መራሒ ጉጅለ ዋግነር ን24 ስዓታት ኣብ ሩስያ ዘስዐቦ ዕግርግር

የቭገኒ ፕሪጎዥን ምስ ዕሱባቱ ኣብ ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, የቭገኒ ፕሪጎዥን ምስ ዕሱባቱ ኣብ ዩክረይን [ዝጸንሐ ስእሊ]

ሓላፊ ጉጅለ ዕሱብ ዋግነር የቭገኒ ፕሪጎዥን፡ ወተሃደራቱ ናብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ሞስኮ ከምርሑ ምስ ኣዘዘ፡ እታ ሃገር ን24 ሰዓታት ኣብ ናዕቢ ኣትያ ውዒላን ሓዲራን።

ቭላድሚር ፑቲን ቅድሚ ዒስራ ዓመታት ስልጣን ካብ ዝዓትር ጀሚሩ ከምዚ ዓይነት በዳሂ ኩነታት ክገጥሞ ንፈለማ እዋን እዩ።

ቭላድሚር ፑቲን፡ ንሓላፊ እቲ ጉጅለ የቭገኒ ፕሪጎዥን፡ ብኽሕደት፣ ዕጥቃዊ ናዕቢ ምጅማርን "ንሩስያ ብድሕሪቱ ብምውጋእን” ከሲስዎ።

ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ሩስያውያን ዝዀነ ፕሪጎዥን፡ ዕላምኡ "ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምክያድ ዘይኰነስ ንፍትሒ ዝግበር ሰልፊ" ምዃኑ ይዛረብ።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ሩስያ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ጉጅለ ቫግነር እንታይ’ዩ ገይሩ?

ፕሪጎዥን ኣብቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ዓቢ ተራ ተጻዊቱ’ዩ፤ ብፍላይ ኣሽሓት ሰባት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሩስያ ናብ ቫግነር ክምልመሉ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ምስቶም ነቲ ኲናት ዝመርሑ ዘለዉ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ብርቱዕ ጽልኢ ከም ዘለዎ ብግልጺ ክንገር ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ርክብ ግን ናብ ናዕቢ ተቐይሩ።

ሓይልታት ቫግነር ካብ ዝተጎበጠ ምብራቓዊ ዩክረይን ናብታ ዓባይ ደቡባዊት ሩስያ ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ሰጊሮም፡ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ከም ዝተቖጻጸሩ ተገሊጹ ነይሩ።

ፕረዚደንት ፑቲን፡ እቲ ኵነታት ከቢድ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ንሩስያ ንምክልኻል ግን ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ቃል ኣትዩ።

24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ እዋን ግን ተቓለስቲ ሩስያዊ ጉጅለ ቫግነር፡ ካብ ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ክወጹ ከም ዝጀመሩ ይግለጽ ኣሎ።

መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ምስ ፕሪጎዥን ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ትማሊ ቀዳም ምሸት እቲ ኵነታት ዝሕል ከም ዝበለ ሩስያዊት ቻነል ቲቪ ሮስያ 24 ሓቢራ።

ሕጂ የቭገኒ ፕሪጎዥን ናብ ጎረቤት ሃገር ቤላሩስ ክግዕዝ ምዃኑን ኣብ ልዕሊኡን ወተሃደራቱን ዝቐረበ ክሲ ከም ዝስረዝን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ሓቢረን።

እዚ ድማ እቲ ኣብ ሩስያ ዘጋጠመ ሕንፍሽፍሽ ከም ዝተዛዘመ ዘመልክት እዩ።

ዕልዋ መንግስቲ ድዩ ነይሩ?

ፕሪጎዥን፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝብል ኣገላልጻ ዕሽነት ኢሉ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት ሩስያን ጉጅለ ቫግነርን ምትህልላኽ ዘበገሰ ቀንዲ ምኽንያት ሰራዊት ሩስያ ንተቓለስቱ እኹል መሳርሕታትን ተተኮስትን ከቕርብ ብዘይምኽኣሉ እዩ።

ቫግነር ነቶም ነቲ ኲናት ዝመርሑ ዘለዉ ክልተ ሰባት - ሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌይ ሾይጉን ሓላፊ ዕጡቓት ሓይልታት ቫለሪ ጄራሲሞቭን ብቀጥታ ብድሆ ኰይኑዎም።

እቲ ኵነታት ዕልዋ መንግስቲ ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ስልጣን ካብ መንግስቲ ንምምንዛዕ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይነበረን።

ናይ ፕሪጎዥን "ናይ ብሕቲ ወተሃደራዊ ኩባንያ" እውን፡ ዋላ እኳ ሰፊሕ ደገፍ ኣለኒ እንተበለ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ኣይውክልን።

እንተዀነ ግን ንላዕለዎት ኣባላት ሩስያ ንምውዳቕ ዝግበር ፈተነ ስለዝዀነ ንስልጣን እቲ ፕረዚደንት ብድሆ ኰይኑ ነይሩ።

ዋላ’ኳ ፕሪጎዥን መወዳድርቲ ሓይሊ ከማዕብል ዝፈቐደ ባዕሉ ፑቲን እንተዀነ፡ ደጊም ግን ክቆጻጸሮ ከም ዘይኽእል ብንጹር ይርአ ኣሎ።

