ፑቲን መሻርኽቱ ንዝነበረ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር ክቐፅዕ ምዃኑ ተሓንዩ

ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን

ሓለቓ ሩስያዊ ጉጅለ ቅንፀላ ቫግነር፡ ንወተሃደራዊ መራሕቲ ሰራዊት ሩስያ ንምዕላው ኩሎም መገድታት ከምዝኸዶም ተሓንዩ፤ ክሬምሊን እቲ ጉጅለ “ብዕጥቃዊ ናዕቢ” ምኽሳሳ ስዒቡ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ፡ ዋግነር ነቶም ኣብ ኵናት ዩክረይን መሻርኽቱ ዝኾኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ተሓንዩ ዘሎ።

ሓለቓን መስራቲን እቲ ጉጅለ የቭገኒ ፕሪጎዢን፡ እዚ ንምግባር ዘድልይ ዘበለ ኩሉ ከም ዝገብርን ተቓለስቲ ቫግነር፡ ካብ ዩክረይን ናብ ሩስያ ብምኻድ ነታ ማእኸል መአዘዚ ሰራዊት ሩስያ ዝኾነት ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ከም ዝተቖፃፀርዋ ገሊፁ።

የቭገኒ ፕሪጎዢን፡ ኣወዳት እቲ ጉጅለ ኣብ መገዶም ንዝፀንሖም ኩሉ ከም ዝድምስሱ ተሓንዩ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ: ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ እዞም ተግባራት “ ንህዝብና ብድሕሪቱ ካራ ከም ምውጋእ’ዩ”ኢሉ።

ፑቲን፡ ንመሐነይታ ሓለቓ ዋግነር ስዒቡ ንፈለማ እዋን እዩ ኣብዚ ጉዳይ ተዛሪቡ ዘሎ።

እቲ ፕረዝደንት ኩሎም ሓይልታት ክሓብሩ ዝፀውዐ እንትዀን፡ ነዚ ናይ ዋግነር ስጉምቲ ድማ፡ “ ክሕደት እዩ። ኣብ ልዕሊ ሑቐ ህዝብና ዝተገበረ መውጋእቲ” ክብል ገሊፅዎ።

ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ዜጋታት ተረጋጊዖም ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ክዀኑ ኣገንዚቡ።

የቭገኒ ፕሪጎዢን፡ ወተሃደራቱ ንሓንቲ ወተሃደራዊት ሄሎኮፕተር ወቒዖም ከም ዘውደቑ ገሊፁ። እታ ሄሊኮፕተር ኣበየናይ ከባቢ ከም ዝወደቐት ግና ኣይገለፀን።

ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር ምስ ሰራዊት ሩስያ ተሻሪኹ፡ ኣብ ኵናት ዩክረይን ዝዋጋእ ዘሎ እዩ።

ኣብቲ ኵናት ብኸመይ ኢና ክንቃለስ ዘለና ብዝብል፡ ኣብ መንጐ እቶም ኢድን ጓንትን ኰይኖም ኣንፃር ዩክረይን ይዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት፡ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ንነዘ ከቢድ ውጥረት ሰፊኑ፡ ናብዚ ናይ ሕዚ ብርኪ በፂሖም።

ወዲ 62 ዓመት ሓለቃ ናይቲ ቀንፃሊ ጉጅለ የቭገኒ ፕሪጎዢን፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራቱ ከቢድ ደብዳብ ሚሳይል ከም ዝገበረ ብምኽሳስ፡ ንዕኦም ድማ ከም ዝቐፅዖምን ተሓንዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራተይ ተፈፂሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ግና፡ ዘቕረቦ መርትዖ የለን።

ሰብመዚ ሩስያ፡ ነቲ በቲ ዕሱብ ጉጅለ ዝቐረበ ክሲ ከም ዘይወዓልዎ ብምግላፅ፡ ዋግነር ካብ “ዘይሕጋዊ ተግባራቱ” ክቑጠብ ሓቲቶም።

የቭገኒ ፕሪጎዢን፡ “ሰይጣናዊ” መሪሕነት ሰራዊት ሩስያ ደው ክብል ኣለዎ! ብምባል፡ ዝወስዶ ስጉምቲ ፍትሒ ንምስፋን ከም ዝኾነ ገሊፁ።

ሓለቓ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር የቭገኒ፡ “እዞም ንመናእሰያትና ዝቐተሉ፣ ህይወት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሩስያውያን ናብ ኵናት ዩክረይን ኣእትዮም ዘወድኡ ክቕፅዑ እዮም” ክብል፡ ብመገዲ ቴሌግራም ገሊፁ።

“ከይትቃወሙ እምሕፀነኩም ኣለኹ። ነዚ ስጉምቲ ዝቃወም ዝኾነ ኣካል ከም ስግኣት ተወሲዱ ክድምሰስ እዩ። እዚ፡ ኣብ መገድና ንዘዐንቅፈና ኬላን (መፈተሺ ናቑጣ) ኣቪየሽንን ዝሓውስ እዩ።

