ቫግነር ኣብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ሞት ፕሪጎዥን መፃኢኡ እንታይ ክመስል'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
* ብዶክተር ኣሌክስ ቫይንስ
የቭገኒ ፕሪጎዥን፡ ብረት ተሓንጊጡ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑን ብድሕሪቱ ምድረበዳ እናተረኣየ ንኣፍሪቃ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ።
ቫግነር ጉጅለ ዕሱባት "ንሩስያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣህጉር ዝያዳ ክትብርኽ - ኣፍሪቃ ድማ ዝያዳ ነጻ ክትከውን ይገብር ኣሎ" ብምባል "ፍትሕን ሓጎስን ንሃገራት ኣፍሪቃ" ከም ዝምነ ኣዊጁ።
እቲ ኣብ ማሊ ዝተቐድሐ እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ቪድዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ እዩ ተዘርጊሑ።
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግን መራሒ ቫግነር ኣብ ሩስያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ከም ዝሞተ ተገሊጹ።
መጻኢ ትልምታት ቫግነር ኣብ ኣፍሪቃ እንታይ ክኸውን’ዩ?
ቫግነር ኣብ ሓያሎ ሃገራት እታ ኣህጉር - ብፍላይ ድማ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ን ማሊን - ንጡፍ ምንባሩ ይፍለጥ።
ንብዙሓት መንግስታት ኣፍሪቃ ግን ሞት ፕሪጎዥን ምእዋጁ ሩፍታ ዝፈጥር እዩ።
ስርሒታት ቫግነር ነጻነት ዝዝርግሑ ከም ዘይኰኑን ናይ ወጻኢ ዕሱባት ምጥቃም ድማ ንብዙሓት መንግስታት መሕፈሪ ምዃኑ ዝማጎቱ ነይሮም እዮም - ሕዚ ድማ ሞት ፕሪጎዥን መዘኻኸሪ ናይቲ መሪር ሕሉፍ እዩ ይብሉ።
ዝሑል ኲናት ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ብፍላይ ድማ ናጽነት እታ ኣህጉር ስዒቦም ዝመጸ ግጭታት ሓድሕድን ዓመጽን ንምጽላው፡ ዕሱባት ሓይልታት ብቐጻሊ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ነይሮም እዮም።
ገለ ካብዚኦም ኮሎኔል ካላን ኣብ ኣንጎላ፡ ቦብ ዲናርድ ኣብ ኮንጎ ካታንጋን ድሒሩ ድማ ኣብ ኮሞሮስ፡ ማይክ ሆረ ኣብ ካታንጋ ድሒሩ ድማ ኣብ ሲሸልስ፡ ኣሜሪካዊ ሮበርት ማከንዚ ኣብ ሴራሊዮንን ከምኡ’ውን እንግሊዛዊ ሳይሞን ማን ኣብ 2004 ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ዘካየዶ ዝፈሸለ "ዕልዋ መንግስቲ" ይርከብዎም።
እዞም ኩሎም ተልእኾታት ዘሕፍሩ ታሪኻት እታ ኣህጉር እዮም።
ብፕሪጎዥን ዝምራሕ ቫግነር ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሮ ኣሰር ኣብ ደምን ስንቅን ዝተሃንጸ እዩ - ወተሃደራዊ ደገፍ ንምርካብ ከም ክፍሊት ክቡር ጸጋታት ሃገር ዝህቡ ውዕላት ይግበሩ ነይሮም።
ንኣብነት ቅድሚ ኣስታት 20 ዓመት ኣቢሉ ናይ ብሕቲ ወተሃደራዊ ኩባንያታት (ፒኤምሲስ) ኣብታ ኣህጉር ኣገልግሎት ድሕንነትን ስልጠናን ይህቡ ፤ ምሕደራ ዕደናታት፡ ነዳድን ካልኦት ጸጋታትን ድማ ከም ክፍሊት ይረኽቡ።
ዓወቶም ከከም ዓሚልን ውዕልን ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ ነይሩ።
ቫግነርን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ስርሒታዊ ኣካይዳን እውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ 2019 ኣብ ሞስኮ ዝነበሩ ገለ ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ሞዛምቢክ ምስ ዝተፈፀመ ዘይዕውት ተልእኾ ብዝተኣሳሰር በሰላ ዘትረፉ ኰይኖም፡ ካሕሳ ንክወሃቦም ድማ ይሓቱ ነይሮም።