ክረምሊን ነዚ ኣዝዩ ብዕቱብ ወሲዱ፡ መላእ ዞባ ሞስኮ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ "ስርሒት ጸረ-ሽበራ" ኣትያ፡ ዓበይቲ ፍጻመታት’ውን ተሰሪዞም ነይሮም።

ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ምብራቕ ዶብ ዩክረይን ኣብ እትርከብ ዞባ ቮሮነዝ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ተወሲዱ ነይሩ።

"25 ሽሕ ኢና" ይብል ፕሪጎዥን። "ዝደሊ ኩሉ ምሳና ይጸንበር።"

እዚ ንፕረዚደንት ፑቲን ዘስግእ’ኳ እንተዘይነበረ: ነቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ ግን ብድሆ ክኸውን ይኽእል ነይሩ።

ተቓለስቱ ዶብ ኣስጊሩ ናብ ሮስቶቭ ብምግዓዝ፡ ማእኸል መአዘዚ ሰራዊት ሩስያ ዝኸበበን ብተወሳኺ ሚኒስተር ምክልኻልን ሓላፊ ዕጡቓት ሓይልታትን ከም ዝሃደሙ ምግላጹ ዝፍለጥ እዩ።

ፕሪጎዥን፡ ንሩስያ ከም ዘይጠለመ ይገልጽ፡ "ኣዝዩ ተጋግዩ" ብምባል ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ግሉጽ ነቐፌታ ይህብ።

ፕሪጎዥን እንታይ’ዩ ድሌቱ?

"ሰልፊ ንፍትሒ" ዝብል ሓሳቡ ድሩት እኳ እንተዀነ፡ ምስ ወተሃደራዊ መራሕቲ ዘለዎ ቅርሕንቲ ግን ብቕልጡፍ ክብ ከም ዝበለን ብሓይሊ ከውርዶም ከም ዝደሊን መሲሉ ተራእዩ ነይሩ።

ፕሪጎዥን ብዓርቢ ኣብ ሮስቶቭ ንዝነበረ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻልን ሓደ ጀነራልን፡ እቶም ክልተ ቀንዲ ወተሃደራዊ መራሕቲ መጺኦም ክሳብ ዘዘራርብዎ፡ ዕሱባቱ ነታ ከተማ ዓጽዮም ከም ዝጸንሑን ናብ ሞስኮ ከም ዘምርሑን ክነግሮም ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ እዩ።

ኣብ ሰሜን ሮስቶቭ ኣብ ዝርከብ ዞባ ቮሮነዝ፡ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ከም ዝተሃርመትን፡ ቃፍላይ ቫግነር ድማ ናብ ሰሜን ገጽ የምርሕ ከም ዘሎን ዝገልጹ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም።

ፕሪጎዥን፡ ምስቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ወተሃደራት ሩስያ ቅርሕንቲ የብሉን፤ ጽልኡ ምስቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ "መላገጽቲ" ምዃኑ'ዩ ዝምጉት።

ሓያሎ ጀነራላት ህድእ ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦምሉ'ኳ እንተነበሩ፡ ንሱ ግን ከይተቐበለ'ዩ ጸኒሑ።

ርክብ ፑቲንን ፕሪጎዥንን እንታይ ይመስል?

ፕሪጎዥን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ናይ ቀረባ መሓዛ ፕረዚደንት ፑቲን እዩ፤ ፈለማ ከም ሃብታም ነጋዳይ ድሕሪኡ ድማ ከም ሓላፊ ዕሱባት ኣብ ትሕቲኡ ማዕቢሉ እዩ።

ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ንባክሙት ንምሓዝ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ወፍሪ፡ ተቓለስቲ ቫግነር ብብዝሒ ሞይቶም እዮም።

ፕሪጎዥን ንሕጽረት ተተኰስቲ ንላዕለዎት ሰራዊት ወተሃደራት ወቒሱ፤ ስእላዊ ቪድዮታትን ጸርፊ ዝመልኦ መልእኽትታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን እቲ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዘጋጠሞ ውድቀት ዘቃልዐ ነይሩ።

ንፕረዚደንት ፑቲን ብቐጥታ ዒላማ ዝገበረ ቁጥዐ ገሊጹ ኣይፈልጥን፡ እንተዀነ ግን "ሕጉስ ኣቦሓጎ" ዝብል ናይ ላግጺ ኣገላልጻኡ ብሰፊሑ ከም ዘይቀጥታዊ ነቐፌታ ይረአ ነይሩ።

