ቅልውላው ኒጀር፡ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ቀንዲ ዘተሓሳስቦም ኣካላት መን እዮም?

ጀነራል ዓብዱራህማነ ትቺያኒ ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም

ብጀነራል ዓብዱራህማነ ትቺያኒ ዝምራሕ ዕልዋ መንግስቲ ንፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም ካብ ስልጣኑ ምእላዩ ስዒቡ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ዞባዊ ቅልውላው ኣትያ ኣላ።

ኣብቲ ዞባ ካልእ ወተሃደራዊ ጁንታ ናብ ስልጣን ምምጽኡ፡ ኣብቲ ሕጽረት ጸጥታን ብእስላማዊ ዕጡቕነትን ዝተሃስየ ዞባ ዝያዳ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ስግኣት ኣሎ።

እቲ ዕልዋ መንግስቲ ግን ካብቲ ከባቢ እውን ኣዝዩ ርሒቑ ጽልዋ ዘለዎ እዩ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ብሰፊሑ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ምኹናን ሓደ ኰይኑ ይርከብ።

ስለዚ ኣብዚ ቅልውላው ቀንዲ ዘተሓሳስቦም እንመን እዮም? እንታይ ስግኣት ሓደጋታትከ ከስዕብ ይኽእል?

ቀንዲ ዘተሓሳስቦም መን እዮም?

ቀንዲ ዘተሓሳስቦም መን እዮም

ጀነራል ዓብዱራሕማነ ትቺያኒ

ቀንዲ ዘተሓሳስቦም ጉዳይ

ካብ 2011 ጀሚሩ ኣዛዚ ሓለዋ ፕረዚደንት ኰይኑ ዝጸንሐ ወዲ 62 ዓመት ጀነራል ትቺያኒ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ ፕረዚደንት ነበር ማሃማዱ ኢሶፉ እዩ።

ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ድማ ንገዛእ ርእሱ መራሒ ሓድሽ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኒጀር ገይሩ ሸይሙ ኣሎ።

ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወት፡ ትምህርቲ ወይ ወተሃደራዊ ሞያ ትቺያኒ ዝምልከት ሓበሬታ ብግልጺ የለን፤ እንተዀነ ኣብ 2015 ኣብ ልዕሊ ኢሶፉ ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብዝምልከት ኣብ ማዕከናት ዜና ኒጀር ብተደጋጋሚ ይጥቀስ።

ትቺያኒ ኣብ 2018 ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነቲ ክሲ ዝነጸገ ክኸውን ከሎ ካብ ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ድማ ነጻ ተባሂሉ እዩ።

ትቺያኒ ብ2 ነሓሰ ኣብ ተሌቪዥን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ ሰራዊት ነቲ ፕረዚደንት ባዙም ናብ ስልጣን ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ዞባዊ ጸቕጢ ኢዱ ከም ዘይህብ ገሊጹ።

ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም

ባዙም

ፕረዚደንት ባዙም ነቲ ካብ 2011 ክሳብ 2021 ነታ ሃገር ዝመርሐ ማሃማዱ ኢሱፉ ተኪኡ ብ2 ሚያዝያ 2021 ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ባዙም ቀንዲ መሻርክቲ ምዕራባውያን ኰይኑ፡ ብ26 ሓምለ 2023 ብወተሃደራዊ ጕጅለ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ተዓዘብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኒያመይ ኣብ ዝርከብ ገዛኡ ተኣሲሩ ከምዘሎ ይኣምኑ። ምምሕዳር ባዙም፡ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሉ ዝካየድ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ኣብ ዝተገብረ ፈተነ ምስ ሃገራት ኣውሮጳ ተሻሪኹ ነይሩ።

ካብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ክመልስ ተሰማሚዑ፤ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ምዕራብን ሰሜንን ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከቡ ወሰንቲ መተሓላለፊ ቦታታት ዝነጥፉ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ’ውን ወፍሪ ኣካይዱ እዩ።

ሕጂ ግን ምምሕዳር ባዙም ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ እዚ ኣጠራጣሪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሰራዊት ኒጀር

ሰራዊት ኒጀር

ሰራዊት ኒጀር፡ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ጸጥታን "ድኹም ቍጠባውን ማሕበራውን ምሕደራ" እታ ሃገር ብምጥቃስ መንግስቲ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ካብ ስልጣኑ ምእላዩ ደጊፉ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣንጻር ዝዀነ ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣጠንቂቝ ኣሎ።

ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ሃገር ዝበሃል ጁንታ መስሪቶም እዮም።

ሓላፊ ሰራዊት ኒጀር ዓብዱ ሲዲኮ ዒሳ፡ "ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ደማዊ ግጭት ንኸይፍጠር" ተኣማንነት እቲ ሰራዊት ነቶም ንባዙም ዝኣለዩ ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ከም ዝኣወጀ ገሊጹ።

