ድሕሪ ሞት ፕሪጎዢን ዕጫ ቫግነር እንታይ’ዩ ክኸውን?

የቭገኒ፡ ቭላድሚር ፑቲን ዝኣምኖ ናይ ቀረባ ሰቡ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, የቭገኒ፡ ቭላድሚር ፑቲን ዝኣምኖ ናይ ቀረባ ሰቡ ነይሩ

የቭገኒ ፕሪጐዢን፡ ነቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ንምህናጽ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት'ዩ ወሲዱሉ።

ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ፡ ወተሃደራት ፕሪጐዢን ጽልዋ ሩስያ ኣብ ዓለም ክሰፍሕን ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ኣፍሪቃን ሶርያን መሓዙት ከፍርን ዓብዪ እጃም ነይሩዎም።

ሕጂ፡ ድሕሪ ሞቱ መጻኢ ዕጫ እዚ ጉጅለ እንታይ እዩ ክኸውን? ኣብ ዝብል ብርክት ዝበሉ ግምታት ይወሃቡ ኣለው።

ሰብ መዚ ጸጥታ ምዕራብ፡ መን’ዩ ክትክኦ፡ ክሳብ ሕጂ ክመርሖም ዝጸንሐ ዕሱባት ወተሃደራትከ እንታይ ከጋጥሞም’ዩ ዝብል የተሓሳስቦም ኣሎ።

ሕጂ ንቫግነር መን’ዩ ክመርሖ?

ተመራማሪ ኢንስቲትዩት ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ (Rusi) ዶክተር ጆኣና ዲ ዱስ ፔሪራ፡ ሞት ፕሪጐዢን ነቲ ጉጅለ ናብ “ገለ ምትዕርራይ” ከምርሖ ከም ዝኽእል ትዛረብ።

ካልኦት ንጥፈታት ቫግነር ግን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ፕሪጐዢን ዝነበረ ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ ኢላ።

“ኣብ መጻኢ እቲ ትካል ብኻልእ ሽም ክቕጽል ይኽእል፤ እንተዀነ ናይ ምትዕጽጻፍን ምቅይያርን ዓቕሚ ከም ዘለዎ ድሮ ኣመስኪሩ'ዩ" ትብል።

ወሲኻ፡ ቫግነር ከም ሓደ ሰብ ጥራይ ዘይኰነ ከም ሓደ ስርዓተ-ማሕድሮ፡ ከም ሓደ ኣዝዮም ብዙሓት ርእስታት ዘለዎን ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ዝተፈላለየ ረብሓታትን ዘለዎ ‘ሃይድራ’ ክንርእዮ ኣለና" ክትብል ተብርህ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ባይቶ ኣትላንቲክ ተንታኒ ጸጥታ ዝዀነ ሩስላን ትራድ እውን በዚ ይሰማማዕ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሞት ፕሪጐዢን ሓደ ምስ ኣገልግሎት ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ ዝዀነ ‘GRU’ ርክብ ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ክንድኡ ነቲ ጉጅለ ክመርሕ ዝተቐመጠ ገይርካ ክረአ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ሕጂ ንፑቲን ቀንዲ ብድሆ ዝኸውን ንንጥፈታት ናይቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምምዋል እኹል ገንዘብ ዘለዎ ግን ከኣ ነቲ ናይ ሞስኮ ስርዓት ስግኣት ዘይከውን ሰብ ምርካብ እዩ ይብል።

"ኣብቲ ጉጅለ፡ ፕሪጐዢን ቀንዲ ገንዘብ ዝነበሮ ሰብ ስለ ዝነበረ ሓድሽ መዋሊ ክረኽቡ ጻዕሪ ክገብሩ’ዮም” ይብል ትራድ።

"[ቫግነር] ንፉዓት ኣዘዝቲ ስለ ዘለዎ ሓድሽ መዋሊ ምርካብ ዝያዳ ከቢድ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ገንዘብ ግን ኣገዳሲ'ዩ። ምናልባት ካብቲ ኣብ ዙርያ ፑቲን ዘሎ ናይ ቀረባ ዓንኬል ሰብ [ክትክኡ] ይኽእሉ እዮም።"

‘The Rise of Wagner’ ዝብል ሰነዳዊ ፊልም ዝሰርሐ ጋዜጠኛ ቤኖት ብሪንገር፡ ቀጻሊ መራሒ እቲ ጉጅለ ካብ ወተሃደራዊ ስለያ ኣገልግሎት ሩስያ ጀነራል ኣንድረይ ኣቨርያኖቭ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት።

“ሕጂ ፑቲን እቲ ስግግር ብሕቡእ ንምውዳብ ግዜ ከድልዮ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ንፕሪጐዢን ቅድሚ ምእላዩ ስለ ምንታይ ክልተ ወርሒ ከም ዝተጸበየ ብዝግባእ ከብርሆ ይኽእል” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ተዓዛቢት ኢንስቲትዩት ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኣብ ሞስኮ ኤምሊ ፌሪስ፡ ሞስኮ "ከም በዓል ፕሪጐዢን ዝኣመሰሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓደገኛ ህርፋን ዘለዎም ስብእናታት ስግኣት ምዃኖም ትምህርቲ ክትወስድ ትኽእል እያ። ዝዀነ ሓድሽ መራሒ [ቫግነር] ብኢድ ክረምሊን ዝተመርጸ ሰብ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ" ኢላ።

ኣብ ዩክረይንን ቤላሩስን ዘለው ወተሃደራት ቫግነር ከ?

ሩስያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኲናት ዩክረይን፡ ዳርጋ ብወተሃደራት ቫግነር እያ ተዋጊኣ።

እቶም ወተሃደራት፡ ድሕሪ ደማዊ ውግኣት ንከተማታት ምብራቕ ዩክረይን ዝዀና ሶለዳርን ባክሙትን ክቈጻጸሩ ክኢሎም ነይሮም።

ሞት መራሒ እቲ ጉጅለ ግን ኣብቲ ኲናት ዘሕድሮ ጽልዋ ክህሉ ከም ዘይኽእል ኤምሊ ፌሪስ ትገልጽ።

“ወተሃደራት ቫግነር፡ ካብቲ ናዕቢ ጀሚሩ፡ ኣብ ዩክሬን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኖም ኣለዉ፤ ሰራዊቶም ድማ ወይ ኣብ ቤላሩስ ዓሪዱ፡ ወይ ድማ ተመሊሶም ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣትዮም’ዮም። ስለዚ ሓይልታት ሩስያ ንጸረ መጥቃዕቲ ዩክረይን ይመርሑዎ ብምህላዎም፡ ንግዚኡ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዘሕድሮ ጽልዋ ውሑድ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ" ክትብል ተረድእ።

ኢምሊ፡ ወተሃደራት ቫግነር እንተወሓደ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ዓውደ ውግእ ዩክረይን ክምለሱ’ዮም ዝብል ግምት የብላን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ድሕሪ’ቲ ፕሪጐዢን ዝመርሖ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ፍሹል ናዕቢ፡ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ሰራዊት ቫግነር ኣብ መዓስከራት ቤላሩስ ከም ዝርከቡ ይግለጽ።

ሕጂ መጻኢ እዞም ወተሃደራት ንጹር ኣይኰነን።

ገለ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽኡ ዘለው ሓበሬታታት፡ ሓያሎ ወተሃደራት፡ ፑቲን ኣብ ሞት ፕሪጐዢን ኢድ ኣለዎ ብዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊኡ ብግልጺ ምፍርራሕ ከም ዝፈጸሙ ይሕብሩ።

ኣብ ኣፍሪቃን ሶርያን ዘለው ወተሃደራት ቫግነር ውግእ ክቕጽሉ ድዮም?

ዕጫ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዘለው ወተሃደራት ቫግነር’ውን ብወግዒ ዝፍለጥ ኣይኰነን።

እዚ ጕጅለ፡ ወተሃደራቱ ኣብ ሃገራት ሶርያ፡ ማሊ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሊብያን ንዝርከቡ መንግስታት ብምድጋፍ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ሩስያ ልዑል ተራ ክጻወት ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ፕሪጐዢን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከም ዝነበረ ይእመን።

ምዕራባውያን ተንተንቲ እቲ ጉጅለ፡ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝተፈጸመላ ኒጀር ሓዊሱ ናብ ካልኦት ሃገራት ንምስፋሕ ይጽዕር ከም ዘሎ ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም።

ገለ ሰባት፡ ቅትለት መሪሕነት ናይቲ ጉጅለ፡ ሩስያ ኣብቲ ዞባ ክህልዋ እትደልዮ ዘላ ጽልዋ ዳግም ክትግምግሞ ከገድዳ ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ብዙሓት ክኢላታት ግን እቲ ጉጅለ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ዘይምእኹል መሪሕነት ብሞት ፕሪጐዢን ከይተዓንቀፈ ስርሑ ክቅጽል ክገብሮ’ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ፍሹል ናዕቢ ቫግነር፡ ሰበ ስልጣን ሩስያ ናብ ሊብያ ብምኻድ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ንዘለዎ መንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎ ኸሊፋ ሓፍታር ከም ዝተራኸቡን፡ ዕጫ ፕሪጐዢን ብዘየገድስ ደገፍ ጉጅለ ቫግነር ቀጻሊ ምዃኑ ከም ዘረጋገጽሉን ተገሊጹ ነይሩ።

የቭገኒ ፕሪጐዢን፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ተራእዩ ምንባሩ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, የቭገኒ ፕሪጐዢን፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ተራእዩ ምንባሩ ይግለጽ

