ስለምንታይ እዩ ዕልዋ ኒጀር ንዓለም ኣመና ዘገድስ ዘሎ?

ደገፍቲ ዕልዋ ኒጀር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ካብ ባሕሪ ኣትላንቲክ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተዘርግሐ ዞባ ሳሕል እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ንጐረባብቲ ሃገራት ኣጨኒቕወን ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝተኻየደ ዕልዋ፡ ኒጀር ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተኣለየላ ሃገር ኰይና።

እንተዀነ ኵነታት ኒጀር ንዞባ ሳሕል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል እዩ።

ምንቅስቓስ ዕጡቓት

ብምዕራባውያን ኣንጻራዊ ምርግጋዕ ከምዘለዋ ተገይራ እትቝጸር ኒጀር፡ ዕግርግርን ጎንጽን እናሓየሎ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዞባ ሳሕል፡ ካብ ውሑዳት ዝተረፋ ዲሞክራስያውያን ሃገራት እትጥቀስ ነይራ።

ኣብዚ እዋን ግን ብሰንኪ እቲ ብሓይሊ ስልጣን ዝሓዘ ጕጅለ እቲ ዝነበራ ምርግጋእ ክትስእን ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ኒጀር ኣንጻር እቶም ምስ ቦኮ ሓራምን ኣይኤስን ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ኣብ እትካይዶ ውግእ ናይ ዝሕግዙ ሰራዊት ፈረንሳን ኣመሪካን ወታሃደራዊ መዓስከራት ተደኲኖምላ ጸኒሖም።

ናይዞም ወተሃደራዊ ማእከላት ዕጫ እንታይ ከምዝኸውን ኣይተፈለጠን። ኒጀር እውን ጥጥሕቲ ባይታ ናይቶም እስላማውያን ዕጡቓት ከይትኸውን ስግኣት ኣሎ።

ምዕባይ ባህሊ ዕልዋ

ወተሃደራዊ ዕለዋ ኒጀር፡ ካብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ማሊ ክሳብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሱዳን ዝተዘርገሓ ሃገራት፡ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ መንግስታት ምውዳቐን የረጋግጽ። ኣብ ዞባ ሳሕል ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ምብዘሖም ንዲሞክራሲ እቲ ዞባ ዝጎትት እዩ።

ነዚ እዩ ድማ ዞባዊ ጕጅለ ኢኮዋስ ኣብ ልዕሊ እቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ ዕቀባታት ዘንበረን፡ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ናብ ስልጣኑ እንድሕር ዘይተመሊሱ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ዘጠንቅቕ ዘሎን።

እቲ ምንቅስቓስ ስጕምቲ ብ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ሰፊሕ ደጋፍ ረኺቡ ኣሎ።

እናዓበየ ዝመጽአ ጽልዋ ሩስያ

ድሕሪ እቲ ኣብ ሃገራት ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝተኻየደ ዕልዋ፡ እተን ሃገራት ምስ ሩስያ ጥቡቕ ምሕዝነት መስሪተን። ኣብ ኒጀር ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጕጅለ እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስድ ከምዝኽእል የመላኽት።

ሩስያ ኣብቲ ኣብ ኒጀር ዝተኻየደ ዕልዋ ተሳቲፋ እንተዀይና ዘርእይ ዝዀነ መረዳእታ የለን።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሩስያ እውን ፕረዚደንት ባዙም ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሕ ክግበረሉን እዩ ጸዊዑ።

እንተዀነ፡ ደገፍቲ መንግስቲ ሩስያ ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃንን ናይ ቴሌግራም ቻነላትን እናቐረቡ ነቲ ዕልዋ ክድግፍዎ ተራእዮም።

ደገፍቲ ዕልዋ ዜጋታት፡ ባንዴራ ሩስያ እናንበልበሉ ንባዕዳዊት ገዛኢቶም ዝነበረት ፈረንሳ ብሰላማዊ ሰልፊ ወጊዞም።

ሩስያዊ ዕሱብ ጉጅለ ዋግነር ጽልውኡ ናብ ኒጀር እውን የስፍሕ ኣሎ ዝብል ሻቕሎት ወሲኹ።

ኒጀር ኣሰር ጐረባብታ ስዒባ ናብ ሩስያ ብፍላይ ድማ ጕጅለ ቫግነር እንተተጸጊዓ፡ መጥቃዕቲታት፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጉሕለት መዓድናትን ከይውስኽ ይስጋእ።

ጭርሖ ዝተሰከመ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዩራንየም ኣብ ኢድ 'ጸላእቲ' ክኣቱ ይኽእል

ኒጀር፡ ሓሙሽተ ሚእታዊት ቀረብ ናይቲ ንኑክሊየር መስርሒ ዝውዕል መዓድን ዩራንየም ተፍሪ። ኤጀንሲ ኑክሊየር ሕብረት ኣውሮጳ ( ዩራቶም) ከምዝገለጾ ኣብ ዝሓለፈ ተፈጥሮኣዊ ዩራንየም ናብ ኣውሮጳ ሰደድ ብምግባር ካልኣይቲ ነይራ። ኣስታት 15 ምኢታዊት ቀረብ ዩራንየም ፈረንሳ እውን ካብ ኒጀር እዩ ዝመጽእ።

ኒጀር ናብ ኣውሮጳ ሰደድ ምግባር እንተኣቋሪጻ፡ ትካላት ጻዓት ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ቀረብ ስለዝኸዘና፡ ኣብ ምህርቲ ጸዓት ንግዚኡ ዘምጸኦ ጕድኣት ከምዘየለ ዩራቶም ይገልጽ።

እንተኾነ ኣባል ሃገራት ኢኮዋስ ኮና ምዕራባውያን እዚ ንወተሃደራውን ሲቪላውን ረብሓ ዝውዕል መኣድን፡ ኣብ ኢድ እስላማውያን ዕጡቓትን ቫግነርን ክኣቱ ኣይደልያን።

ቅልውላው ስደት

መንግስቲ ፕረዘደንት ባዙም ብማእከላይ ባሕሪ ዝግበር ስደት ኣብ ምዕጋት ምስ ሃገራት ኣውሮጳ እናሰርሐ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲታት ሊብያ ኣማኢት ስደተኛታት ክወስድ እውን ተሰማሚዑ ነይሩ።

ኣብታ ሃገር ዝነበረ ቀንዲ ሰንሰለት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ እውን ክፈርስ ገይሩ።

እቲ ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ጕጅለ ስዒቡ፡ ብፍላት ሃገራት ፈረንሳን ብሪጣንያን ነታ ሃገር ዝገብረኦ ሓገዝ ደው ከምዘብላ ድሕሪ ምግላጸን፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ጥቡቕ ቍጽጽር ዘይክገብር ይኽእል።

እዚ ድማ መጠን ዋሕዚ ናብ ኣውሮጳ ዝግበር ጉዕዞ ክውስኽ ከምዝኽዝል ሻቕሎት ኣሎ።