ዲመትሪ ኡትኪን መን’ዩ? ካልኦት ኣብታ ነፋሪት ፕሪጐዢን ዝነበሩ'ኸ በዓል መን’ዮም?

ዲመትሪ ኡትኪን ብዙሕ ስእሊ የብሉን

ምንጪ ስእሊ, GREY ZONE/TELEGRAM

መግለጺ ስእሊ, ዲመትሪ ኡትኪን ብዙሕ ስእሊ የብሉን

ኣብታ ኣብዚ ሰሙን ወዲቓ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ሩስያ፡ መራሒ ዕሱብ ሰራዊት ቫግነር የቭገኒ ፕሪጐዢን ሓዊሱ ትሸዓት ሰባት ከም ዝነበሩ ሰብ መዚ ኣቪየሽን እታ ሃገር ዘውጽኡዎ መረዳእታ የመልክት።

ካብዚኦም እቲ ሓደ፡ ሽም እቲ ዕሱብ ጉጅለ ዘውጽአን የማናይ ኢድ ፕሪጐዢን’ዩ ተባሂሉ ዝእመንን ዲመትሪ ኡትኪን እዩ።

ብተወሳኺ፡ ምንጪ ገንዘብ ቫግነር እዩ ነይሩ ዝብሃል ቫለሪ ቼካብሎ’ውን ኣብታ ነፋሪት ከም ዝነበረ ሩስያ ትገልጽ።

ካልኦት ሰለስተ ሰራሕተኛታት በረራ ድማ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኰይኖም ኣለው።

ብዛዕብኦም እንታይ ንፈልጥ?

ዲመትሪ ኡትኪን

ታሪኽን ኣመሰራርታን ቫግነር ኣመና ሚስጥራዊ’ዩ።

ግን ድማ፡ ምንቅስቓሳት እቲ ጉጅለ ክከታተል ዝጸንሐ ኩሉ ሽም ዲመትሪ ኡትኪን ው’ን ክብሎ ይኽእል።

ወዲ 53 ዓመት ዲመትሪ፡ ሩስያ ኣብ ዘካየደቶም ውግኣት ዝተሳተፈ ገዲም ወተሃደር እዩ።

ንሱ ሓርበኛ ካብ ዝተባህለሎም፡ ሩስያ ካብ 1994 ክሳብ 2000 ኣብ ቺቺኒያ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ጀሚሩ ክሳብ ቫግነር ኣብ 2014 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝምስረት ነይሩ።

እቲ ዕሱብ ጉጅለ ንርእሱ፡ ‘ቫግነር’ ኢሉ ሽም ዘውጽኣሉ ንሱ እዩ።

እዚ ድማ፡ ቫግነር ዝተባህለ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ኣዶልፍ ሂትለር ዝዀነ ሪቻርድ ቫግነር ንምዝካር ዝመጽአ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኡትኪን የማናይ ኢድ የቭገኒ ኰይኑ፡ ሓፈሻዊ ትእዛዝ ዝህብን ሓላፊ ወተሃደራዊ ስልጠናን እቲ ጉጅለ ከም ዝነበረ ይግለጽ።

ዲመትሪ ብዙሕ ስእሊ የብሉን።

እታ ሓንቲ ብብዝሒ እትዘውር ባዕሉ ዝስኣላ ኣብ ሰብነቱ ውቃጦ ኒዮ-ናዚ እተርኢ ስእሊ እያ።

ብመሰረት ዲመትሪ ኣብ ኦንላይን ዘስፈሮ ናይ ስራሕ ልምዲ (ሲቪ) ከምኡ’ውን ቤሊንግካት ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ዘካየዶ መርመራ፡ እቲ ስእሊ ብ2013 ዘውጽኦ እዩ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ዲሚትሪ ካብ 1988 ክሳብ 2008 ኣብ ክፍሊ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ሩስያ ኣገልጊሉ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ውግኣት ብዝነበሮ ርኡይ ተሳትፎ፡ ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ካብ መንግስቲ ከም ዝረኸበ’ውን ይሕብር።

