ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ዝርዝር ካብ መንበሪ ገዛ ዶናልድ ትራምፕ ዝተወስዱ ሰነዳት ዕላዊ ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኤፍ.ቢ.ኣይ ካብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተወስዱ ፋይላት ዝርዝር ንህዝቢ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ምስጢራዊ ምልክት ዝተገብረሎም ዓሰርተታት ባዶ ማህደራት ሓዊሱ 33 ሳንዱቕ ሰነዳት ተወሲዶም እዮም።
ብተወሳኺ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚስተር ትራምፕ 'ምስጢር'ን 'ልዑል ደረጃ ምስጢር'ን ዝብል ምልክት ዘለዎም ሓያሎ ሰነዳት ከምዝተረኽቡ ይገልጽ።
ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ምስጢራዊ መዛግብቲ መርመራ ዝግበረሉ ዘሎ ሚስተር ትራምፕ፡ ጌጋ ከምዘይፈጸመ እዩ ዝዛረብ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ 8 ነሓሰ 2022 ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ትራምፕ ዝተኻየደ ፍተሻ ዝተወስዱ ፋይላት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
- 3 ውልቃዊ ምልክት ዝተገብረሎም ሰነዳት፡
- 17 ምስጢራዊ ምልክት ዝተገብረሎም ሰነዳት፡
- 7 ልዑል ደረጃ ምስጢር ዝብል ምልክት ዘለዎም ሰነዳት፡
- 43 ባዶ ማህደር ምስ ሚስጥራዊ ባነራት
- 28 "ናብ ጸሓፊ ስታፍ/ሓጋዚ ወተሃደራዊ ጉዳያት ይመለስ" ብዝብል ዝተሰየሙ ባዶ ማህደራት።
ፕረዚደንታት ኣመሪካ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ እንከለዉ፡ ኩሉ ሰነዳቶምን ኢመይሎምን ናብ ሃገራዊ ማህደር [ናሽናል ኣርካይቭ] ከሰጋግሩ ኣለዎም።
ትራምፕ፡ ኣብ ጥሪ 2021 ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ካብ ዋይት ሃውስ ናብ ማር-ኣ-ላጎ ርስቱ ብምውሳድ መዛግብቲ ብዘይግቡእ ሒዙ ድዩ ኣይሓዘን ዝብል ክፍሊ ፍትሒ ምርምር የካይድ ኣሎ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ትራምፕን ጠበቓታቱን ብወለንታኦም ኣገደስቲ ሰነዳት ከቕርቡ ከምዘይከኣሉን፡ ከም ኣካል ናይቲ መርመራ ንምዕንቃፍ ዝግበር ጻዕሪ ድማ መዛግብቲ "ክሓብኡ ወይ ክኣልዩ ከምዝኽእሉን" ይኸሱ።
ትራምፕ ግን፡ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ሰነዳት ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ብውሑስ መንገዲ ከምዝተዓቀቡ ይምጉት ኣሎ።
እቲ ብዓርቢ ዝተገልጸ ዝርዝር ግን፡ ወከልቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣስታት 1500 ሰነዳት፡ ከምኡ’ውን ባዶ ዝተረኽቡ ምስጢራዊ ማህደራት ካብ ቤት ጽሕፈት ሚስተር ትራምፕ ከም ዝወሰዱ ይሕብር።
እቲ ብዓርቢ ዝተገልጸ ዝርዝር ከምዘመልክቶ፡ ኣብቲ መኽዘንን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚስተር ትራምፕን፡ ብዙሓት ምስጢራዊ ሰነዳት ምስ ስእልታት፡ ቁራጽ ጋዜጣታት፡ "ኣቑሑት ክዳውንቲ/ህያብን" ባዶ ማህደራትን "ተሓዋዊሶም" ዝቐረበ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ቅድመ ሰዓብ መርመራ ትራምፕ
- ጥሪ 2022 - ሃገራዊ ማህደር [ናሽናል ኣርካይቭ ]15 ሳጹናት መዛግብቲ ዋይት ሃውስ ካብ ማር-ኣ-ላጎ ረኺቡ፡ ገለ ካብቲ ኣብ መወዳእታ ምምሕዳር ትራምፕ ዝረኸቦ ሰነዳት ከም ዝተቐደዱ’ውን ገሊጹ።
- ለካቲት - ኣብ መኽዘን ማር-ኣ-ላጎ ምስጢራዊ ፋይላት ከም ዝተረኽቡ ጸብጻባት ሓቢሮም። ሃገራዊ ማህደር ንክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ክምርምር ሓቲቱ።
- ሚያዝያ - ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ መባእታዊ መርመራ ከምዝጀመረ ሓቢረን።
- 3 ሰነ - ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካን ሰለስተ ወከልቲ ኤፍ.ቢ.ኣይን ኣብ ሓደ ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ኣቑሑት ንምግምጋም ናብ ማር-ኣ-ላጎ ተጓዒዞም ። ትራምፕ ከም ዝበሎ፡ "ጥራይ ዝኾነ ዘድልየኩም ነገር እንተሃልዩ ኣፍልጡና" ኢሉዎም።
- 8 ሰነ - መርመርቲ ፌደራል ንሓደ ሓጋዚ ትራምፕ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ነቲ ኣቑሑት ዝዕቅበሉ ክፍሊ ውሑስ መዕጸዊ ክጥቀሙ ሓቲቶም። ትራምፕ እቲ ሕቶ ቀልጢፉ ከምዝተፈጸመ ይዛረብ።
- 22 ሰነ - ትካል ትራምፕ ናይ ማር-ኣ-ላጎ ብካሜራ ሓለዋ ዝተቐድሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከቕርብ ካብ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ጻውዒት ተቐቢሉ።
- 8 ነሓሰ - ዓሰርተታት ወከልቲ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ተፍትሽ ኣካይዶም፡ እቲ ትእዛዝ ፈተሻ ከምዝሕብሮ ገሊኦም ልዑል ምስጢራዊ ፋይላት ዝሓዙ ልዕሊ 20 ሳጹናት ተወሲዶም።
- 12 ነሓሰ - 11 ስሩዕ ምስጢራዊ ሰነዳት ከም ዝተወሰዱ ዘርኢ ትእዛዝ ተዘርጊሑ።
- 25 ነሓሰ - ዳኛ እቲ ክፍሊ ፍትሒ፡ንብረት ትራምፕ ንኽፍተሽ ፍቓድ ንኽህብ ዘእመኖ ዝሓጸረ ቅዳሕ ናይቤት ፍርዲ ወረቓቕቲ ንከቕርብ ኣዚዙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







