሓቅታት

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንጓሉን ሰብኣያን ካብ ስርሓ ክባረሩ ወሲኑ ከምዝነበረን ሕጋዊ ሰነዳት ናብ ዓይኒ ምድሪ የእቱ ምንባሩን ተቓሊዑ።

እዚታት፡ ኣብታ ሎሚ ሰሉስ እትዝርጋሕ፡ ብብዙሓት ትጽቢት ዝግበረላ ዘሎ፡ ጋዜጠኛ ኒውዮርክ ታይምስ ማጊ ሃበርማን ዝጸሓፈታ መጽሓፍ 'ኮንፊደንስ ​​ማን' ተጋሂዱ ኣሎ።

እታ መጽሓፍ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኒውዮርክ ነጋዳይ ካብ ዝነበረሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ድሕሪ ፕረዚደንትነት ዘሎ ህይወቱ ዘጠቓልል እዩ።

እቲ ጸሓፋይ፡ ልዕሊ 200 ምንጭታት ቃለ-መጠይቕ ዝገበረ ኰይኑ፡ ሓገዝቱ-ነበር ሓዊሱ ምስ ባዕሉ ትራምፕ ካብ ዝተገብረ ሰለስተ ቃለ-መጠይቓት'ውን ዘጠቓለለ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ንሃበርማን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኡ፡ እታ መጽሓፍ "ብዙሓት ሓቅነቶም ዘይተረጋገጸ ዝተፈብረኹ ዛንታታት" ከምዘለዋ ብምጥቃስ ነቲ ጸሓፋይ ድሂሉ ጽሒፉ።

ኣብታ መጽሓፍ ዝተጋህዱ ሸሞንተ ዓበይቲ ነገራት 'ኮንፊደንስ ​​ማን' እምበኣር እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ትራምፕ ንጓሉ ኢቫንካን ናኽራዩን ካብ ስራሕ ከባርር ደልዩ ነይሩ

ሃበርማን፡ ምስ ናይ ሽዑ ሓላፊ ቤተ መንግስቲ ጆን ኬሊን ጠበቓ ዋይት ሃውስ ዶን ማክጋንን፡ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሚስተር ትራምፕ ጓሉ ኢቫንካን ናኽራዩ ጃረድ ኩሽነርን ተባሪሮም ኢሉ- ኣብ ትዊተር ክዝርግሕ ሓሲቡ ከምዝነበረ ኣቃሊዑ።

ክልቲኦም፡ ላዕለዎት ሓገዝቲ ዋይት ሃውስ ዝነበሩ እዮም።

ሚስተር ኬሊ፡ ትራምፕ ቅድሚ ነቲ ትዊተር ምጥቅዑ፡ መጀመርታ ምስ ኢቫንካን ሚስተር ኩሽነርን ክዛረብ መኺርዎ። ሚስተር ትራምፕ ምስኦም ተዘራሪቡ ኣይፈልጥን፡ ክልተኦም ድማ ክሳብ መወዳእታ ፕረዚደንትነቱ፡ ሓገዝቲ ዋይት ሃውስ ኰይኖም ጸኒሖም።

ሚስተር ትራምፕ፡ ሓደ እዋን ኩሽነር ኣብ 2017 ዝሃቦ ህዝባዊ መደረ ምስ ሰምዐ፡ "ቍልዕነቱ ኣይወደአን" ዝብል ርእይቶ ከምዝሃበ'ውን እታ መጽሓፍ ትገልጽ።

ሚስተር ትራምፕ፡ ንኢቫንካን በዓል ቤታን ካብ ስርሖም ክባረሩ ደልዩ ከምዘይፈልጥ ነጺግዎ።

"ጽሩይ ልበ-ወለድ፣ ናብ ኣእምሮይ እኳ መጺኡኒ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

2. ትራምፕ ኣብ ሜክሲኮ ንዝርከቡ ቤተ-ፈተነታት ዕጸፋርስ ብቦምባ ንምድብዳብ ሓሳባት ኣሰላሲሉ ነይሩ

ሃበርማን፡ ትራምፕ፡ ቤተ ፈተነታት ዕጸፋርስ ሜክሲኮ ናይ ምድብዳብ ሃቐነ ብዙሕ ግዜ ከምዘልዓለ ጽሒፉ።

እዚ ሓሳብ እዚ፡ ንሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ነበር ማርክ ኤስፐር ዘደንጹ እዩ ነይሩ።

እቲ ሓሳብ፡ ሚስተር ትራምፕ ምስ ሓላፊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣመሪካ ብሬት ጂሮየር፡ ካብ ዝገበሮ ዕላል ዝመንጨወ እዩ።

ሚስተር ጂሮየር፡ ከምቲ ልሙድ፡ ዩኒፎርም ተኸዲኑ ናብ ቤት ጽሕፈት ኦቫል ኣትዩ፡ ንሚስተር ትራምፕ ድማ ኣብ ሜክሲኮ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ዘፍርዩ መሳለጥታት ዘይሕጋዊ ንጥረ ነገራት ደው ንምባል፡ ዶብ ሰጊሮም ከይኣትዉ ጥቡቕ ሓለዋ ብምግባር ምክልኸል ከምዝከኣል ሓቢርሉ።