ዲመትሪ፡ ካብ ክእለታቱ ሓደ ኢሉ ኣብ ዘስፈሮ ዝርዝር ኣጽዋራት ውግእ ምትኳስ ዝብል ይርከቦ።

ዲመትሪ ካብ ክፍሊ ስለያ ምስ ወጽአ፡ ደላይኡ በዚሑ።

ኣብ 2014፡ ኣብ ጐኒ ቫግነር ብምዃን ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬይን ደገፍቲ ሩስያ ምስ ዝዀኑ ተገንጸልቲ ድሕሪ ዝገበሮ ውግእ ጸላዊ ኰይኑ።

ቫግነር፡ ኣብ ሶርያን ኣፍሪቃን ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ’ውን ተሳቲፉ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ቢቢሲ ቫግነር ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ዘለዎ ተሳትፎ ኣብ ዘቃልዐሉ ናይ መርመራ ምድላው ሽሙ ተላዒሉ’ዩ።

ሩስያ ምስቲ ጉጅለ ዝዀነ ዓይነት ርክብ የብለይንን ኣብ እትብለሉ 2016 ዓ.ም፡ ዲመትሪ ምስ ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ክሬምሊን ኣብ ዝነበረ ምድላው ኣብ ሓደ ስእሊ ተራእዩ።

ድሕሪኡ፡ መንግስቲ ፑቲን ነቲ ጉጅለ ብቢሊዮን ዶላር ዝቑጸር ገንዘብ ከም ዝሰልዐ ይዝረብ።

ቫለሪ ቼካብሎ

ቼካሎቭ ካብ 2000 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ምስ መራሒ ቫግነር ፕሪጐዢን ጥቡቕ ናይ ንግዲ ምትእስሳር ከም ዝነበሮ ይእመን።

እዚ ወዲ 47 ዓመት ውልቀሰብ፡ ወተሃደራዊ ኣብ ዘይኰኑ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ፕሪጐዢን ተሳትፎ ክህልዎ እንከሎ፡ እዚ ገንዘብ ነቲ ጉጅለ ንምሕጋዝ ከም ዝውዕል ምዕራባውያን ይገልጹ።

ቼካሎቭ ምስ ፕሪጐዢን ርክብ ምስ ዘለዎን ኣብ 2017 ኣብ ሶርያ ጋዝን ዘይትን ንምፍራይ ስምምዕ ምስ ዝተፈራረመ ኩባኒያ ኤቭሮ ፖሊስ ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዎ።

ከም ሓበሬታ ቤት ግምጃ ኣሜሪካ እንተዀይኑ፡ እዚ ኩባኒያ “ቦታታት ነዳዲ ሶርያ ንምሕላውን ካብ ምህርቲ ነዳዲ እቲ ከባቢ ብጽሒት 25 ሚኢታዊት ክወስድን” ምስ ፕሬዝደንት ሶርያ በሽር ኣልዓሳድ ውዕሊ ፈሪሙ’ዩ።

ካብቲ ስምምዕ ዝተረኽበ ገንዘብ ድማ ንኽፍሊት ተዋጋእቲ ቫግነርን መዐደጊ ኣጽዋርን ከም ዝወዓለ ይገልጽ።

ቼካሎቭ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ቫግነር ዝነበሮ ፕሮጀክታት ንግዲ ክመርሕ ምጽንሑ ይእመን።

ሃገራት ኣሜሪካን ዩክሬይንን ቼካሎቭ ብሰንኪ ምስ ፕሪጐዢን ዘለዎ ርክብ እገዳ ኣንቢረናሉ እየን።

ብተወሳኺ ኢቭሮ ፖሊስ፣ ዓባይ ብሪጣኒያ ሓዊሱ ብዙሓት መንግስታት ኣብ ልዕሊ እገዳ ገይረን።

የቭገኒ ማካርያን፣ ኣሉክሳንደር ቶትሚንን ካልኦትን

እቶም ካልኦት ብሓደጋ እታ ነፋሪት ሞይቶም’ዮም ተባሂሎም ዝተጸርሑ ሰባት የቭጌኒ ማካርያን፣ ሰርጌይ ፕሮፑስቲን፣ ኣሌክሳንደር ቶትሚንን ኒኮላይ ማቱሴዬቭ እዮም።

