ቫግነር፡ ናብ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓመጽ ዘምርሐ መሪር ውልቃዊ ንሕንሕን ቂምታን

የቭገኒ ፕሪጎዚን

ምንጪ ስእሊ, PRESS SERVICE OF "CONCORD"

ናዕቢ ቫግነር ንዳርጋ 24 ሰዓታት’ዩ ጸኒሑ። እቲ ናይዚ መንቀሊ ዝዀነ መርዛም ቅንኢ፡ ንሕንሕን ህርፋንን ግን ዓመታት እንተዘይኰይነ'ኳ፡ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ እዩ።

ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይዚ ድራማ ሰለስተ ሰባት እዮም።

መስራትን መራሕን ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ናይቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ - ሰርገይ ሸውጊን ቫለሪ ገራሲሞቭን እዮም።

ፕሪጐዚን፡ ኣብ 1980ታት ምስ ዝተወደበ ገበን ዝተኣሳሰርን ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈን ገበነኛ ነበር ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝፈጠሮ ውልቀሰብ እዩ።

ዕሱብ ጕጅለ ወተሃደራት ቫግነር ኣብ 2014 እዩ ተመስሪቱ።

እዚ፡ ወሳኒ መሳርሒ ፑቲን ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋ ሩስያ ዳግማይ ንምዕዛዝ ክሰርሕ ዝጸንሐ እዩ።

ኣባላት እዚ ጕጅለ፡ ኣዝዮም ብርቱዓት ኣባላት ፍሉይ ሓይልታት ሩስያ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣብ ሶርያ ንመሓዛ ፑቲን ባሻር ኣል ኣሳድ፡ ኣብ ማሊ ድማ ጽልዋ ፈረንሳ ብሩስያ ንኽትካእ ሓጊዞም።

ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሪጎዚን ነቲ ጕጅለ ከም ዝቈጻጸሮ ዝሕብር እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ መርትዖታት ብቐጻሊ ክነጽጐ ጸኒሑ።

ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ብሪጣንያ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ብሕቲ ምልሻ ይመርሕ ኣሎ ኢሉ ዝኸሰሶ ጋዜጠኛ ቤሊንግካት ኤልዮት ሂጊንስ ክሲ የቕርብ ነይሩ።

ስርሒታት ጕጅለኡ ዝኽሕድ ምዃኑ ግን ብፑቲን ተፈታዊ ገይርዎን ናይ ገዛእ ርእሱ መደበር ሓይሊ ክሃንጽ ኣኽኢልዎን እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስቶም ወተሃደራውን ጸጥታውን ኣካላት ሩስያ ዝመርሑ ንሕንሕ ከርኢ ጀሚሩ።

ብዓመጽ፡ ብልሽውናን ህርፋንን ዝተቘማጥዐ ፕሪጎዚን ጸላዊ ናብ ዝዀነሉ ደረጃ ምድያቡ ምልክት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ብፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝተሃንጸ መንግስቲ እዩ።

ቫግነር ዋላ’ኳ ስልጣኑ እናወሰኸ ይኸይድ እንተሎ፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ውሽጣዊ ኣማኸርቲ ፑቲን ብዘይምዃኑ ግን ነቶም ኣብ ሞስኮ ከም ብልሽዋት፡ ሰነፋት ወይ ክልቲኡ ዝርእዮም ሰበስልጣን ክነቅፍ ንድሕሪት ኣይበለን።

ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ቫለሪ ጀራሲሞቭን ሚኒስትር ምክልኻል ሰርጌይ ሸውጊን - እዚ’ውን ኣብ ውሽጢ እታ ዓንኬል ኣማኸርቲ ፑቲን የለን - ግን ንዓመታት ኣብ ልዕሊኡ ፍሉይ ጽልኢ ኣሕዲሩ'ዩ።

መብዛሕትኦም ቀንዲ ኣማኸርቲ ፑቲን ካብታ ንሱ ዝመጽኣላ ከተማ ሴንት ፒተርስበርግ ዝመጽኡ’ዮም።

ሸውጊ ግን ኣብ ዶብ ሩስያን ሞንጎልያን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቁሸት እዩ ተወሊዱ።

