'ፈረንሳ ደናቝር’ያ ትሓስበና' - ኒጀራውያን

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቓ እትርከብ ኒጀር፡ ሓንቲ ካብተን ብዝሒ መጥቃዕቲ ጂሃዳውያን ዝፍጸመለን ሃገራት’ያ።
ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ፡ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ነቶም ኣብኡ ዓስኪሮም ዝነበሩ 1500 ወተሃደራት ፈረንሳ ክወጽኡ ኣዚዙ።
ምውጻእ እዞም ኣንጻር ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ኣብ ምቅላስ ዝጸንሑ ወተሃደራት ፈረንሳ ከኣ፡ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ከቃልዓ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ይእመን።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማየኒ ጆነስ ናብታ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ክኣትዉዋ ብዙሕ ዘይተፍቅድ ሃገረ ኒጀር ብምእታው፡ ነቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት፡ ንደገፍቱ ከምኡ'ውን ንዝቓወምዎ ሰባት ከተዘራርብ ክኢላ ኣላ።
ኣዳማ ዞኡረካልኒ ማይጋ ህድእ ኢላ’ያ ትዛረብ፤ እንተዀነ እቲ ምስ ነፍሲ ወከፍ ዘረባኣ ጸረር ዝብል ዝነበረ ንብዓታ ንውሽጣዊ ቃንዛኣ’ዩ ዝገልጽ።
እዛ ንኽልተ ደቃ ንበይና እተዕቢ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኒያመይ እትነብር ኣዳማ ዞኡረካልኒ ማይጋ መበቈላ ካብታ ጀሃዳውያን ብብዝሒ መጥቃዕቲታት ዝፍጽሙላ ዞባ ታላበሪ’ዩ።
ኣዳማ ዞኡረካልኒ፡ እናተመሳሕና “ወዲ ሓወቦኣ ንኣደይ ናይ ሓንቲ 'ተራ' ዝተበሃለት ቁሸት ኣመሓዳሪ’ዩ፤ ቅድሚ ሸውዓተ ኣዋርሕ ከኣ ተቐቲሉ” ኢላትኒ።
ኣስዒባ፡ “እቶም ግብረሽበራውያን ይደልይዎ’ዮም ነይሮም፡ ንሱ’ውን ይሃድንዎ ከምዘለዉ ይፈልጥ ነይሩ’ዩ፣ መኪና ተኻርዩ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ደድሕሪኡ መጺኦም ቀቲሎሞ፤ ንቡር ምቕታል ኣይኰነን ጐረሮኡ’ዮም በቲኾሞ፤ እዚ ንመላእ ስድራና ኣዝዩ ዘሰንበደ ፍጻመ’ዩ፡ ነይሩ” ኢላትኒ።
ኣዳማ ቀንዲ ተሓታቲ ናይዚ ጉዳይ፡ እታ ኣንጻር እስላማውያን ዑጡቓት ክቃለስ’የ ብምባል 1500 ወተሃደራት ዝለኣኸት ፈረንሳ ከምዝዀነት’ያ ትገለጽ።
“ፈረንሳ ወተሃደራታ ዕዉት ስርሒታት’ዮም ኣካይዶም ክትብለና ኣይትኽልን’ያ” ድሕሪ ምባል “መጥቃዕትታት ግብረ ሽበራውያን መዓልታዊ እናወሰኸ፡ ኣንጻር ግብረሽበራውያን ኢና ንቃለሰልኩም ዘለና ዝብልዎ ነገር ኣይርድኣንን’ዩ” ትውስኽ።
ኒጀር ሓንቲ ካብተን ክሳብ ሕጂ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ርክባታ ዘይቈረጸት ኣብ ሳሕለ ሳህራ እትርከብ ሓውሲ ምድረበዳ ሃገር’ያ።
ፈረንሳን ኣሜሪካን ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከር ኣለወን፤ ብፍላይ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ መደበር ድሮናት ዝዀነ ወተሃደራዊ መዓስከራ ኣብ ኒጀር’ዩ ተዶኵኑ ዘሎ።
እንተዀነ ፈረንሳ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣፍልጦ ምስ ከልኣቶ፡ እቲ ፈረንሳ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኒጀር ኢዳ ተእቱ ኣላ ዝብል ሓሳብ ኣብ ብዙሓት ኒጀራውያን ክስዕርር ክኢሉ ኣሎ።