ሓለቓ ሩስያዊ ጉጅለ ቅንፀላ ዋግነር የቭገኒ ፕሪጎዢን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሓለቓ ሩስያዊ ጉጅለ ቅንፀላ ዋግነር የቭገኒ ፕሪጎዢን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዝደንታዊ ሓይሊ፣ መንግስቲ፣ ፖሊስ፣ ሓለዋ ሩስያን ከም ልሙድ ስርሖም ክቕፅሉ እዮም።

እዚ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣይኰነን፡ ፍትሒ ንምስፋን ዝግበር ገስጋስ’ምበር። ስጉምትታትና ኣብ ሰራዊት ሩስያ ጣልቃ ዝኣቱ ኣይኰነን” ኢሉ።

ወሃቢቃል ፕረዝደንት ሩስያ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ በብ ሕድሕድ ደቒቓ ሓበሬታ ይበፅሖ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብ ርእሰከተማ ሞስኮ ፅኑዕ ሓለዋ ፀጥታ ይግበር ኣሎ፤ ሎሚመዓልቲ ንጉሆ መጠነ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ተራእዩ።

ወተሃደራት እቲ ቀንፃሊ ጉጅለ ዋግነር ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ከተማ ሮስቶቭ ይርከቡ።

ኣመሓዳሪ ሊፒቴስክ፡ ነበርቲ ንኣንፈት ደቡብ ከይንቀሳቐሱ ኣገንዚቡ።

ሊፒቴስክ፡ ካብ ከተማ ሮስቶቭ 500 ኪሎሜትር፣ ካብ ዶብ ዩክረይን ድማ 280 ኪሎሜትር ርሒቃ ትርከብ።

ሰራዊት ሩስያ፡ “ነዚ ጉዳይ ንከታተሎ ኣለና” ካብ ምባል ወፃኢ፡ ኣብዚ ኣብዚ ሓድሽ ምዕባለ ዝሃቦ ዝረዝር ርኢቶ የለን።

ሚኒስትር ምክልኻል ሰራዊት ዩክረይን፡ “ንሕና ንዕዘብ ኣለና” ክብል፡ ብመገዲ ትዊተር ገለፁ።

ዋይት ሃውስ ብወገኑ፡ ነዚ ጉዳይ ይከታተሎ ከም ዝነበረን ምስ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ከም ዝመኽረሉን ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሕዚ ንመራሒ እቲ ጉጅለ የቭጌኒ ፕሪጎዢን ንኢድዎ ዝነበረ ምክትል ኣዛዚ ሓይልታት ሩስያ ጀነራል ሰርጌ ሹሮቪኪን፡ የቭጌኒ “ነተን ቃፍላያት ደው ከብለንን ናብ ቦትአን ክመልሰንን” ፀዊዑ።

እቲ ጀነራል ኣብ ዝዘርገሖ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ “ደምና ሓደ እዩ። ተዋጋእቲ ኢና። ንሃገርና ከቢድ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብ ኢድ ፀላእቲ ክትፃወት የብልካን” ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ድማ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሩስያን ዋግነርን ደማዊ ኵናት ክስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ንክሕይል ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

ካልእ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ሩስያ ቭላድሚር ኣሌክሲየቭ ድማ፡ ንስጉምቲ የቭጌኒ “ንፑቲን ነታ ሃገር ንፕረዝደን ፑቲንን ብካራ ምውጋእ’ዩ” ክብል ገሊፅዎ።

መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር፡ ኣገልግሎት ደሕንነት ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ የቭጌኒ ፕሪጎዢን “ዕጥቃዊ ናዕቢ ብምልዓል” ገበናዊ ክሲ ከምዝመስረተ ኣቃሊሑ።

ኣገልግሎት ደሕንነት እታ ሃገር ወሲኹ፡ የቭጌኒ ፕሪጎዢን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕል ፀዊዑ ኣሎ።

ሓለቓ ዕሱብ ጉጅለ ዋግነር የቭጌኒ ፕሪጎዢን ብዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኵናት ዩክረይን ሚኒስትር ምክልኻል ሰራዊት ሩስያ ሰርጌ ሾጉ መዓርግ ማርሻል ንኽረክብ ንክብሩ ዝተወልዐ ኵናት’ዩ ክብል ገሊፁ።

“እቲ ሚኒስትር ምክልኻል ንህዝቢ፣ ንፕረዝደንት ከታልል ይፍትን ኣሎ። ብዩክረይን ተወሪርና፣ ኔቶ ኣብ ልዕሌና ወፊሩ ብምባል ስኑዕ ተረኽ ፈጢሩ ኢሉ።