ሸውጊ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ'ኳ እንተመርሐ ብዩኒፎርም ኣገልጊሉ ኣይፈልጥን።

ኣብ 1990ታት ሓላፊ ሚኒስትሪ ህጹጽ ረድኤት ሩስያ ቅድሚ ምዃኑ ብመሳርዕ ዴሳዊ ሰልፊ ኣቢሉ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ እናደየበ ዝመጽአ እዩ።

ኣብዚ ንሕንሕ ሳልሳይ ኣካል ዝዀነ ገራሲሞቭ፡ እቲ ዝለዓለ ፈላጢ ውሽጢ ሰራዊት እታ ሃገር እዩ።

ኣብ 1990ታት ኣብ ቸቸንያ ኣብ ዝነበረ ደማዊ ናዕቢ ስኑ ሸሪፉ፤ ሕጂ ድማ ድሕሪ ሶቭየት ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ፕሮጀክት ምግባል ሓይሊ ሩስያ ኣገዳስነቱ ዝዓቢ ዘሎ ፕሪጎዚን - ንኣባላት ጕጅለኡ ዝለዓለ ደሞዝ ብምኽፋል ዓቕሚ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ይዓቢ ምህላውን - ኣብ መንጎኦም ንሓያሎ ዓመታት ወጥሪ ከም ዝፈጠረ ይእመን።

ግን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ወራር - ብፍላይ ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ባክሙት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ኣሽሓት ወተሃደራት ቫግነር ከም ዝተቐትሉ ዝእመን ኰይኑ - ፕሪጎዚን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሩስያ ዝነበሮ ጽልኢ ጐሊሑ ወጺኡ።

ባክሙት ቅድሚ እቲ ኲናት ኣስታት 70 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ንእሽቶ ከተማ እያ ነይራ።

ነታ ከተማ ንምሓዝ ዝተገብረ ፈተነ ግን ዘደናግር እዩ ነይሩ።

መብዛሕትኦም ተዓዘብቲ ውሱን ወተሃደራዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ይኣምኑ፤ ገሊኦም ድማ እቲ ወፍሪ ፕሪጎዚን ኣብቲ ወፍሪ ዝረኽቦ ዓወት ሞሳ ክሓትት ንምፍቃድ ዝተነድፈ እዩ ይብሉ።

መራሒ ቫግነር፡ ሸውጊን ገራሲሞቭን ኣብ ከም በዓል ሶለዳር ዝኣመሰላ ከተማታት "ብቐጻሊ [ንዓወት ቫግነር] ክሰርቁ ይፍትኑ" ክብል ብቐጻሊ ይኸሶም ነይሩ።

ኣብዞም ውግኣት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ - መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝምልመሉ - ወተሃደራት ቫግነር ሞይቶም’ዮም።

ፕሮጎዚን መብዛሕትኡ ግዜ ብዝዛረቦም ዝነበሩ ዘይእዱባት ቃላት ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ይስሕብ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ክኣ ንዘሕልፎም መልእኽታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ህቡብነትን ብኸመይ ክቃለሶ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ዝሕብሩ ልሒዀም ዝወጽኡ ሰነዳት ኣለው።

ኣብ ክረምሊን ግን ቭላድሚር ፑቲን እዚ ጕጅለ ንኽቕጽል ብምፍቃዱ ዕጉብ ነይሩ።

ንሕንሕ ምፍጣር ፍሉጥ ቅዲ ፕረዚደንት ፑቲን እዩ።

ንሱ፡ ብቐጥታ ንዕኡ ክፈታተኖ ዝኽእል ሓደ ውድብ ሓይሊ ንከይህሉ ንምክልኻል ንነዊሕ እዋን ስልጣን ደልዮም ንሓድዶም ዝጻልኡ ሰባት ክህልው ይፈቅድ ነይሩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሎስ ኣንጀለስ ፕሮፌሰር ፖለቲካል ሳይንስ ዝዀነ ዳኒኤል ትሪስትማን ዝሓለፈ ዓመት፡ “ኣብ መሳርዖም ዕጡቓት ሰባት ዘለዎም ሰበስልጣን ውዲት ንምውዳብ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ከም ዘይብሎም” ብምግላጽ እቲ ፑቲን ዝፈጠሮ ስርዓት ዕልዋ መንግስቲ ንምክልኻል ዘኽእል ባይታ ዝሓዘ እዩ ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