ብዙሓት ኒጀራውያን ፈረንሳ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ እታ ሃገርን ባህርያዊ ጸጋታትን ዘይተኣደነ ምትእትታው ክትገብር ከምዝጸንሐት’ዮም ዝኣምኑ።
ኣብታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ ከኣ ነታ ሃገር ካብ ምትእትታው ፈረንሳ ሓራ ብምግባር ንኒጀር ምሉእ ብምሉእ ልኡላዊት ሃገር ክገብራ’ዩ ዝብል እምንቶ ፈጢርሎም’ዩ።
እታ ሃገር፡ ኣብ 1960 ካብ ፈረንሳ ነጻ ካብ እትውጽእ ነዚ ናይ ሕጂ ወሲኹ ሓሙሽተ ግዜ ዕልዋታት መንግስቲ ተኻይዱላ ኣሎ።
ኣዳማ ነዚ ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ “ኣብዛ ሃገር ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ነዊሕ ኣብ ስልጣን ኣይጸንሕን’ዩ፤ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣረኪቡ ናብ መዓስከሮም’ዮ ዝምለስ” ትብል።
ፈረንሳ ነቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣፍልጦ ምስ ከልኣቶ ድማ ብዙሓት እቲ ወተሃደራዊ ጁንታ ፈረንሳ ወተሃደራታን ኣምባሳደራን ካብ ኒጀር ከተውጽእ ኣዚዙ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኡማኑወል ማክሮን፡ ፈለማ ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ’ኳ እንተነበረ ሕጂ ግን፡ እዚ ሓዲሽ መንግስቲ ኒጀር “ኣንጻር ግብረሽበራ ናይ ምቅላስ ድሌት የብሉን” ብምባል ወተሃደራቱን ኣምበሳደሩን ካብታ ሃገር ከውጽእ ተሰማሚዑ ኣሎ።
'ፈረንሳ ደናቝር’ያ ትሓስበና'
ኣብ ኣፍደገ ኣብ ኒያይ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ፈረንሳ፡ ኣማኢት ኒጀራውያን ንሓያለ ሰሙናት ተቓውሞኦም ብምስማዕ ናብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝኾነ ነገር ከይኣቱ ክኽልክሉ ጸኒሖም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ እቶም ኣብ ኣፍደገ ወተሃደራዊ መዓስከር ኰይኖም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ብዙሓት ኒጀራውያን፡ ኣብ እዋን ስግዳን፡ ኢማም ዓብደልዓዚዝ ዓብዶላየ ኣሞዱ ኣብ መንጐ ሃይማኖታዊ ስብከቶም ኒጀራውያን ህድእ ክብሉ ምኽሮም ይልግሱ ነይሮም።
ኢማም ዓብደልዓዚዝ ዓብዶላየ ኣሞዱ ኣብ መንጐ ዘረባኦም “ከምቲ ፍትሕ ሰብኣይን ሰበይትን ንኽፍጸም ግዜ ዝወስድ፡ ኒጀር ካብ ፈረንሳ ንኽትፋታሕ’ውን ግዜ ክወስደላ’ዩ ብታህዋኽ ዝኸውን ኣይኰነን” እናበሉ ክዛረቡ እንከለዉ ይስምዑ።

ኢማም ዓብደልዓዚዝ ዓብዶላየ ኣሞዱ ዘረባኦም ምስ ወድኡ፡ ‘ፈረንሳን ኒጀርን ንነዊሕ ዓመታት ጥቡቕ ምትሕግጋዝ’ዩ ጸኒሕወን ህዝቢ ኒጀር ንምንታይ’ዮም ኣብ ሕጂ በጺሖም ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ዘለዎም ሕርቃን ዝግንፍሎም ዘሎ’ ኢለ ሓቲተዮም።
“ኣብዚ ሳሕለ ሳህራ ኒጀር እታ ቀንዲ መሓዛ ፈረንሳ’ያ” ድሕሪ ምባል “ሕጂ ግን ፈረንሳ’ያ ነቲ ንሕና ንደልዮ ነገር ምቕባል ትኣብዮ ዘላ፤ ስለዚ’ዩ እዚ ወጥሪ እዚ ክህሉ ክኢሉ. . .”