ምንቅስቓስ ኤም-62

ጕጅለ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ኒጀር፡ ኣብ መፋርቕ 2022፡ መንግስቲ ባዙም፡ ሓይልታት ባርካን ፈረንሳ ካብ ማሊ ክወጹ ምስተኣዘዙ ኣብ ኒጀር ዳግማይ ክውፈሩ ድሕሪ ምጽዳቝ፡ ጸረ ፈረንሳ ተቓውሞታት ከጋድድ ጀሚሩ።

ኣንጻር ድኹም ምሕደራ፡ ናህሪ ወሰኽ ዋጋታት መነባብሮን ህላወ ሓይልታት ፈረንሳን ዝቐረቡ ጻውዒታት መሪሖም።

ብኤም-62 ዝተወጠኑ ተቓውሞታት ብሰበስልጣን ኒጀር ተኣጊዶም ወይ ብሓይሊ ተዓፊኖም፤ መራሒኣ ዓብዱላየ ሰይዱ ድማ ኣብ ሚያዝያ 2023 "ህዝባዊ ስርዓት ብምዝራግ" ን9 ኣዋርሕ ተኣሲሩ።

እቲ ጕጅለ፡ ፕረዚደንት ባዙም ምስ ተኣለየ ዳግማይ ህይወት ዝዘርአ ይመስል፤ ኣብ ርእሰ ከተማ ኒያመይ ዝወደቦም ሰልፍታት ድማ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝድግፉ እዮም።

ጐረባብቲ ሃገራት

ጎረባብቲ ሃገራት

ቡርኪናፋሶ

ጐረቤት ሃገር ኒጀር፡ ኣብ ጥሪን መስከረምን 2022 ክልተ ዕልዋ መንግስቲ ኣጋጢምዋ ነይሩ።

ወተሃደራዊ መራሕቲ እታ ሃገር፡ ኣንጻር መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ዝግበር ዝዀነ ይዅን ወተሃደራዊ ምትእትታው፡ ከም ኣብ ልዕሊ ቡርኪናፋሶ "ዝተኣወጀ ኲናት" ከም ዝቝጸር ኣጠንቂቘም ኣለዉ።

ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ቡርኪናፋሶ፡ ነቲ "ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰበስልጣንን ኒጀር ዝተነብረ ዘይግቡእ፡ ዘይሕጋውን ኢሰብኣውን እገዳ" ከም ዘይትግብሩ ገሊጾም’ዮም።

ቡርኪናፋሶ ዕልዋ መንግስቲ ካብ እትገብር ንደሓር፡ ገጻ ናብ ሩስያ ኣቕኒዓ ትርከብ።

ማሊ

ካልእ ጐረቤት ሃገር ኒጀር ዝዀነት ማሊ’ውን ኣብ ግንቦት 2021 ዕልዋ መንግስቲ ኣጋጢምዋ’ዩ። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስታ ድማ ምስ ቡርኪናፋሶ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ዝድግፍ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

መሪሕነት ማሊ፡ ኣንጻር ኒጀር ዝግበር ዝዀነ ይዅን ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ሃገራት "ምስ ዝእወጅ ኲናት ዝመጣጠን" ምዃኑን "ንመላእ እቲ ዞባ ከናውጽ " ዝኽእል "ኣዕናዊ ሳዕቤን" ክህልዎ ከም ዝኽእልን ይገልጽ።

ማሊ ብሩስያ ትድገፍ ኰይና ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ከም ቡርኪናፋሶ ምስ ክረምሊን ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ መስሪታ ኣላ።

ናይጀርያ

ሓድሽ ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ ኣቦ መንበር ኢኮዋስ እዩ። ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ድማ ሓደ ካብቶም ክምክቶም ዝግብኡ ቀዳሞት ዓበይቲ ብድሆታት ፖሊሲ ወጻኢ ክኸውን እዩ።

ናይጀርያን ኒጀርን ኣብ መንጐአን 1500 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ዶብ ስለዝሻረኻ ድሕነት ክልቲአን ሃገራት ዝተኣሳሰረ እዩ።

ቲኑቡ ኣብ 1980ታት ኣብ ናይጀርያ ኣንጻር ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ተሳቲፉ ነይሩ። ንገዛእ ርእሱ ድማ ከም ዲሞክራስያዊ እዩ ዝርኢ።

"እዚ [ዕልዋ መንግስቲ] ከም ጸርፊ ኣንጻር መረጋገጺ ዲሞክራስያዊነቱ ዝረኣዮ ይመስለኒ፡ ብፍላይ ኣብዚ ኣቦ መንበርነት ኢኮዋስ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን" ይብል ኣብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ጸጥታ ዝሰርሕ ናይጀርያዊ ተንታኒ ዎለ ኦጀዋለ።

