ኤፍ.ቢ.ኣይ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ገዛ ትራምፕ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ኣካይዱ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ገዝኡ ብኤፍ.ቢ.ኣይ "ሃንደበታዊ ተፍትሽ" ከምዝተገበረሉን፡ እቶም ኣባላት ክቡር ዝኾኑ ነገራት ንዘቐምጠሉ ምስጢራዊ ካዝንኡ ከምዝሰበርዎን ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ፓልም ዝርከብ ማር-ኣ-ላጎ ዝብሃል ገዛ "ብዝሒ ብዝነበሮም ኣባላት ኤፍ.ቢ.ኣይ ተታሒዙ ከምዝነበረ" ተዛሪቡ።

መንቀሊ እቲ ፍተሻ ድማ ትራምፕ ከረክቦም ትጽቢት ምስ ዝግበረሎም ወግዓዊ ወረቓቕቲ (ሰነዳት) ብዝተሓሓዝ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይግለጽ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝወስድዎ ዘለዉ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምትታት እናሓየለ ዝመፅእ ዘሎ ድማ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ 2024 ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምስታፍ ምድላው ይገብር ኣብ ዝርከበሉ እዋን'ዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ናይቲ ኣብ ኣመሪካ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ትራምፕ ትማሊ ሶኑይ ገዝኡ ብኣባላት ኤፍ.ቢ.ኣይ ክፍተሽ ከሎ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ‘ትራምፕ ታወር’ [ህንፃ ትራምፕ] እዩ ነይሩ።

ትራምፕ "እዞም እዋናት ንሃገርና ጸልማት እዋናት እዮም" ክብል ነቲ ዝሃቦ መግለጺ ጀሚሩ።

ምስ ኩሎም ዝምልከቶም መንግስታዊ ትካላት ምትሕብባር ይገብር ከምዝነበረ ብምዝኽኻር "እቲ ኣብ ልዕሊ ገዛይ ዝተኻየደ ኣቐዲምካ መግለፂ ዘይተወሃበሉ ወራር ዘይኣድላዪ ወይ ዘይግቡእ ነይሩ" ኢሉ።

እዚ ድማ ዳግማይ ናብ ዋይት ሃውስ ንምምላስ ንኸይወዳደር ዝተፈጸመ "ናይ ኣኽበሪ ሕጊ ዘይቅኑዕ ኣካይዳ" ከምኡ ድማ "ስርዓት ፍትሒ ከም መሳርሒ ምጥቃም” ከምዝኾነ ገሊፁ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣብተን ዝደኸማ፡ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ጥራይ እዩ ክፍጸም ዝኽእል። እቲ ዘሕዝን ግን ኣሜሪካ ሕጂ ሓንቲ ካብተን ሃገራት ኮይና ኣላ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተራእየ ደረጃ ናብ ብልሽውና ኣትያ" ኢሉ።

ኣስዕብ ኣቢሉ "ዋላ ነቲ ክቡር ነገራት ዝዕቅበሉ ካዝናይ እዮም ሰይሮሞ” ክብል ከሲሱ።

ብዕድመ ኣብ ካልኣይ ዝስራዕ ወዱ ንትራምፕ ኤሪክ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ ልዕሊ ንብረት ትራምፕ ዝኾነ ‘ማር-ኣ-ላጎ’ ዘካየዶ ፈተሻ ምስቲ መዛግብቲ ሃገራዊ ማህደር ኣብ ምርኽኻብ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ዝተኣሳሰር ምዃኑ እዩ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ እቲ ሃገራዊ ማህደር [ናሽናል ኣርካይቭስ’] ብዝብል ዝፍለጥን ንዕቀባ መዛግብቲ ፕረዚደንት ዘመሓድርን ትካል መንግስቲ ኣመሪካ፡ ምስ ምርካብን ኣተሓሕዛን ወግዓዊ ሰነዳት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ምርመራ ክካየድ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ካብቲ ብትራምፕ ዝውነን ማር-ኣ-ላጎ ዝተብሃለ ገዛ 15 ሳንዱቕ ሰነዳት ከምዝረኸበን ገሊኡ ድማ ምስጢራዊ መዛግብቲ ዝሓዘ ምዃኑን እቲ ትካል ኣፍሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ኩሉ ደብዳቤታቶም፣ ሰነዳት ስራሕን ኢመይሎምን ናብ ሃገራዊ ማህደር ከሰጋግሩ ብሕጊ ይግደዱ እዮም።

ይኹን እምበር እቲ ፕረዚደንት ነበር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብዙሓት ሰነዳት ከምዝወሰደ ሰበስልጣን እታ ሃገር ይዛረቡ።

ትራምፕ ኣብቲ እዋን ምስ ዘይስቱር ኣተሓሕዛ ወግዓዊ መዛግብቲ ብዝተኣሳሰር ንዝቐረቡ ጸብጻባት "ስኑዓት ዜና" ክብል ነጺግዎም።።

ኣብ ገምገም ፓልም ዝርከብ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ትራምፕ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ብኣባላት ፌደራል ምርመራ ዝተገብረ ፈተሻ ንፕረዚደንታዊ መዛግብቲ ዝጥምት ከምዝነበረ ገሊፁ’ሎ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ምንጪ ሓበሬታ ብወገኑ "ንሳቶም [ኤፍ.ቢ.ኣይ] ኣዝዩ ውሑድ ዝኸነ ነገራት ሒዞም እዮም ወጺኦም" ኢሉ።

ናይ ፌደራል ናይ ምፍታሽ ትእዛዝ ብዳኛ ክፍረም ኣለዎ። ኣኽበርቲ ሕጊ ድማ እቲ ፍተሻ መርትዖ ዘይሕጋውነት ናይ ምርካብ ተኽእሎ ከምዘሎ መረጋገፂ ክህልዎም ይግባእ።

ሓያሎ ሳንዱቕ ከምዝተወሰዱ ዝገለጸ ሓደ ስሙ ዘይተገለፀ በዓልስልጣን ምኽባር ሕጊ፡ ዝኾነ ማዕጾ ከምዘይተሰበረን እቲ ፈተሻ ክሳብ ኣጋ ምሸት ከምዝፀንሐን ሓቢሩ።

ብዘይካ’ቲ ሃገራዊ ማህደር ዘቕረቦ ሕቶ ምጽራይ ወግዓዊ ሰነዳት፡ ሓደ ምሩጽ ኮሚተ ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ’ውን ነቲ ሚስተር ትራምፕ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ናዕቢ ካፒቶል ኣመሪካ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ምምርማር ይርከብ።

ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ድማ ትራምፕ ኣብ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ንዝፈጠሮ ብድሆ ይምርምር ኣሎ። ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሜሪክ ጋርላንድ፡ "ኩሉ ሰብ" ተሓታቲ ክኸውን ድልየት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ፉልተን - ጆርጅያ ዝርከብ ዓቃቢ ሕጊ’ውን ሚስተር ትራምፕን መሻርኽቱን ኣብቲ ናይ 2020 ምርጫ ኣብ ውጽኢት ኢዶም ከእትዉ ፈቲኖም ድዮም ኣይፈተኑን ይምርምር ከምዘሎ ይግለፅ።