“. . . ፈረንሳ ድሕሪ እቲ ዕልዋ ሰላሕ ኢላ ክትወጽእ ትኽእል ነይራ’ያ ተመሊሳ መጺኣ ከኣ ምተረዳድአት፡ ኢማንኤል ማክሮን ንምንታይ’ዩ ንሕና ይምርሑና ዝበልናዮም ሰብ መዚ ምቕባል ዝኣቢ ዘሎ? ኣብ ጋቦን፡ ጫድን ካልኦት ሃገራትን ብዕልዋ ንዝምጽኡ መራሕቲ ተቐቢልዎም፡ ንምንታይ’ዩ ነዞም ናትና ነጺግዎም? በዚ ምኽንያት ኢና ተቘጢዕና፡ ብሓቒ ፈረንሳ ደናቝር’ያ ትሓስበና” ይብሉ።

እቲ ኣመሓዳሪ ኒያመይ ኰይኑ ተመዚዙ ዘሎ ጀነራል ዓብዶ ኦሶማነ ሃሩና ምሉእ ወተሃደራዊ ልብሲ ገይሩ ጋዜጣዊ መግለጺ ንምግባር ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ናባና እናኣመልከተ “ጸዓዱ ኣይፈትዉን’ዮም ዝብሉና ሕጂ ግን ርኣዩ ብፍሱህ ገጽ ዝተቐበልናዮም ኣብ ማእከልኩም’ውን ጸዓዱ ጋዜጠኛታት ኣለዉኹም” ብምባል ዘረባኡ ጀሚሩ።
ንበይንና ኴንና ቃለመሕተት ኣብ ዘካየድናሉ፡ ህዝቢ ኒጀር ልኡላዊት፡ ብልጽግትን ሕብንትን ሃገር ክትህልዎ’ዩ ዝደሊ፤ ነዚ ከኣ እቶም ግዳማውያን ሓይልታት ክቕበልዎን ከኽብሩሉን’ዩ ዘለዎም ኢሉኒ።
እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነታ ሃገር ካብ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታን ናይ ምሕላው እኹል ሓይሊ እንተሃልይዎ ኣብ ዝሓተትኩሉ ከኣ፡ ሰራዊት ኒጀር ንህዝቡ ክከላኸል ጸኒሑ’ዩ፡ ሕጂ’ውን ብዘይሓገዝ ወጻእተኛታት ንህዝቦም ክከላኸሉ ምሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎም’ዩ ዝሕብር።
እንተዀነ፡ ገለ ነቲ ሕጂ ተተኺሉ ዘሎ መንግስቲ ዝቓወሙ ኒጀራውያን፡ ምውጻእ ሰራዊት ፈረንሳ፡ ግብረሽበራውያን ኣብ ኒጀርን ኣብ መላእ እቲ ዞባን ንኽሻድኑ ርሒብ ዕድል ክፈጥረሎም’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ኣብ ፓሪስ ዝነብር ዘሎ እድሪሳ ዋዚሪ፡ ወሃቢ ቃል ናይቲ ካብ ስልጣን ፕረዚደንትነት ብዕልዋ ዝተኣለየ መሓመድ ባዙም’ዩ ነይሩ። ብመገዲ ዙም ኣብ ዝገበርናዮ ዕላል ከኣ፡ “ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራውያን፡ ፈረንሳ፡ ኣብ ልዕሊ ግብረሽበራውያን ዓወት ንኽንጐናጸፍ ስለያዊ ሓበሬታታት ትህበና ዝነበረት ቀንዲ መሻርክትና’ያ” ኢሉ።
እድሪሳ ዋዚሪ ኣስዒቡ፡ “እዚ ሃታ ሃታ ኢልካ ሰራዊት ፈረንሳ ምውጻእ ኣብ ማሊን ኣብ ቡርኪናፋሶን ነቲ ጸጥታዊ ኵነታተን ናብ ዝኸፍአ ሸሚምዎ’ዩ፤ ኣብዚ እዋን ፈረንሳ ንዅሉ ውድቐታትናን ጸገማትናን ከም መመኻነዪ ኢና ንጥቐመላ ዘለና” ይብል።
“ፈረንሳ ጸገም ኰይናትና ኣይትፈልጥን’ያ፤ እቲ ቀንዲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ዕልዋታት መንግስቲ’ዩ፡ ንኒጀር ንድሕሪት ዝመልሳ ዘሎ” ይውስኽ እድሪሳ ዋዚሪ።

ፋሂርማን ሮድሪገ ይዅን ማናጀር ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ሳሕል ፕሮጀክት ዝተሰመየ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ጸጥታ’ዩ።
ንሱ ምውጻእ ወተሃደራት ፈረንሳ ኣብ ኒጀርን ዞባ ሳሕልን ምብሕጓግ ጸጥታ ከኸትል ይኽእል’ዩ ኢልካ ግምት ንምሃባ እቲ ግዜ ሓጺር ምዃኑ’ዩ ዝዛረብ።