እዚ ድማ ኣንፃር እታ ብፕሪጎዥን ተመዊላ ኣብ ታሕሳስ 2022 ኣብ ደጋፊ ክረምሊን ዝዀነ ቻነል ኤንቲቪ ንፈለማ እዋን ዝተራእየት ‘ግራኒት’ ዘርእስታ ፊልም እዩ። እዛ ፊልም፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሞዛምቢክ ምስ እስላማዊ መንግስቲ ዝተኣሳሰሩ ዕጡቓት ንምምካት ዝተዓደሙ ጉጅለ ሩስያውያን ጀጋኑ "ወተሃደራዊ መምህራን" እያ ትገልጽ።
ቫግነር ኣብ ሊብያ፣ ሱዳን፣ ማሊን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ዘካየዶም ስርሒታት፡ ዝተሓዋወሰ ውፅኢት ከም ዘምፀኡ ይፍለጥ።
ምናልባት ቫግነር ዝረኸቦ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ዓወት፡ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ዝተፈፀመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምፍሻሉን ከም ጉጅለ ሓለዋ ፕረዚደንትነት ኰይኑ ምስራሑን ክኸውን ይኽእል።
እቲ ከቢድ ውድቀቱ ድማ፡ ምናልባት ኣብ ሞዛምቢክ እዩ። ቫግነር ኣብ መስከረም 2019 ንጸረ-ናዕቢ ስርሒታት ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ግን ብጌጋ ምስ ገዛእ ወገኑ ብዝተኸፈተ ተኹሲ 7 ኣባላቱን 20 ፍሉያት ሓይልታት ሞዛምቢክ ቀቲሉ፤ ነዚ ስዒቡ ኣብ መጀመርታ 2020 ካብታ ሃገር ስሒቡ።
ቫግነር ኣብ ማዳጋስካር፡ ሞዛምቢክ ወይ ዛምብያ ኣብ ዝተኻየዱ መረፃታት ዓወት ንምምጻእ ካብ ዝገበሮም ፃዕርታት፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝዓሞቐ ጸረ ምዕራባዊ ስምዒት ዘተባብዑ ኣብ ናይ ሓሶት ዜናታትን ሓበሬታታትን ዝያዳ ውጽኢታዊ ኰይኖም እዮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ሱዳንን ማሊን ዝያዳ ወተሃደራዊ ንጥፈታት እናካየደ ይርከብ።
ቫግነር ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ህላወ ኣለዎ፤ ኣገልግሎት ፀጥታ ይህብ፡ ንሕድገታት ዕደና ወርቂ ድማ ይከታተል።
ሚኒስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ፡ ቫግነር ኣብ ቀረባ እዋን’ውን ንሓይልታት ህፁፅ ደገፍ ሱዳን ካብ ምድሪ ናብ ኣየር ዝውንጨፉ ሚሳይላት ከቕርብ ፀኒሑ’ዩ ክብል ይኸስስ።
ኣብ መስከረም 2021፡ ጁንታ ማሊ ምስ ቫግነር ናይ ፀጥታ ስምምዕ ገይሩ፤ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ቫግነር ብ10.8 ሚልዮን ዶላር ወርሓዊ ክፍሊት 1000 ኣባላቱ ኣዋፊሩ’ዩ።
ጉጅለ ቫግነር ኣብ ፀረ-ሽበራ ዘመዝገቦ ኣፈፃፅማ ትሑት እዩ፤ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ማሊ ኣባላቱ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈፀሙ ዝገልፁ ክስታት ኣለዉ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ማሊ ምውፋሩ ካብቲ ዞባን ሕብረት ኣፍሪቃን ነቐፌታ እኳ እንተ ኣስዓበ፡ ቫግነር ግን ገና ስርሓቱ ናብ ቡርኪናፋሶ ንምስፋሕ ክፅዕር ፀኒሑ’ዩ።
ቡርኪናፋሶ ሓንቲ ካብተን ካብ ሩስያ ነፃ እኽሊ ዝረኽባ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።
ኣብ መስከረም 2022 ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተፈፀመ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ካፕቴን ትራኦረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ምስ ሓዘ፡ ነዊሕ ከይፀንሐ ፕሪጎዥን "ናይ ብሓቂ ተባዕ ወዲ ሃገር" ክብል ገሊጽዎ።
ብኣፍሪቃ ዝምራሕ ስጉምትታት ፀጥታ ክውሰዱ ምድፋእ
