ፑቲን፡ ሃገሩ ፈተነ ብኒዩክሌራዊ ጸዓት ዝሰርሕ ሚሳይል ከም ዘካየደት ገሊጹ

ፕረዚደንት ፑቲን ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ ሚሳይል ቡረቨስትኒክ ተዛሪቡ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፑቲን ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ ሚሳይል ቡረቨስትኒክ ተዛሪቡ ነይሩ

ሩስያ “ናይ መወዳእታ ዕዉት ፈተነ” ብኒዩክሌራዊ ጸዓት ዝሰርሕ ክሩዝ ሚሳይል ከም ዘካየደት ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ።

ኣቐዲሙ፡ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ፈተነ ናይቲ ብቡረቨስትኒክ ዝፍለጥ ኣጽዋር ኣብ ቀረባ ግዜ ክካየድ ምዃኑ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ፤ እንተዀነ ኣፈኛ እቲ ፕረዚደንት ነጺጉዎ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ንፈለማ እዋን ኣብ 2018 ወግዓዊ ዝዀነ ናይ ፈተነ ኣጽዋር፡ ደረት ኣልቦ ርሕቀት ክጕዓዝ ዝኽእል ምዃኑ ይግለጽ።

እንተዀነ፡ ንዓቕሚ ዝምልከት ብወግዒ ዝፍለጥ ውሑድ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ፈተነታት ከም ዝፈሸለ ዝሕብር ጸብጻባት ኣሎ።

እዚ ሕጂ ፕረዚደንት ፑቲን ዝገለጾ’ውን እንተዀነ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ክሳብ ሕጂ ድማ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ይዅን’ምበር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተዘርግሐ ኣሳእል ሳተላይት ሩስያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ርሑቕ ደሴት ኣርክቲክ ቅድሚ ሕጂ ፈተነታት ኒዩክሌር ሶቭየት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ሓደስቲ መሳለጥያታት ከም ዝሃነጸት ይሕብሩ።

እቶም ኣሳእል ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ባረንትስ ኣብ ዝርከብ ደሴታት ኖቫያ ዘምልያ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ህንጸት የርእዩ።

ፕረዚደንት ፑቲን ትማሊ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ሶቺ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ከም ዝበሎ፡ “ሕጂ ዳርጋ ኣብ ዘመናዊ ዓይነታት ስትራተጂያዊ ኣጽዋር ዝነበረና ስራሕ ወዲእና ኣለና” ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ናይ መወዳእታ ዕዉት ፈተነ ቡረቨስትኒክ ተኻይዱ ኣሎ፡ ዓለምለኻዊ ርሕቀት ዘለዎ ብኒዩክሌር ዝሰርሕ ክሩዝ ሚሳይል" ኢሉ።

እቲ ኔቶ ‘ስካይፎል’ ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ሚሳይል፡ ብኒዩክሌራዊ መቀጻጸሊ ዝሰርሕ ምዃኑ ይንገር።

ኒውዮርክ ታይምስ ንሓደ ጕጅለ ወፍሪ ምቍጽጻር ኣጽዋር ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ኣብ ካብ 2017 ክሳብ 2019 ዝተኻየዱ 13 ፈተነታት እዚ ስርዓት ኵሎም ከም ዘይተዓወቱ ገሊጹ።

ፑቲን ብተወሳኺ፡ ስራሕ ኣብ ሳርማት ዝተባህለ ክፍለ ኣህጉራዊ ባሊስቲክ ሚሳይል ኣብ ምዝዛም ገጹ ምዃኑ ሓቢሩ። ሩስያ ንኒዩክሌራዊ ሰረተ እምነታ ክትቅይር መደብ ከም ዘይብላ፡ እዚ ሓይልታታ ኒዩክሌራዊ ኣጽዋር ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ኵነታት ዘቐምጥ ፖሊሲ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ ህላወ ሩስያ ኣብ ሓደጋ ከም ዘይወደቐ ብምግላጽ “ዝዀነ ጥዑይ ኣእምሮን ንጹር ዝኽርን ዘለዎ ሰብ” ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኒዩክሌራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘይሓስብን ገሊጹ።

ሩስያ ግን ነቲ ኣብ 1996 ዝተገብረ ውዕል እገዳ ኵለመዳያዊ ፈተነ ኒዩክሌር ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ ክትገድፎ ከም እትኽእል ኣመልኪቱ።

እዚ፡ ኣሜሪካ ፈሪማትሉ ግን ከኣ ኣጽዲቓቶ ኣይትፈልጥን፤ ሩስያ’ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ክትዋሳእ ትኽእል’ያ ክብል ሞጒቱ።

ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ሶቺ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ኣኼባ፡ እቲ ኣብ ነሓሰ ንመራሒ ጕጅለ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን ዝቐተለ ሓደጋ ነፋሪት፡ ከም መጥቃዕቲ ሚሳይል ብዝኣመሰለ "ናይ ደገ ምትእትታው" ከም ዘይተፈጥረ ገሊጹ።

እቲ ሓላፊ ዕሱባት ወተሃደራትን ምስኡ ዝነበሩ ካልኦት ኣብቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባትን "ቁርጽራጽ ናይ ኢድ ቦምባ” ኣብ ኣካላቶም ከም ዝተረኽበ ብምግላጽ፡ “ሓላፊ ኮሚተ መርመራታት ነዚ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ጥራይ ሓቢሩኒ” ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ነፋሪት ቦምባ ብኸመይ ክፍንጀር ከም ዝኽኣለ ግን ኣይገለጸን።

እንተዀነ መርመርቲ ኣብ ሬሳታት ግዳያት ሓደጋ ኣልኮላዊ መስተን ዕጸፋርስን ክገብሩ ነይርዎም ዝብል ሓሳብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ዝዀነ ወግዓዊ ጸብጻብ ኣይተዘርግሐን።