ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝሰግአ ጕጅለ ዕልዋ ኒጀር ንክሊ-ኣየር እታ ሃገር ዓጽዩ

መራሕቲ ዕልዋ ኒጀር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራዊ መራሕቲ ኒጀር ብሰንበት ደገፍቶም ኣብ ዘዳለዉዎ ሰልፊ ተራእዮም

ጐረባብቲ ሃገራት ክፍጽማኦ ካብ ዝኽእላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝሰግኡ መራሕቲ ዕልዋ ኒጀር፡ ክሊ-ኣየር እታ ሃገር ንዘይተወሰነ እዋን ዓጽዮም።

መስመር በረራታት ዝቘጻጸር ፍላይት ራዳር-24፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሰማያት ኒጀር ዝንቀሳቐሳ ነፈርቲ ከምዘየለዋ የመልክት።

ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኢኮዋስ፡ ፕረዚደንት ባዙም ክሳብ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ናብ ስልጣኑ እንተ ዘይተመሊሱ ሓይሊ ክጥቀም ከምዝኽእል ኣጠንቂቝ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል እቲ ዕልዋ ዘካየደ ጕጅለ ብወገኑ፡ ሓይልታት ኒጀር ሃገሮም ንምክልኻል ድሉዋት ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

መሓመድ ባዙም 26 ሓምለ እዩ በቲ ኣዛዚ ሓለዋ ፕረዚደንት ዝነበረ ጀነራል ዓብዱራሕማነ ቲችያኒ ተኣሲሩ። ድሕሪ እቲ ዕልዋ ቲችያኒ፡ ባዕሉ መራሒ እታ ሃገር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዕልዋ ኒጀር ካብታ ባዕዳዊት ገዛኢታ ዝነበረት ፈረንሳ ሓዊሱ ካብ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ'ሎ።

ወኪል እቲ ጕጅለ ዕልዋ ብሰንበት ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ “ደጋዊ ሓይሊ” ኣብ ልዕሊ ኒጀር መጥቃዕቲ ንምፍጻም ምድላው ይገብር ከምዘሎ ሓበሬታ ረኺብና ኢሉ።

ወተሃደራዊ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢኮዋስ ድሕሪ ኣኼባ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበዎ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ክውሰድ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ዝርዝር ትልሚ ከምዘውጽኡ ኣፍሊጦም።

ኮምሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ድሕነትን ጸጥታን ኢኮዋስ ዓብደልፋቱ ሙሳ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ስጕምቲ “ዘድሊ ወጻኢታት፡ መዓስን ከመይን ሰራዊት ከምዝዋፈርን” ዝኣመሰሉ ጉዳያት ከምዝተወሰኑ ገሊጹ።

“ዲፕሎማሲ ክሰርሕ ኢና እንደሊ፤ ከምኡ ድማ ነቲ ዝፈጸምዎ ከዐርዩ ነፍስወከፍ ዕድል ንህቦም ከምዘለና፡ እዚ መልእኽቲ ብግልጺ ክበጽሖም (ነቶም ዕልዋ ዘካየዱ) ንደሊ።”

እቲ ጕጅለ ዕልዋ ክሳብ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ብኣቆጻጽራ ኒጀር፡ ስልጣን ክመልስ ቅድሚ ሰሙን ገደብ ግዜ ሂቦምዎ ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ እዋን ግን ሓሊፉ ኣሎ።

ኢኮዋስ፡ ናይጀርያ፡ ሰኔጋል፡ ቶጎን ጋናን ናይ ዝርከበአን 15 ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ቍጠባዊ ሕብረት እዩ።

መራሕቲ ጕጅለ ዕልዋ ዛጊት ዝኾነ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ድልየት ዘየርኣዩ ኮይኖም፡ ብኣሻሓት ዝቍጸሩ ደገፍቶም ድማ ነቲ ብዕልዋ ዝሓዝዎ ስልጣን ከረክቡ ዝግበር ዘሎ ድፍኢት ብምቅዋም፡ ብሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ጎረባብቲ ሃገራት ቡርኪናፋሶን ማሊን፡ ኣብ ልዕሊ ኒጀር ዝግበር ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነት፡ ኣብ ልዕሊአን “ኵናት ከም ምእዋጅ” ከምዝቘጽራኦ ኣጠንቂቐን ምንባረን ይዝከር። ክልቲአን ሃገራት ኣባላት ኢኮዋስ ኰይነን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝተገብረ ዕልዋ ካብቲ ሕብረት ተኣጊደን እየን።

ኣብ ምስራሕ ኑክሊየር ዘገልግል ዩራንየም ዝተባህለ ማዕድን ብበዝሒ እተፍሪ ኒጀር፡ ኣብ ዘበነ ስልጣን መሓመድ ባዙም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ቀንዲ መሓዛ ምዕራባውያን ኰይና ዝጸንሐት እያ።