መራሒ ቫግነር፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኒጀር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ’ውን ዝነኣደ ክኸውን ከሎ፡ ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ንምፍጣር ኣገልግሎት ፀጥታ ከቕርብ ድልው ምዃኑ ገሊጹ’ዩ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ሩስያ ዘካየዶ ፍሹል ናዕቢ ግን፡ ቫግነር ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካይዶም ስርሒታታ ዝነበሮ ምቁጽጻር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከም ዝበሎ፡ ፕሪጎዥን ኣብ መዓልቲ ሞቱ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ሩስያ ተመሊሱ ኣብ ሞስኮ ምስ ሰበስልጣን ሩስያ ክራኸብ መደብ ነይርዎ። ንሱ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ስም ምሉእ ብምሉእ ብመንግስቲ ሩስያ ከይውሰድ ይፅዕር ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ፑቲን ንፕሪጎዥን ንፉዕ ክብል’ዩ ገሊጽዎ።
"[ንሱ] ኣብ ሃገርና ከምኡ’ውን ኣብ ወፃኢ ሃገራት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሰሪሑ'ዩ። ብነዳዲ፣ ጋዝ፣ ብኽቡር ሓጺን'ዩ ሰሪሑ" ይብል ፑቲን።
ተሓለቕቲ-ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ እቶም ዕሱባት ዝነበሮም ስክፍታታት፡ ኣብቶም ኣብ 1960ታት ዝነበሩ ግጭታት ምውጋድ መግዛእቲ ስዒቡ’ዩ ዝጅምር።
ውዕል ዕሱባት ኣፍሪቃ ኣብ 1977 ኣብ ሊብሬቪል ተፈሪሙ፤ ኣብ ሚያዝያ 1985 ድማ ተግባራዊ ኰይኑ።
እቲ ውዕል፡ ዕሱባት ሰራዊት ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምሉእ ብምሉእ ክወፅኡ ዝፅውዕ’ዩ።
እዞም ስምምዓት ውጽኢታዊ ዘይኰኑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ እንተዀነ ግን ቁፅሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መንግስታት ኣፍሪቃ፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዘጋጠመ ጂኦፖለቲካዊ ንሕንሕ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ዳግማይ ንኸይፍጠር፡ ናይ ወጻኢ ዕሱባት ምጥቃም ኣይደልያን።

ሞዛምቢክ ናይ ብሕቲ ዕሱባት ወተሃደራት ምጥቃም ውጽኢታዊ ከምዘይኮነ ስለዝተረድአት፡ ሓገዝ ካብ ናብ ሩዋንዳ ክትጠልብ ጀሚራ።
ኣብ መላእ ሳሕል እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ ምስ መሓዙት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብምዃን፡ ዞባዊ ሓይሊ ንምሕያል መደባት ይሕንፅፅ ኣሎ። እዚ ብሓቂ ዞባዊ ፀረ-ሽበራን ፀረ-ዕልዋ መንግስቲን ክኸውን ተኽእሎ አለዎ።
እቲ ብኣፍሪቃ ዝምራሕን ዝተነድፈን ናይ ፀጥታ ተበግሶታት ብግልፂ ዕሱባት ሰራዊት ዝነፅግ እዩ።
ነቶም ኣብቲ ዞባ፡ ኣብ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ሕጂ ድማ ኒጀርን ዝርከባ ወተሃደራዊ መንግስታት ግን፡ እቶም ሩስያውያን ዕሱባት ኣማራጺ ክዀኑ ይኽእሉ።
ቫግነር እንተድኣ ቀፂሉ ወይ ካልኦት ዝቕልቀሉ ዘለዉ ጉጅለታት ዕሱባት ሩስያ፡ ዕዳጋኦም ኣብቶም ከም ናይ መወዳእታ መማረጺ ጸጥታዊ ዝጥቀሙሎም መሻርኽቲ ዝተደረተ ክኸውን’ዩ።
ሩስያ ኣብ ከም በዓል ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ማሊን ተልእኾ ስርሒታታ ክትሕዝ ክትፍትን ተኽእሎ ኣሎ፡ እንተዀነ ግን ከምቲ ፕሪጎዥን ዝሓሰቦ ሓደስቲ ዓማዊል ብዕቱብ ናይ ምርካብ ዓቕማ ከቢድ ክኸውን እዩ።
እዚ ህሞት እዚ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንፀገማት ኣፍሪቃ ኣፍሪቃዊ መፍትሒታት ኣብ ግብሪ ዘውዕሉሉ ህሞት እዩ።
* ኣሌክስ ቫይንስ ኣብ ትካል ቻታም ሃውስ ንፕሮግራም ኣፍሪቃ ይመርሕ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