ሓለፍቲ ናይቲ ዓቢ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ - ሰርጌይ ሾይጉን ቫለሪ ገራሲሞቭን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሓለፍቲ ናይቲ ዓቢ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ - ሰርጌይ ሾይጉን ቫለሪ ገራሲሞቭን

ኣብዚ ስርዓት ቫግነር ንሸውጊ ክቈጻጸሮ እንከሎ እቶም ዕሱባት ግን ልዕሊ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክዀኑ ኣይክኣሉን።

ኣብ ላዕሊ ናይቲ ፒራሚድ ፑቲን ኣሎ፤ ንሱ እታ ቼዝ ካብን ናብን እናንቀሳቐሰ ሚዛን ስርዓቱ ይሕሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕሪጎዚን ነቲ ፕረዚደንት ብቐጥታ ከይነቕፎ ወትሩ ጥንቍቕ ኰይኑ፡ ኣብ ክንድኡ ሩስያ ድሕሪ እቲ ኣብ ለካቲት 2022 ዝፈጸመቶ ወራር ዘጋጠማ ውድቀት፡ ፑቲን ብኣዘዝቲ ስለ ዝተጋገየ እዩ ኢሉ ይዛረብ።

ንፑቲን፡ እቲ መራሒ ቫግነር ነቲ ዝፈሸለ ወተሃደራዊ ወፍሪ ነቐፌታ ምቕራቡ ኣገዳሲ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ፑቲን ናህሪ እቲ ወራር ድኹም ምዃኑ ንሸውጊን ጌራሲሞቭን ብውልቂ ጸዊዑ ከም ዝነቐፎም ይእመን።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ግን ፑቲን ንነዊሕ እዋን ዝሓዞ ስትራተጂ ዝበታተን ዘሎ ይመስል።

ፕሪጎዚን - ሓይልታቱ ምትሓዝ ባክሙት ንምዝዛም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ሰራዊት ሩስያ ሓይልታት ቫግነር ተተኮስቲ ከይረኽቡ ይሓብእ ነይሩ ዝብል ጥርጣረ ዝፈጠሮ ቍጥዐ - ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርተዐ መጺኡ።

ኣብ ሓደ ቪድዮ - ኣስከሬን ዓሰርተታት ዝሞቱ ኣባላት ቫግነር ብድሕሪቱ እናተርኣዩ - "ተተኮስቲ ዘይትህቡና፡ ዘይትረብሑ ኣብ ሲኦል መዓንጣኦም ክትበልዑ ኢኹም!" ክብል ተዛሪቡ እዩ።

"ሸውጊ! ገራሲሞቭ! ኣበይ ኣሎ እቲ . . . ተተኮስቲ?. . . ወለንተኛታት ኰይኖም ናብዚ መጺኦም ኣብ ቤት ጽሕፈታት ንነብስኹም ክተስብሑ በጃኹም ሞይቶም" ክብል ኣብ ካልእ ቪድዮ ተዛሪቡ።

ብመሰረት ኣመሪካዊ ክኢላ ኣየር ጃክ ተይክሰራ ዘልሓዀ ሰነዳት ስለያ ኣመሪካ፡ ፕሪጎዚን ብ22 ለካቲት ምስ ፑቲንን ሸውጊን ክራኸብ ናብ ኣኼባ ተጸዊዑ እዩ - ኣብቲ እቲ ብኣስከሬን ዝተዓጀበ ምስሊ ዝተፈነወሉ መዓልቲ።

“እቲ ኣኼባ ዳርጋ ብርግጽ እንተወሓደ ብኸፊል፡ ንህዝባዊ ክስታት ፕሪጎዚንን ውጽኢቱ ድማ ምስ ሽውጊ ዝነበረ ወጥሪን ዝምልከት'ዩ” ይብል ሓደ ሰነድ።