ኩሎም ድማ ተዋጋእቲ ቫግነር ከም ዝዀኑ ይእመን።

ከም ዲሚትሪን ቼካሎቭ ግን፡ ሽሞም ኣብ ዓለምለኻዊ ማዕቀባት ኣይተጸርሐን።

ከምኡ’ውን ምዕራባውያን ከም ላዕለዎት ሰብ መዚ እቲ ጉጅለ ኣይርእየኦምን።

ፕሪጐዢን ንዕኡ ናይ ቀረባ ብዝዀኑ ሰባት ዝተኸበበ ስለ ዝዀነ፡ ብፍላይ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ዝነበሮ ርክብ ምስ ሓርፈፈ ኣርባዕቲኦም ውልቀሰባት ናይ ውልቁ ሓለውቲ ኰይኖም ምስኡ ይጉዓዙ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ።

ተሓለቕቲ ዩክሬይን፡ ሽም የቭጌኒ ማካርያን፣ ሰርጌይ ፕሮፑስቲን ከምኡ’ውን አሌክሳንደር ቶትሚ ተዋጋእቲ ቫግነር ኢሎም ኣስፊሮምዎ ኣለው።

ይኹን’ምበር፡ ሰብ መዚ ሩስያ ኒኮላይ ማቱሴዬቭ ኢሎም ዝጠቐሱዎ ውልቀሰብ ኣብ ዝርዝር ተዋጋእቲ ቫግነር ኣይርከብን።

ሓደ ቴሌግራም ቻነል ሩስያ ብወገኑ ኣባል ክፍሊ ምጥቃዕ ቫግነር ዝዀነ ኒኮላይ ማቱሴቪች ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ኣብራሪ ለቭሺን፣ሓጋዚ ኣብራሪ ካሪሞቭን ክሪስቲና ራስፖፖቫን

ኣብራሪ ኣሌክሲ ሌቭሺን፣ ሓጋዚ ኣብራሪ ሩስታም ካሪሞቭን ኣሳሳይት በረራ ክሪስቲና ራስፖፖቫን ኣብቲ ሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱ ሰራሕተኛታት በረራ እዮም።

ክሪስቲና፡ ብሕታዊት ኣብታ ነፋሪት ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ እያ።

እዞም ሰራሕተኛታት በረራ ብቐጥታ ብኩባኒያ የቭገኒ ወይ ካልእ ኩባኒያ ድዮም ተቘጺሮም ዝብልን ካልእ ሓበሬታን ዝምልከት ግልጺ ዝዀነ ነገር የለን።

ፕሪጐዢን፡ ብናይ ውልቁ ጀት ከም ዝጉዓዝ ይፍለጥ።

እታ ሓደጋ ዘጋጠማ ነፋሪት ድማ፡ ኤምብራየር ሌጋሲ ዝተባህለት ኣብ ብራዚል ዝፈረየት ጀት ምዃና ተገሊጹ።

ቢቢሲ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ሰራሕተኛታት እቲ በረራ ክረክብ እኳ እንተዘይኽኣለ፡ ማዕከናት ሓበሬታ ሩስያ ምስ ኣዝማዶም ዝተገብሩ ቃለ መጠይቓት ዝሓዙ ጸብጻባት ዘርጊሐን ኣለዋ።

ጓል 39 ዓመት ክሪስቲና፡ ቅድሚ’ቲ በረራ ምስ ስድርኣ ድሕሪ ምዝርራብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ስእላ ጠቂዓ ነይራ።

ወዲ 29 ዓመት ሓጋዚ ኣብራሪ ሩስታም ድማ፡ ኣብቲ ኩባኒያ ንሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ከም ዝሰርሐን ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ራብዓይ ዓመት ናይ መርዓኡ በዓል ከም ዘኽበረን ኣቡኡ ምስ ማዕከን ዜና ሩስያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

ወዲ 51 ዓመት ዝዀነ ኣብራሪ ኣሌክሲ ሌቭሲን ክኣ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቈልዑን ነይሩ።

ሙሉእ ህይወቱ ኣብ ዓውዲ ኣቪየሽን ከም ዝሰርሐ ማዕከን ዜና ሩስያ ንስድርኡ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።