ትራምፕ ንሚስተር ጂሮየር፡ ወተሃደራዊ መኮነን ኣምሲሉ ብጌጋ ብምርድኡ እዩ፡ ኣብቲ መሳለጥያታት ዕጸፋርስ ብቦምባታት ክድብደብ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ከም ግበረ መልሲ ናይዚ ድማ፡ ዋይት ሃውስ ንሚስተር ጂሮየር ዩኒፎርሙ ተኸዲኑ ምእታው ደው ከብል ሓቲቱ።

3. ትራምፕ ብኮቪድ ከይመውት ፈሪሑ ነይሩ

ትራምፕ ኣብ ጥቅምቲ 2020፡ ኮቪድ ኣብ ዝሓመመሉ እዋን፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝነበሮ ኵነታት እናገደደ ብምምጽኡ፡ ከይመውት ፈርሑ ነይሩ።

ምክትል ሓላፊ ስታፍ ቶኒ ኦርናቶ፡ ነቲ ፕረዚደንት ጥዕናኡ ዝያዳ እንተንቆልቊሉ፡ ቀጻልነት መንግስቲ ንምርግጋጽ ኣገባባት ከቐምጥ ከምዘለዎ ኣጠንቂቝ ነይሩ።

ትራምፕ፡ እቲ ለበዳ ንምንእኣስ ሓያሎ ፈተነታት'ኳ እንተገበረ፡ እቲ ቫይረስ ምስሉን ፖለቲካዊ ድርኺቱን ብኣሉታ ይጸልዎ ከምዘሎ ተሰኪፉ ነይሩ።

ሃበርማን፡ ትራምፕ ኣብ ጥቓኡ ንዝርከቡ ሓገዝቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከውጽኡ ከምዝሓተቶምን፡ ኣብቲ እዋን ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ዝነበረ ኣንድሪው ኩሞ ድማ ኣብ ቲቪ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ከይዛረብ ከምዝመኸሮን ይጽሕፍ።

ትራምፕ ንሚስተር ኩሞ፡ "ክንድዚ ዝኣክል ዓቢ ነገር ኣይትግበሮ፡ ጸገም ክተምጸኣልና ኢኻ" ክብል ከምዝተዛረቦ እቲ መጽሓፍ ይሕብር።

4. ትራምፕ፡ ኣብ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ብዛዕባ ንብረቱ ጠቒሱ

እታ መጽሓፍ ሃበርማን፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕን መራሕቲ ዓለምን ዝተፈጸሙ ሓያሎ ርክባት ብዝርዝር ትገልጽ።

ንኣብነት ትራምፕ ምስ ናይ ሽዑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ተረዛ ሜይ ኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ርክብ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ኣልዒሉ፡ "ገለ ሰባት ደገፍቲ-ህይወት እዮም፣ ገለ ሰባት ድማ ደገፍቲ-ምርጫ እዮም። ገለ ውቃጦ ዘለዎም እንስሳታት ንጓልኪ እንተዓሚጾማ እሞ ንሳ እንተጠኒሳ እሞ ሕሰብዮ" ኢሉዋ።

ብድሕሪኡ፡ ኣብ ዕላሉ ነቲ ኣርእስቲ ናብ ካልእ ቀይሩ፡ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ፡ ኣብ ጥቓ ንብረቱ ኣብ ባሕሪ ዝካየድ ፕሮጀክት ንፋስ ከይትከል ብኸመይ ከምዝዕገት ኣዕሊሉዋ።

5. ትራምፕ ንመረጻ 2020 ንምግልባጥ 'ዝዀነ ነገር ክገብር' ንጠበቓኡ ሓቲቱ

ትራምፕ ኣብ ምርጫ 2020 ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ይሰዓር ከምዘሎ ምስተረጋገጸ፡ ንከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ነበርን ውልቃዊ ጠበቓኡ ሩዲ ጁልያኒን ደዊሉሎም።

ንሱ፡ ካልኦት ጠበቓታቱ፡ ውጽኢት ምርጫ ንምግልባጥ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ ድሕሪ ምእባዮም፡ "ሕራይ ሩዲ ንስኻ ኢኻ ሓላፊ። ገለ ዘይተለምደ ግበር፣ ዝደለኻዮ ግበር፡ ኣነ ኣይግድሰንን" ኢሉ።

ትራምፕ ንሚስተር ጁልያኒ፡ "ጠበቓታተይ ኣዝዮም ዘይረብሑ እዮም" ከም ዝበለ እቲ መጽሓፍ ይሕብር። ብተወሳኺ ንጠበቓ ዋይት ሃውስ ፓት ሲፖሎን ብተደጋጋሚ ይነቅፍ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ሚስተር ትራምፕ ብክልሰ-ሓሳባት ውዲታዊ ከምዝተጸልወን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣማኸርቲ ዝተደናገሩ ኰይኑ ዝስምዖም ጠበቓታት ከምዝደለየን እታ መጽሓፍ ትገልጽ።