እቲ ኣኼባ ግን ውጽኢታዊ ዝነበረ ኣይመስልን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሞስኮ ሸውጊ ንጽልዋ ተጻባኢኡ ንሓዋሩ ከጉድሎ ተስፋ ዝገበረሉ ውጥን ናይ መወዳእታ ስጕምቲ ክወስድ ጀሚሩ።

ንሱ ሓሓሊፉ ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ኣይክደንን ዝብል ነቐፌታ ይቐርበሉ’ዩ፤ ንፖለቲካዊ ስርዓት ሩስያ ብኸመይ ናብ ድሌቱ ከም ዝጠውዮ ዘለዎ ኣፍልጦ ግን መጐት የብሉን።

ካብ 1991 ጀሚሩ ኣብ ክረምሊን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ካብ ጐድኒ ፑቲን ዘይፍለዩ ኣማኸርቲ እውን እዩ።

ብ10 ሰነ 2023 እቲ ዘዳለዎ መደብ ወግዓዊ ይገብር።

“ወለንታዊ ቅርጽታት" ብቐጥታ ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ውዕላት ክፈርሙ፡ ምስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክወሃሃዱን ሓድሽ ሕጋዊ ደረጃ ክህቦምን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ እማመ፡ ወለንተኛታት - ክሳብ 1 ሓምለ 2023 ነቶም ውዕላት ክኽተሉን ክፍርሙን ግዜ ገደብ ይህብ።

ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, EPA

እቲ ኣዋጅ ብቐጥታ ንቫግነር እኳ እንተዘይጠቐሰ፡ ጽልዋ ፕሪጎዚን ንምንካይ ዝዓለመ ስጕምቲ ምዃኑ ብሰፊሑ ተራእዩ፤ ብኡንብኡ ድማ ቍጥዐ ሓላፊ እቲ ጕጅለ ኣስዒቡ።

ፕሪጎዚን “ቫግነር ምስ ሸውጊ ዝዀነ ውዕል ኣይክፍርምን'ዩ። ሸውጊ ወተሃደራዊ ቅርጺ ብግቡእ ከመሓድር ኣይክእልን'ዩ” ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ስጕምቲ ኣብ ርእሲ ፕሪጎዚን ውዓል ሕደር ዘየብልን ደወል ኣስሚዑ።

ሸውጊ፡ ከም መጠን ገዲም ፖለቲከኛ ፍቓድ ፕረዚደንት ፑቲን ከም ዘለዎ ከየረጋገጸ ንቫግነር ንምቍጽጻር ኣይብገስን።

ፕሪጎዚን፡ ድሕሪ እቲ ካብ ፕረዚደንት ፑቲን ኣቓልቦ ንምርካብ ብዝብል ንኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ሰራዊት ሩስያ ከቕርቦ ዝጸንሐ ነቐፌታን ጸርፍታትን “ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት”፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ፕረዚደንት ንሓለፍቲ ምክልኻል ሰራዊቱ ክድግፍን ነቲ ናይ ቀደም መሓዛኡ ክኣ ከጓንዮን ርእዩ።

ድሕሪ መዓልታት፡ ፑቲን ነቲ ስጉuምቲ ግብራዊ ክኸውን ብምፍቃድ “ምስ ልቦና ዝሰማማዕ” ምዃኑን “ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ተግባራዊ” ክኸውን ከም ዘለዎን ተዛሪቡ።

ገለ ሰባት ፕሪጎዚን ድሕሪ’ዚ እዩ ናዕቢኡ ክውጥን ጀሚሩ ይብሉ።

ሰራዊቱ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣንጻር እቲ ስሩዕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝገብርዎ ዝነበሩ ወፍሪ ኣጐሃሂሮም፤ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ቫግነር ተዅሲ ከፊቱ ኢሎም ዝኸሰስዎ ኮማንደር ሩስያ ጨውዮም።

ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ከም ዝሕብራኦ፡ ሰበስልጣን ስለያ ንሓያሎ መዓልታት ምንቅስቓስ ቫግነር ብምትንታን፡ ፕሪጎዚን ገለ ዓይነት ስጕምቲ ክወስድ ከም ዝሓሰበ ንምምሕዳር ባይደን ኣፍሊጦም ነይሮም’ዮም።

ፕሪጎዚን “ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ንህዝቢ ከደናግር፡ ንፕረዚደንት ከደናግር ይፍትን ኣሎ" ክብል ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ገሊጹ።