ቲኑቡ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ቪላኡ ዋዕላ መራሕቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብምጽዋዕ፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ቅልጡፍ ምላሽ ሂቡ’ዩ።

ሃገሩ ድማ፡ ከም ኣካል ናይቲ ብኢኮዋስ ዝተገብረ እገዳ፡ ንኒጀር እትህቦ ዝነበረት ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቈሪጻ እያ።

ጫድ

ጫድ

ጫድ ኣባል ኢኮዋስ ኣይኰነትን፤ መራሒ እታ ሃገር ማሃማት እድሪስ ደቢ ኢትኖ ግን ናብ ኒጀር ብምኻድ፡ እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ፕረዚደንት ባዙም ናብ ስልጣኑ ንኽምለስ ካብቲ ዞባዊ ውድብ ዝተወሃበ መጠንቀቕታ ክሰምዕ ተማሕጺኑ።

እድሪስ ደቢ ንባዕሉ ሓያል ወተሃደራዊ መራሒ ብምዃኑ፡ ምስ መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ርክብ ክፈጥር ዝኽእል ምቹእ መንጐኛ ኰይኑ እዩ ዝረአ።

ዞባዊ ውድብ - ኢኮዋስ

ኢኮዋስ

ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ብምዅናን ሓደስቲ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኒጀር ንፕረዚደንት ባዙም ናብ ስልጣን ንኽመልሱ ካብ 30 ሓምለ ጀሚሩ ሓደ ሰሙን ሂቡዎም ኣሎ። እዚ እንተዘይተፈጺሙ ድማ ወተሃደራዊ ምላሽ ከም ዝህብ ኣጠንቂቝ’ዩ።

ብተወሳኺ ኢኮዋስ ኣብ ልዕሊ ኒጀር እገዳ ኣንቢሩ እዩ። እዚ ድማ ኵሉ ፋይናንሳዊ መስርሕን ሃገራዊ ንብረትን ምዕጋት የጠቓልል።

ኣንጻር እቲ ኣብ ኒጀር ዕልዋ ዝፈጸመ ጁንታ፡ ወተሃደራዊ ኣማራጺ ምውሳድ፡ "ናይ መወዳእታ ኣማራጺ" ክኸውን'ዩ ክብል ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ኢኮዋስ ዓብደልፋታው ሙሳህ ኣመልኪቱ።

ካልኦት ሃገራትን ሓይልታትን

ጕጅለ ቫግነር

ቫግነር

መራሒ ወተሃደራዊ ጕጅለ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዥን፡ ነቲ ዕልዋ ከም ዓወት ከምዝገለጾ ይንገር።

"ኣብ ኒጀር ዘጋጠመ ነገር፡ ህዝቢ ኒጀር ምስ መግዛእቱ ዝገበሮ ቃልሲ እምበር ካልእ ኣይኰነን" ከም ዝበለ ኣብቲ ምስ ቫግነር ዝተኣሳሰረ ቻነል ተሌግራም ተጠቒሱ’ዩ፤ ርእይቶታቱ ግን ብናጻ ኣይተረጋገጸን።

ቫግነር ኣብ ኒጀር ሕማቕ ጽልዋ ኣሕዲሩ ተባሂሉ ይኽሰስ። ፕረዚደንት ባዙም ቅድሚ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ቫግነር ኣንጻር መንግስቱ፡ "ናይ ሓሶት ሓበሬታን ጎስጓሳትን" ከምዘካየደ ጥርዓን ኣቕሪቡ ነይሩ።

እንተዀነ ኣሜሪካ፡ ሓይልታት ቫግነር ኣብ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ኢድ ከምዝነበሮም ዝሕብር ምልክት ከም ዘየለ ገሊጻ እያ።

ሩስያ

ሩስያ፡ ኵነታት ኒጀር "ጠንቂ ከቢድ ስክፍታ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኵሎም ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናት ኣደብ ክገብሩ ጸዊዓ።

ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ፡ "ሲቪላዊ ሰላምን ልዕልና ሕግን ንምምላስ ዝዓለመ ሃገራዊ ዘተ" ክህሉ ኣገዳሲ'ዩ ኢላ።

ገለ ደገፍቲ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣብ ጐድኒ ባንዴራ ኒጀር ባንዴራታት ሩስያ ከወዛወዙ ተራእዮም እዮም። ሕጂ ኣብ ምዕራባውያን ተዓዘብቲ፡ ሓድሽ መሪሕነት ኒጀር ኣሰር ማሊ ክስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ተፈጢሩ ኣሎ፤ ቡርኪናፋሶ ድማ ካብ ምዕራባውያን መሓዙት ሃገራት ርሒቓ ናብ ሩስያ ትቐርብ ከም ዘላ ይፍለጥ።

