የቭገኒ ፕሪጎዢን፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ነፋሪት እንታይ ንፈልጥ?

እታ ሓደጋ ዘጋጠማ ነፋሪት ተሓምሺሻ ዘርኢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓላፊ ዕሱብ ሰራዊት ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዢን፡ ኣብ ዝርዝር ተሳፈርቲ ናይታ ኣብ ሰሜን ርእሰ ከተማ ሩስያ ሞስኮ ዝወደቐት ናይ ብሕቲ ነፋሪት ሽሙ ይርከብ።

ንሱ፡ ቁልፊ መሓዛ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተጀመረ ወራር ሩስያ፡ ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ፕሪጎዢን ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ኣንጻር ወተሃደራዊ መራሕቲ ሩስያ ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ፡ ዕሱባት ወተሃደራቱ ናብ ሞስኮ ገጾም ክወፍሩ ድሕሪ ምእዛዙ ግን፡ ምስ ፑቲን ዝነበሮ ርክብ ክሕርፍፍ ጀሚሩ እዩ።

ዝርዝር ናይቲ ሓደጋ ገና ኣይወፀን ኣሎ፤ ክሳብ ሕጂ ዝፈለጥናዮ ግን እነሆ።

እታ ነፋሪት እንታይ እዩ ኣጋጢምዋ?

ሰበስልጣን ኣቬሽን ሩስያ፡ ኣብ መንጎ ሞስኮን ሴንት ፒተርስበርግን ትበርር ዝነበረት ‘ኤምብራየር ሌጋሲ’ ዝተባህለት ነፋሪት ብሕቲ፡ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ሰሜን ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ዞባ ትቨር ከምዝወደቐት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ምስ ቫግነር ዝተኣሳሰር ቴሌግራም ቻነል 'ግሬይ ዞን' ግን እታ ጀት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ከምዝተሃርመት ጸብጺቡ - ዋላ'ኳ ነዚ ዘርጋግፅ መርትዖ እንተዘይኣቕረበ።

ብመሰረት ዛጊድ ዘሎ ሓበሬታ፡ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 10 ሰባት ኩሎም ሞይቶም እዮም።

ዳርጋ ናይ ኩሎም ሬሳታት ከምዝተረኸበ እዩ ዝዝረብ።

ኣብ ኩባንያታት ፕሪጎዢን ዝተመዝገበት ኤምብራየር ሌጋሲ፡ ኣብ ኣየር ፍርቂ ሰዓት ዘይመልእ ዝፀንሐት ኰይና፡ ናብ መሬት ምስ ወደቐት ሓዊ ከምዝተቓጸለት ፀብፃባት ይሕብሩ።

ብቢቢሲ ዝተረጋገጸ ቪድዮ፡ ኣብ ሩስያ ከተማ ኩዘንኪኖ፡ ሓንቲ ነፋሪት ካብ ሰማይ ክትወድቕ ከላ ዘርኢ እዩ።

ግሬይ ዞን ከም ዝጸብጸቦ፡ ካልአይቲ ብፕሪጎዚን እትውነን ናይ ንግዲ ጀት ኣብ ሞስኮ ብሰላም ከም ዝዓለበት ይሕብር።

በዓል መን እዮም ተሳፊሮም ነይሮም?

እታ ዝወደቐት ናይ ብሕቲ ጀት 7 ተሳፈርትን ሰለስተ ሰራሕተኛታትን እያ ፀዒና ነይራ።

ትካል ኣቬሽን ሩስያ ነቶም 7 ተሳፈርቲ፡ ፕሪጎዢንን የማናይ ኢዱ ዲሚትሪ ኡትኪን፣ ሰርጌይ ፕሮፑስቲን፣ የቭገኒ ማካርያን፣ ኣሌክሳንደር ቶትሚን፣ ቫለሪ ቸካሎቭን ኒኮላይ ማቱሰየቭን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እቶም ኣባላት እታ ነፋሪት ካፕቴን ኣሌክሲ ሌቭሺን፡ ተሓጋገዚ ፓይለት ሩስታም ካሪሞቭን ኣገልጋሊት ነፋሪት ክሪስቲና ራስፖፖቫን ምዃኖም ተፈሊጡ።

ፕሪጎዢን ኣብ ቀረባ እዋን እንታይ ይገብር ነይሩ?

እታ ናይ ብሕቲ ጀት ካብ ሞስኮ ናብ ሴንት ፒተርስበርግ ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት እዋን፡ ካብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ንሰሜን ኣስታት 60 ማይልስ ርሒቑ ከም ዝወደቐት ይእመን።

ፕሪጎዚን፡ ኣንጻር እቶም ኣብ ዩክሬን ብዝነበሮም ስትራተጂ ብተደጋጋሚ ዝነቕፎም ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሩስያ ንሓጺር እዋን ናዕቢ ካብ ዘበግስ ጀሚሩ፡ ብተዛማዲ ድምፁ ኣጥፊኡ እዩ ቀንዩ።

ነቲ ናዕቢ ንምቁራጽ ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ንሱ ናብ ቤላሩስ ይግዕዝ ብዝብል ርድኢት፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ተሰሪዙ ነይሩ።

ንሓጺር እዋን እኳ እንተኾነ፡ ከምኡ ዝገበረ ይመስል።

ኣብ ፍርቂ ሓምለ ኣብ ቻነላት ቴሌግራም ዝወጸ ቪድዮ፡ ፕሪጎዚን ኣብ ቤላሩስ ወተሃደራት ክቕበል ከሎ የርኢ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ግን ኣብ ሩስያ ከተማ ሴንት ፒተርስበርግ ኣብ እዋን ዋዕላ ኣፍሪቃን ሩስያን ተሳኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕሪጎዢን ድሕሪ'ቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዘጋጠመ ናዕቢ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዘሎ ዝሕብር ናይ መጀመርታ ናይ ቪድዮ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

ቢቢሲ እቲ ቪድዮ ኣበይ ከምዝተቐርፀ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ግሬይ ዞን፡ ፕሪጎዢን ኣብቲ ሓደጋ ከም ዝሞተ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ትካል ኣቬሽን ሩስያ፡ ኣብታ ዝወደቐት ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ዝተረጋገጸ ዝርዝር ኣውጺኡ።

ስም ፕሪጎዢን ኣብኡ ተፀሪሑ ኣሎ።

ሕዚ እንታይ ይኸውን ኣሎ?

ብመሰረት ጸብጻብ መርማሪ ኮሚተ ሩስያ፡ ድሕነት ትራፊክን ኣሰራርሓ መጓዓዝያ ኣየርን ዝምልከት ዓንቀጽ 263 ገበናዊ ሕጊ ሩስያ፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ገበናዊ መርመራ ተጀሚሩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ኣብቲ ቦታ ዝገብሮ ናይ ምድሓን ንጥፈታቱ ወዲኡ ኣሎ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ትቨር ኢጎር ሩደንያ፡ ነቲ መርመራ ከምዝመርሖ ይዝረብ።