ኣብታ ጐረቤት ኒጀር ዝዀነት ማሊ ወተሃደራት ሕቡራት ሃገራትን ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ምስ ወጽኡ ኣብ ሞንጎ እስላማውያን ዕጡቓትን ተቓወምቲ ወገናትን ኵናት ጀሚሩ፡ እንተኾነ ፋሂርማን ሮድሪገ ኮነ ኣብ ሞንጎ ኒጀርን ማሊን መሰረታዊ ፍልልይ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።
“ዘይከም ኣብ ማሊ፡ ወተሃደራት ፈረንሳ ኣብ ኒጀር ዝያዳ ንወተሃደራት ኒጀር ኣብ ምሕጋዝ’ዮም ዝዋፈሩ ነይሮም” ድሕሪ ምባል “ወተሃደራት ኒጀር ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራውያን እኹል ተመኵሮ ዘለዎም ሰራዊት’ዮም፤ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣንጻር ቦኮ ሓራም ብዙሕ ቃልስታት’ዩ ኣካይዱ” ይብል ፋሂርማን ሮድሪገ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ ሰራዊት ኒጀር ዳርጋ ኣብ መላእ ዶባት ሃገሮም ኣለዉ፤ ኣብ ማሊ ግን ከምኡ ከምዘይኰነ ብምሕባር፡ ኣብ ማሊ እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ኣብቲ ወተሃደራት ማሊ ዘይብሉ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ሓያለ ቦታታት ይቈጻጸሩ ከምዝነበሩ የብርህ።
ኣብ ኒጀር ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተፈጸመ ውድብ ኢኮዋስ፡ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ናብ ስልጣኑ እንተዘይተመሊሱ ኣብ ልዕሊ ኒጀር ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽም ምስ ገለጸ፡ ሃገራት ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ኣንጻር ኢኮዋስ ደው ንምባል፡ ብ 16 መስከረም ኪዳን መስሪተን።
እዘን ሰለስተ ሃገራት ዝፈጠራኦ ኪዳን ኣንጻር ግብረሽበራውያንን ግዳማውያን ሓይልታትን ብሓባር ክቃለሳ ዘኽእለን’ዩ። ፋሂርማን ሮድሪገ ኮነ ከኣ እዚ ኪዳን’ዚ ነጥበ መቐይሮ ክኸውን ከምዝኽል’ዩ ዝገልጽ።
“ኣብ መንጐ እዘን ሰለስተ ሃገራት ምትሕብባር ብዘይምንባሩ’ዩ እቶም ግብረሽበራውያን ካብን ናብን እተን ሃገራት ከም ድላዮም ዝንቀሳቐሱ ነይሮም” ድሕሪ ምባል፡ “ድሮ ብሰለስቲአን ሃገራት ዝተማእከላ ክልተ ሰለስተ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣካይደን ኣለዋ። እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ርኡይ ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ” ኢሉ።
እዚ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት እተን ክልተ ሃገራት፡ ካብ ኒጀር እዅል ተመኵሮ ንኽቐስማ ክሕግዘን ከምዝኽእል’ውን ፋሂርማን ሮድሪገ ኮነ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኒጀር ምስ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ዝተሓሓዝ ቅትለት ብ79 ሚእታዊት ኣብ ዝነከየሉ፡ ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ግን እቲ ቍጽሪ ወሲኹ’ዩ።
ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሳህራ ብእስላማውያን ዕጡቓት ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት 90 ሚእታዊት ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን’ዩ ተፈጺሙ።
ፋሂርማን ሮድሪገ ኮነ “መንግስቲ ባዙም ኣብ ኒጀር መጠን ብግብረሽበራውያን ዝፍጸም ቅትለት ክንክየሉ ዝኸኣለ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነተ ቃልሲ ህዝቢ ከምዝሳተፎን ኣብ ጐድኒ ከምዝስለፍ ስለዝገበረን’ዩ” ይብል።

እንተዀነ እዚ ሕጂ ኣብ ኒጀር ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስቲ፡ ኣንጻር ግብረሽበራውያን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ፡ ከምቲ ባዙም ዝኽተሎ ዝነበረ ኣገባብ ድዩ ክኽተል ብሕጂ ዝርአ’ዩ ክኸውን።
ባዙም ምስ ፈረንሳ ዝነበሮ ጥቡቕ ርክብ ብብዙሓት ኒጀራውያን ኣፈንፊንዎ’ዩ።
ኣብ ኒያመይ ክሳብ ክንደይ ዝዀኑ ደገፍቲ ኣለዉዎ’ውን ክትፈልጥ ኣይከኣልን’ዩ።
ንባዙም ዝድግፉ ወይ ንምውጻእ ወተሃደራት ፈረንሳ ዝቃወሙ ሰባት ንኽንረክብ ኣዚና ኢና ተሸጊርና። እቶም ዝረኸብናዮም’ውን ክመጽኦም ካብ ዝኽእል ሳዕቤናት ሰጊኦም ድምጾም ክህቡና ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።
እቶም ወተሃደራት ናይቲ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ናብ ዝኸድናዮ ምሳና ይኸዱ ስለዝነበሩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝገበርናዮ ቃለመሕተት ይሰምዕዎ ነይሮም’ዮም፡ እዚ ኸኣ ድምጺ ደገፍቲ ባዙም ንኽንረክብ ተወሳኺ ጸገም’ዩ ነይሩ።
ምውጻእ ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ኒጀር ግን መወዳእታ ኒጀር ምስ ምዕራባውያን ዘለዋ ርክብ ትበትከሉ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝርከብዎም ካልኦት ወተሃደራት ወጻኢ ኣብ ኒጀር ኣለዉ።
ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ሊሎይድ ኦስቲን ብሰኑይ ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣሜሪካ ኣብ ኒጀር ዘለዋ ወተሃደራዊ ህላወ ዝዀነ ዝቐየረቶ ነገር ከምዘየለ ገሊጹ።
እንተዀነ ነቲ ኵነታት ብምምዛንን ብሕጂ ዝወስድዎ ነገር ንዲሞክራስያውን ጸጥታውን ዕላማታቶም ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኸውን ገሊጹ።
ሳሕለ ሳህራ ቀንዲ ግንባር ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ኣብ ዝዀነሉ፡ እቲ ንኒጀር ተቘጻጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣንጻር ግብረሽበራዊ ሓይሊ ንምቅላስ ዝወስዶ ውሳነ፡ እቲ መጥቃዕትታት ዝፍጽም እስላማዊ ሓይሊ ክቝጸ ወይ ናብ መላእ እቲ ዞባ ንኸስፋሕፍሕ ወሳኒ ተራ’ዩ ክህልዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