ፕሪጎዥን ንወተሃደራዊ መራሕቲ ብተኸታታሊ ተጻሪፉ እዩ

ምንጪ ስእሊ, CONCORD PRESS SERVICE

መግለጺ ስእሊ, ፕሪጎዥን ንወተሃደራዊ መራሕቲ ብተኸታታሊ ተጻሪፉ እዩ

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ንኹለን ኣብ ዩክሬን ዝርከባ ዕሱባት ጉጅለታት ክሳብ 1 ሓምለ ውዕል ሚኒስትሪ ምክልኻል ክፍርማ ዝብል ስጉምቲ ሰርጌይ ሾይጉ ደጊፉ ነይሩ።

ፕሪጎዥን ንጽልዋኡ ከም ብድሆ ብምርኣይ ኣብዩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣዝዩ ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ኣርእዩ።

ንሱ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ተቓለስቱ ደብዳብ ኣካይዱ ክብል ከሲሱ፡ እንተዀነ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነጺግዎ።

ዓርቢ ኣጋምሸት "ሰልፊ ንፍትሒ" ይካየድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዩክረይን ምክትል ኣዛዚ ሓይልታት ጀነራል ሰርጌይ ሱሮቪኪን፡ ፕሪጎዥን ንድሕሪት ተመሊሱ ንስልጣን ፕረዚደንት ፑቲን ክግዛእ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ግን ተቓለስቲ ፕሪጎዥን ኣብ ሮስቶቭ በጺሖም ነይሮም፡ "ኣብ ውሽጢ [ወተሃደራዊ] ዋና ቤት ጽሕፈት ኢና ዘለና" ኢሉ።

ተቓለስቲ ቫግነር ኣብታ ንሰሜን ርሒቑ ናብ ሞስኮ ገጻ እትርከብ ቮሮነዝ ንወተሃደራዊ ትካላት ከም ዝተቖጻጸሩ እውን ዘመልክቱ ጸብጻባት ተዘርጊሖም።

እዚ ንመሪሕነት ፑቲንን ንሩስያውያን ንቕሓት ዝፈጥርን ህሞት እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ቀዳም ግን ፕሪጎዚን ንኹሉ ነገር ገዲፉ፡ ወተሃደራቱ ናብ መደበር ክምለሱ ኣዚዙዎም ኣሎ።

ንሱ ድማ፡ ልዝብ ድሕሪ ምግባሩ፡ ናብ ሃገረ ቤላሩስ ከም ዝሰገረ ይዝረብ ኣሎ።

የቭገኒ ፕሪጎዥን ካብ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ክብገስ ከሎ ገሊኦም ኢዱ ክጭብጥዎ ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, የቭገኒ ፕሪጎዥን ካብ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ክብገስ ከሎ ገሊኦም ኢዱ ክጭብጥዎ ተራእዮም

እዚ ንፑቲን ናበይ ይወስዶ?

ፑቲን ኣብ ገጹ፡ ብፕሪጎዢንን በታ ንሙሉእ መዓልቲ ህውከት ዝነገሳ ሃገርን ዝጸምለወን ዝደኸመን ይመስል።

ስልጣኑ ንምድሓን ድማ ኣብ መራሒ ቤላሩስ ምፅግዑ ዝገደደ ዝተዋረደ ኣምሲልዎ።

ሚስተር ሉካሸንኮ፡ ኣብ 2020 መረጻ ሰልፈኛታት ሃገሩ ኣብ ዝበድህዎ እዋን፡ ዝደገፈቶ ሩስያ እያ።

ፕረዚደንትነት ዩክሬን፡ ፑቲን ተዋሪዱ ከም ዝተረፈ ገሊጹ።

ክልተ ፕረዚደንታዊ ነፈርቲ ትማሊ ቀዳም ካብታ ከተማ ምብጋሰን ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ካብ ሞስኮ ሃዲሙ ዝብል ወረታት ተሰሚዑ ነይሩ።

ይኹን እምበር ፕረስ ጸሓፊኡ ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ክረምሊን ከም ዘሎ ገሊጹ።

ወሲኹ፡ እቲ ንፕሪጎዥን ዝወጸ ትእዛዝ ማእሰርቲ ክስረዝን ኣብ ልዕሊኡን ሰራዊቱን ዝተጀመረ ገበናዊ ክሲ ክቋረጽን ምዃኑ’ውን ገሊጹ።

ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ውዕል ክፈርሙ ዝደልዩ ዕሱባት ቫግነር ሕጂ’ውን ከምኡ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ እቲ ፕረስ ጸሓፊ ገሊጹ ኣሎ።

ግን ካልእ ኣረኣእያ እውን ኣሎ፡ ሩስያውያን ሕጂ ኣማራጺ ፕረዚደንትነት ፑቲን ርእዮም ኣለዉ፤ ንሓያሎ ሰዓታት ስርዓት ኣልቦነት ነጊሱ ነይሩ።

እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ 25 ሽሕ ዕሱባት ዝሓቖፈ ጉል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘእትወሉ መንገዲ እውን ረኺቡ ኣሎ።

ዕግርግረኛ መራሒኦም የቭገኒ ፕሪጎዚን ግን ንሓዋሩ ካብ ምስሊ ዝወጽአ ይመስል።