ፈረንሳ

ተራ ፈረንሳ

ቅድሚ ሕጂ ገዛኢት ኒጀር ዝነበረት ፈረንሳ፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት 1500 ሰራዊት ኣለዋ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ፡ ሓይልታታ ንምዕቃብ ናብ ኒጀር ገጻ ኣቕኒዓ። ፈረንሳ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ብትሪ ኮኒናቶ እያ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፡ ፕረዚደንት ባዙም መራሒ ኒጀር ምዃኑን ነቶም ሓደስቲ መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣፍልጦ ከም ዘይህብን ይገልጽ።

ፈረንሳ፡ "ኣብ ኒጀር ቅዋማዊ ስርዓትን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ሲቪላዊ መንግስትን ብቕልጡፍ ክምለስ ዝጽውዕ ንጹር ጠለባት ማሕበረሰብ ዓለም ብሓያል ቃላት ደጊማ ተረጋግጽ" ክብል ወሲኹ።

ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ ሰባስቲያን ለኮርኑ፡ ልዕሊ 1000 ፈረንሳውያን ዜጋታትን ካልኦት ኣውሮጳውያንን ካብ ኒጀር ከም ዝወጹ ገሊጹ ኣሎ።

ኣመሪካ

ኣመሪካ

መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ብትሪ ይዅንን። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እቲ ፕረዚደንት ብቕልጡፍ ክፍታሕ’ውን ጸዊዑ እዩ።

ኣመሪካ ኣብ ኒጀር ኣስታት 1000 ወተሃደራት ዘለዋ ኰይና፡ ካብ 2013 ጀሚራ ድማ ንጻዕርታት ጸረ-ሽበራ ንምድጋፍ ኣብኡ ሓይልታታ ኣስፊራ እያ።

ኣመሪካ ካብ ከተማ ኣጋደዝ ወጻኢ፡ ስርሒታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተካይደሉ መደበር ኣየር ኣለዋ። ኣጋደዝ ካብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ኒያመይ ልዕሊ 500 ማይልስ ርሒቓ ትርከብ።

ኣመሪካ ኣብ ኒጀር ዝርከብ ኤምባሲኣ ብኸፊል ክወጾ ከም ዝኣዘዘት'ውን ተገሊጹ እዩ።

ጀርመን

ጀርመን ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ኒያመይ ቤት ትምህርቲ ምክልኻል ኣለዋ።

ንማእከላይ መንግስቲ ኒጀር ዝህቦ ዝነበረ ኵሉ ቀጥታዊ ደገፍ ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ ዝወሃብ ደው ከም ዘበለት ገሊጻ እያ።

ጀርመን እውን ብመሰረት ምዕባለ እቲ ቅልውላው ተወሳኺ ስጕምትታት ክትውሰድ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን፡ ነቲ ኣብ ኒጀር ዘሎ ፍጻመታት ብ"ኣዝዩ ዓቢ ስክፍታ" ይከታተሎ ከም ዘሎ ይገልጽ።

ቱርኪ

ቱርኪ

ቱርኪ ኣብ 1967 ምስ ኒጀር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ካብ እትምስርት ኣትሒዛ፡ ምስታ ሃገር ዘለዋ ርክብ እናጠናኸረት ትርከብ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ኒያመይ ኤምባሲ ቱርኪ ካብ ዝኽፈት ንደሓር፡ 29 ክልተኣዊ ስምምዓት ከምዝተፈረሙን ኣብ መንጐ ክልቲአን ዝካየድ ዋጋ ንግዲ ኣብ 2019፡ 72 ሚልዮን ዶላር ከም ዝበጽሐን ገሊጹ እዩ።

ቱርኪ ንኒጀርን ማሊን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምኡ’ውን ልምዓታዊ ሓገዝ ኣበርኪታ እያ። ኣብ 2021 ብዝተፈጸመ ውዕል ኣጽዋር፡ ኒጀር ሽዱሽተ ናይ ቱርኪ ባይራክታር ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተቐቢላ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ውሽጢ ዕጡቕ ሓይልታት ኒጀር ብሓደ ጕጅለ ዝተፈጸመ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብዓሚቕ ስክፍታ ንከታተሎ" ኢሉ።

ዓለምለኸ ትካላት

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ኵሎም ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኰኒኖምዎ ኣለዉ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሰራዊት ኒጀር ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ናብ መዓስከር ክምለስ ጸዊዑ። ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ኣብታ ሃገር ኵሉ ጸጥታዊ ስርሒታት ኣቋሪጹ ኣሎ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ባዙም ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ፡ ሓደስቲ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኒጀር ብዘይ ቅድመ ኵነት ክፈትሕዎ ሓቲቱ ኣሎ።