6. ትራምፕ፡ ግብሪ ኣብ ምፍላጥ መመኽነይታ ፈጢሩ

ትራምፕ ኣብ 2016 ጐስጓስ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ነፋሪት ኰይኑ፡ ብኣካያዲ ጐስጓሱ ኮሪ ለዋንዶውስኪን ጸሓፊኡ ሆፕ ሂክስን፡ ዝኸፈሎ ግብሪ ኣመልኪቱ ብግልጺ ክነግር ተሓቲቱ።

እዚ ጉዳይ እዚ ኣብቲ ናብ ዋይት ሃውስ ዝግበር ዝነበረ ንሕንሕ ከም ጸገም ዝረኣይዎ ጉዳይ እዩ።

ትራምፕ፡ ቅድሚ ናብ ሃንደበታዊ ሓሳብ ምእታዉ፡ ንድሕሪት ምልስ ብምባል፡ መልሲ ከምዝሃበ ሃበርማን ይጽሕፍ'ሞ፡ "እዋእ፡ ዝኸፍሎ ግብሪ ደኣ ኣብ ኦዲት ከምዘሎ ትፈልጥ እንዲኻ፡ ኵሉ ግዜ እየ ኦዲት ዝግበር" ኢሉ።

"ስለዚ፡ እዚ ማለተይ እየ፡ ደሓን 'ድሕሪ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኦዲት ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ከፍልጥ እየ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕቲ ኦዲት ፈጺመ ኣይክህሉን እየ።"

ካብ ሪቻርድ ኒክሰን ጀሚሩ፡ ኵሉ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብወለንታኡ ናይ ግብሪ መመልከቲኡ የፍልጥ እዩ ነይሩ። ሚስተር ትራምፕ ፕረዚደንት ኣብ ዝዀነሉ ዓመት 750 ዶላር (662 ፓውንድ) ግብሪ ኣታዊ ፌደራል ከምዝኸፈለ፣ ኣብ 2020 ኒውዮርክ ታይምስ ዝተኻየደ መርመራ ኣረጋጊጹ።

7. ትራምፕ፡ ሕጋዊ ሰነዳት ኣብ ሽቓቕ ዋይት ሃውስ ደርብዩ

ሚስተር ትራምፕ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስ በብእዋኑ እቲ ሽቓቕ ሕጋዊ ማሕተም ብዘለዎ ወረቐት ከምዝተዓጽወን፡ ንሱ ከምዝደርበዮምን ይኣምኑ ነይሮም።

ብተወሳኺ፡ ንሱ ሰነዳት ከምዝቐድድ'ውን ይግለጽ።እዚ ድማ ንሕጊ መዛግብቲ ፕረዚደንት ዝጻረር እዩ - እዚ ሕጊ እዚ ብሓደ ፕረዚደንት ዝፍጠር ወይ ዝተቐበሎ ሰነዳት ንብረት መንግስቲ ኣሜሪካ እዩ፡ ፕረዚደንትነት ምስተወድአ ድማ ሃገራዊ ስነዳ ኣሜሪካ ክሕዞ ኣለዎ ዝብል ሕጊ እዩ።

እቲ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ሚስተር ትራምፕ ዝጠፍኡ ሰነዳት ብሃገራዊ ማህደር ኣብ ዝቐረበሉ ዘሎ ሰፊሕ ክስታት ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ዝወጽእ ዘሎ።

ትራምፕ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ርስቲ ማር-ኣ-ላጎ መዛግብቲ መንግስቲ ብምሓዝ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ገበናዊ መርመራ እውን ይግበረሉ ኣሎ። 

8. ትራምፕ፡ ሰራሕተኛታቱ ቤተ መንግስቲ፡ ኣገልገልቲ መሲልዎ ነይሩ

ትራምፕ፡ ድሕሪ ምምራቝ ኣብ 2017 ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኮንግረስ፡ ሚስተር ትራምፕ ናብ ሓደ ዝተፈላለየ 'ጕጅለ ሰራሕተኛታት ዲሞክራት' ገጹ ብምቕያር፡ ኣገልገልቲ መሲሎምዎ፡ ከየስተብሃለ 'ዝብላዕ' ቁርሲ ከምጽኡ ሓቲቱዎም።

ትራምፕ ከምኡ ዝበለ፡ ንሰራሕተኛታት ንሰኔተር ቻክ ሹመርን ተወካሊት ናንሲ ፔሎሲን ከም ዝዀነ እቲ መጽሓፍ ብዝርዝር ይገልጽ።

ሃበርማን፡ ሚስተር ትራምፕ ተዛሪብዎ ዝተባህለ ጽልኢ ሕደጾታወነት ዝገልጽ ታሪኽ እውን ሰኒዱ ኣሎ።