ሓላፊ ዋግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን፡ ናብ ሞስኮ ዝገብሮ ዝነበረ ወፍሪ ደው ኣቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወተሃደራት ሩስያዊ ጉጅለ ዋግነር፡ ናዕቢ ድሕሪ ምፍታኖም 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ እዋን ካብ ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ክወጹ ከምዝጀመሩ ይግለጽ።
ኣቐዲሙ ሓላፊ እቲ ጉጅለ፡ ንተጋደሎቱ ደም ከይፈስስ ናብ ዩክሬን ክምለሱ ከምዝነገሮም ገሊጹ።
ሕጂ የቭገኒ ፕሪጎዚን ናብ ጎረቤት ሃገር ቤላሩስ ክግዕዝ ምዃኑን ኣብ ልዕሊኡን ወተሃደራቱን ዝቐረበ ክሲ ክስረዝ ምዃኑ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ሓቢረን።
ኣብ ሩስያ ሕንፍሽፍሽን ፍሉይን መዓልቲ ከምዝተዛዘመ ዘመልክት እዩ።
ጉጅለ ዋግነር ኣብ ዩክሬን ምስ ስሩዕ ሰራዊት ሩስያ ኮይኑ ክዋጋእ ዝጸንሐ ናይ ብሕቲ ሰራዊት ዕሱባት እዩ።
እቲ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ኣብ መንጎኦም ወጥሪ እናዓበየ ከምዝጸንሐን፡ ፕሪጎዚን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መሪሕነት ሩስያ ድምጺ ነቐፌታታት ከምዘካየደ ይፍለጥ።
ትማሊ ቀዳም ንግሆ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ዝበፅሐ፡ ዕሱባት ወተሃደራት ጉጅለ ዋግነር ካብቲ ኣብ ዩክሬን ዝርከብ ናብ ሜዳ መዓስከራት ዶብ ሰጊሮም ናብ ደቡባዊት ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ምስ ኣተዉ እዩ።
ኣብቲ ቅልጡፍ ምዕባለታት፡ ነቲ ዞባዊ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ሒዞም ኣብታ ካልእ ንሰሜን ርሒቓ እትርከብ ከተማ ቮሮነዝ ናብ ሞስኮ ገጻ እትርከብ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ከም ዝሓዙ ይንገር።
እቶም ተቓለስቲ ናብ ርእሰ ከተማ ገጾም ክጓዓዙ ብምጅማሮም፡ ክረምሊን ኣብ ብዙሓት ዞባታት ጽኑዕ ጸጥታ ከተኣታቱ ምኽንያት ኮይኑ፡ ከንቲባ ርእሰ ከተማ እታ ከተማ ንነበርቲ ካብ መገሻ ክቑጠቡ ነጊርዎም።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሩጻት ወተሃደራት ቸቸንያ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ንወተሃደራት ዋግነር ንምምካት ናብ ሞስኮ ይኸዱ ከምዘለዉ ዘርኢ መጠንቀቕታታት እውን ነይሩ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነቶም ንሩስያ "ጠሊሞም" ዝበሎም ክቐጽዑ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
እቲ ኵነታት ብሃንደበት ንምህዳእ ዝተገብረ ስምምዕ፡ መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ምስ ፕሪጎዚን ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ትማሊ ቀዳም ምሸት ከምዝተፈጸመ ሩስያዊት ቻነል ቲቪ ሮስያ 24 ሓቢራ።
ድሕሪ ሰዓታት፡ ወተሃደራት ዋግነር ካብ ሮስቶቭ ክወጹን፡ መራሒኦም ድማ ብዕልልታን ምጭብባጥ ኢድን ደገፍቲ ክባረሩ ዘርኢ ቪድዮ ተቐልቂሉ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብዛዕባ ናይቲ መዓልቲ ፍጻመታት ርእይቶኦም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኩነታት "ፍጹም ህውከት" እዩ ኢሉ።
"እቲ ኣብ ክረምሊን ዘሎ ሰብኣይ ኣዝዩ ከምዝፈርሐን ምናልባት ኣብ ሓደ ቦታ ተሓቢኡ ክኸውን ከምዝኽእልን ርዱእ'ዩ፡ ንነብሱ ከይረአ ተሓቢኡ ኣሎ። ሕዚ ኣብ ሞስኮ ከምዘየለ ርግጸኛ እየ" ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
"እንታይ ከም ዘፍረሖ ይፈልጥ እዩ፡ ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ እዩ ነዚ ስግኣት ፈጢርዎ። ኩሉ ክፍኣት፣ ኩሉ ክሳራ፡ ኩሉ ጽልኢ - ንሱ እዩ ዝዘርገሖ።"
ክልተ ፕረዚደንታዊ ነፈርቲ ትማሊ ቀዳም ካብታ ከተማ ምስ ተበገሳ፡ ሚስተር ፑቲን ካብ ሞስኮ ሃዲሙ ዝብል ወረታት ይስማዕ ነይሩ።
ይኹን እምበር ፕረስ ጸሓፊኡ ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ክረምሊን ከምዘሎ ገሊጹ።
ሚስተር ፔስኮቭ ወሲኹ፡ እቲ ንፕሪጎዚን ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክስረዝን ኣብ ልዕሊኡን ሰራዊቱን ገበናዊ ክሲ ክዕጾን ምዃኑ ገሊጹ።
ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ውዕል ክፍርሙ ዝደልዩ ዕሱባት ዋግነር ሕጂ’ውን ከምኡ ክገብሩ ከምዝኽእሉ እቲ ፕረስ ጸሓፊ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