ኣብ ባይቶ ኣትላንቲክ ተንታኒ ጸጥታ ዝዀነ ሩስላን ትራድ፡ ቫግነር ኣብ ትሕተ ቅርጺ ምክልኻል ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዝዩ ተወሃሂዱ’ዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን፡ ስርሒታት እቲ ጉጅለ ብሞት ፕሪጎዚን ከም ዘይተዓናቐፍ ይገልጽ።

"እቶም ኣብ ሶርያ፡ ወይ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ወይ ማሊ ዓስኪሮም ዘለዉ ኣዘዝቲ፡ ድሮ ኣብኡ ኣዝዮም ጽቡቓት ኣብነታውያን ኣለዉዎም፤ ውሳነታት ናይ ምውሳእ ናጽነት'ውን ኣለዎም።

"ነዚ ዝኸውን ዝተፈላለየ ጸጋታት ኣለዎም፤ ሕጂ'ውን እንተዀነ ኣብ ሶርያን ኣፍሪቃን ወተሃደራት ይመልምሉ እዮም ዘለው” ኢሉ።

ከምኡ'ውን እቲ ጉጅለ ምስ ስለያ ሩስያ ዘለዎ ርክብ ኣብቲ ንረብሓታት ሩስያ ዘገድስ ንክትጥቀመሎም ኣገዳሲ መሳርሒ ኰይኑ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ግን ኣብቲ ቫግነር ዘካይዶም ስርሒታት ተሳትፎ ከም ዘይብሎም ንምግላጽ ክትጥቀመሉ ምዃና የመልክት።

ጋዜጠኛ ቤኖት ብሪንገር ብወገኑ፡ ቫግነር ብመንጽር ምድንፋዕ ረብሓታት ሩስያ "ኣብ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ'ዩ" ኢሉ።

"እቲ መሓውር ብርግጽ ኣብኡ ክቕጽል'ዩ፤ ምናልባት ድሕሪ ደጊም ብሽም ቫግነር ዘይክኸውን ይኽእል። ንክረምሊን እሙን ዝዀነ ሓድሽ ሰብ ግን ሒዙ ክመጽእ እዩ”።

ሙሁር ኢንስቲትዩት ማእከላይ ምብራቕ ኣንቶን ማርዳሶቭ፡ ድሕሪ ፍሹል ናዕቢ ፕሪጐዢን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኣዘዝቲ ቫግነር ሕነ ምፍዳይ ክረምሊን ንምእላይ ካብ ሓፈሻዊ መርገጺ ሞስኮ ወጻእ ክኸዱ ከም ዘይተራእዩ ይጠቅስ።

ካልኦት ኩባንያታት ዕሱባት ግን ኣብ ሶርያ ተወዳደርቲ ቫግነር እናዀኑ ይመጽኡ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ድሕሪ ናዕቢ ሰነ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ቫግነር ናብ ‘ፒኤምሲ ሪደት’ ዝተባህለ ተወዳዳሪ ኩባንያ ክሰጋገሩ ዕድመ ከምዝቐረበሎም'ውን ኣረዲኡ።

"ሪደት ጐና ጐኒ ቫግነር ኣብ ሶርያ ካብ ዝሰርሕ ነዊሕ ኰይኑ'ሎ። ይኹን’ምበር ቅልጡፍ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቘጢቦም ጸኒሖም”።

ቫግነር ቀልጢፉ ካብ ዝኽሪ ክሃስስ ድዩ?

ኣብ ማእኸላይ ግዜ፡ ስርሒታት ቫግነር ብሞት መራሒ እቲ ጉጅለ ብዓብይኡ ዝጽለው ኣይመስሉን።

ኣብ ነዊሕ ግዜ ግን፡ ስርሒታት ቫግነር ሓድሽ መልክዕ ዝሕዝ ይመስል ትብል ኤሚሊ ፌሪስ።

"ብዓቢኡ ቫግነር ኣብ ክልተ ክምቀል’ዩ፤ እቶም ኣብ ቤላሩስ ዝተረፉ መራሒ ዘይብሎም ጉጅለታት ክበታተኑ፡ እቲ ካልእ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ ድማ ካልእ መሳርሒ ፖሊሲ ወጻኢ ሩስያ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ብዛዕባ ውርሻ ፕሪጐዢን እንተዀይኑ፡ ቫግነር "ፍጹም ካብ ሕጊ ወጻኢ ክሰርሕ ዝኽእል፣ ኣብ ውግኣት ጠቓሚ ዝዀነ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጽልዋ ክረክብ ዝኽእል ሰራዊት ምዃኑ ንክረምሊን ብግብሪ ኣርእዩ። ሽም ቫግነር ክጠፍእ ይኽእል'ዩ፤ እንተዀነ እቶም ኣብ ሜዳ ዘዋፈሮም ዕሱባትን ዝፈጠሮ ኣገባብን ግን ኣይጠፍእን" ክብል ጋዜጠኛ ብሪንገር ሓቢሩ።