ብዓርቢ ምሸት እቲ ምክልኻል ንጕጅለ ቫግነር ንምቍጽጻር መደብ ከም ዘለዎም ድሕሪ ምግላጹ፡ ፕሪጎዚንን ሰራዊቱን ካብ ዩክረይን ወጺኦም ንከተማ ሮስቶቭ ሩስያ ሒዞማ።

ገለ ሰባት ፕሪጎዚን ካብ ፑቲን ገለ ሕድገታት ድሕሪ ምኽሳቡ እቲ ዝጀመሮ ናዕቢ ከብቅዕ ከም ዝተሰማምዐ ይገልጹ።

እዚ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ሚኒስትሪ ምክልኻል ለውጢ ከጠቓልል ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም፤ እንተዀነ እዚ ክሳብ ክንደይ ሓቂ’ዩ ዝብል ንጹር ኣይኰነን።

ማዕረ ማዕሪኡ ንሸውጊን ገራሲሞቭን መን ክትክእ ምዃኑ ንጹር ኣይኰነን።

ሕጂ ኣንጻር ናዕቢ ቫግነር ዝዛረብ ዘሎ ኣብ ሓደ እዋን መሓዛ ፕሪጎዚን ዝነበረ ጀነራል ሰርጌይ ሱሮቪኪን ካብቶም ወተሃደራዊ ዕብየት ዝወሃቦም ጀነራላት ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ብጀነራል ኣርማጌዶን ዝፍለጥ ጀነራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓጺር እዋን ነቲ ናብ ወራር ዘቕንዐ ሰራዊት ሩስያ ዝእዝዝ ዝነበረ ኰይኑ፡ ብድሕሪ እቶም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዒላማ ዝገብሩ ዝነበሩ ውጽኢታዊ ዘይኰኑ ወፍሪታት ዝነበረ እዩ።

ፕሪጎዚን ንርእሱ እንታይ ከም ዘጋጥሞ ዝፍለጥ ኣይኰነን።

ናብ ሞስኮ ዝገብሮ ዝነበረ ገስጋሰ ደው ከብሎ ምውሳኑ ንብዙሓት ተሪር መስመር ደገፍቲ ኲናት ዝዀኑ ባእታታት ሩስያ ከቘጥዕ ይኽእል'ዩ።

እቲ ንሱ ዘለዎ ገዚፍ ሃብቲ ክዕቅብ ክፍቀደሉ ድዩ ኣይፍቀደሉን ድማ ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ ማዕከናት ዜና ሩስያ ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ቫግነር ኣብ ዝተፈጸመ ዝምታ፡ 48 ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብ ከም ዝተረኽበን፡ እዚ ድማ ፕሪጎዚን ንስድራቤት ዝሞቱ ወተሃደራት ንምኽሓስ ከም ዝተጠቕመሉን ይገልጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 10 ናይ ብሕቲ ወተሃደራዊ ኩባንያታት ኣብ ሩስያ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ።

ሸውጊ ኣብ ዩክረይን ዝንቀሳቐስ ‘ፓትሪዮት ፒኤምሲ’ ዝተባህለ ናይ ገዛእ ርእሱ ኩባንያ ከም ዝቈጻጸር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

እዞም ጕጅለታት ነቲ ስርዓት (ሩስያ) ዘለዎም ተኣማንነት ክሳብ ክንደይ እዩ? ዝብል ዓብይ ሕቶ ኰይኑ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ዝተናውሐ ኲናት፡ “ንፈደረሽን ሩስያ ዓቢ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሓደጋታት ዝስከም’ዩ” ይብል፡ ኣብ ሞስኮ ማእከሉ ዝገበረ ተንታኒ ስትራተጂታትን ቴክኖሎጂታትን ሩስላን ፑኮቭ።

“ኤሊት ሩስያ፡ ንባዕሉ ፕረዚደንት ሓዊሱ ነዊሕ ኲናት ንሩስያ ጠቓሚ እዩ ዝብል ተስፋ. . . ሓደገኛ ምትላል” ምዃኑ ክግንዘቡ ኣለዎም ይብል።