ሓላፊ ቫግነር ዝሓዘት ነፋሪት ኣብ ሩስያ ወዲቓ

የቭገኒ ፕሪጐዢን

ምንጪ ስእሊ, TELEGRAM

ዝርዝር ሓላፊ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዢን ዝርከቦም ተጉዓዝቲ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ሩስያ ተሓምሺሻ፤ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባት ሞይቶም።

የቭገኒ ፕሪጎዢን’ውን ኣብታ ነፋሪት ከም ዝነበረ ይእመን።

ኣቐዲሙ፡ ምስ ቫግነር ዝተኣሳሰር ‘ግሬይ ዞን’ ዝተባህለ ናይ ቴሌግራም ቻነል እታ ጀት ኣብ ሰሜን ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ዞባ ትቨር ብምክልኻል ኣየር ከም ዝተሃርመት ገሊጹ ነይሩ።

ማዕከን ዜና ሩስያ ዝዀነ ታስ እታ ነፋሪት ናብ መሬት ምስ ወደቐት ብሓዊ ከም ዝተቓጸለት ብምግላጽ፡ ድሮ ኣርባዕተ ኣስክሬናት ከም ዝተረኽቡ ሓቢሩ።

እታ ነፋሪት ንፍርቂ ሰዓት ዘይመልእ ኣብ ኣየር ከም ዝነበረት’ውን እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

ፕሪጎዚን ኣብ ወርሒ ሰነ ኣንጻር ዕጡቓት ሓይልታት ሩስያ ዝፈሸለ ናዕቢ መሪሑ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ወዲ 62 ዓመት ሓላፊ ዕሱባት ወተሃደራት ቫግነር፡ ነቲ ካብ 23 ክሳብ 24 ሰነ 2023 ዓ.ም ዝካየድ ዝነበረ ናዕቢ መሪሑ፡ ሰራዊቱ ካብ ዩክሬን ብምግዓዝ፡ ንደቡባዊት ሩስያ ከተማ ሮስቶቭ ኦን ዶን ሒዙ ናብ ሞስኮ ክኣቱ እየ ብምባል ንሰራዊት ሩስያ ከም ዘፈራርሐ ይዝከር።

እዚ ስጉምቲ፡ ብሰንኪ ኲናት ዩክሬይን ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ንኣዋርሕ ድሕሪ ዝጸንሐ ወጥሪ ዝስዓበ’ዩ።

እቲ ምትፍናን ሰራዊት ቫግነር ናብ ቤላሩስ ክግዕዙ፡ ወይ ድማ ናብ ሰራዊት ሩስያ ክጽንበሩ ብዘኽእሎም ስምምዕ ሃዲኡ።

ፕሪጎዢን ንባዕሉ ናብ ቤላሩስ ክግዕዝ ተሰማሚዑ’ኳ እንተነበረ፡ ብናጽነት ይንቀሳቐስ ምህላው፤ ኣብ ሩስያ ይረአ ከም ዘሎን ናብ ኣፍሪቃ’ውን ከም ዝበጽሐን ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።

ትማሊ እቲ ሓላፊ ቫግነር ኣብ ሩስያ ድሕሪ ዘካየዶ ፍሹል ናዕቢ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መደረ ተራእዩ።

እዚ ቪድዮ ፕሪጐዢን ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። እንተዀነ ቢቢሲ እቲ ቪድዮ ኣበይ ከም ዝተቐድሐ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

እቲ ምስ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር ኣብ ዝተኣሳሰሩ ቻነላት ቴሌግራም ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ፕሪጐዢን ኣብ ናይ ውግእ ማርሻ ተኸዲኑ ዘርኢ ኰይኑ፡ ኣብቲ ቪድዮ ቫግነር ንኣፍሪቃ "ዝያዳ ነጻ ይገብራ ኣሎ" ኢሉ።

ፕሪጐዢን ኣብቲ ቪድዮ፡ ቫግነር ማዕድናት ንምድላይ ከምኡ'ውን ምስ እስላማውያን ዕጡቓትን ካልኦት ገበነኛታትን ይቃለስ ከም ዘሎ ይዛረብ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ "ንሰርሕ ኣለና። ሙቐት ልዕሊ 50 እዩ - ኩሉ ከም ድላይና እዩ። ናይ ብሕቲ ሰራዊት ኩባኒያ ሩስያ ቫግነር (Wagner PMC) ናይ ዳህሳስን ምድላይን ስጉምትታት የካይድ፡ ንሩስያ ኣብ ኩለን ኣህጉራት ዝያዳ ከም እትዓቢ ይገብራ፡ ኣፍሪቃ ድማ ዝያዳ ነጻ ይገብራ" ክብል ፕሪጐዢን ይስማዕ።

"ፍትሕን ሓጎስን - ንህዝቢ ኣፍሪቃ፤ ንዳዕሽን ኣልቃዒዳን ካልኦት ሸፋቱ ሕልሚ ቀትሪ ንገብሮ ኣለና"።

ምንቅስቓስ ቫግነር ኣብ ኣፍሪቃ

ቫግነር ኣብ ኣፍሪቃ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተዋጋእቲ ከም ዘለውዎ ይእመን።

ወተሃደራት ፕሪጐዢን ኣብ ማሊን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን (CAR) ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ሃገራት ይርከቡ።

ካብ 2015 ጀሚሩ ዕሱባት ወተሃደራት ቫግነር ኣብ ሶርያ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ደገፍቲ መንግስቲ ኰይኖም ክዋግኡን ናይ ነዳዲ ቦታታት ክሕልውን ጸኒሖም።

ኣብ ሊብያ’ውን ንሓይልታት ጀነራል ኸሊፋ ሓፍታር ዝሕግዙ ወተሃደራት ኣለውዎ። ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ (CAR) ድማ ዕደና ዳያመንድ ብቫግነር ክሕሎ እያ ገይራ።

ብተወሳኺ እዚ ጕጅለ ዕደና ወርቂ ሱዳን ከም ዝሕሉ ይግመት።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ - መንግስቲ ማሊ - ኣንጻር እስላማዊ ሚሊሻታት ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ንኣባላት እዚ ጉጅለ ይጥቀም።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ድማ እዞም ዕሱባት ወተሃደራት ገበናት ኲናት ፈጺሞም ክብሉ ይኸስስዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብስቕያትን ቕትለትን ሰላማውያን ሰባትን ዝኸሰሰቶም ክልተ ሓለፍቲ ስርሒታት ቫግነ እገዳ ኣንቢራ ነይራ።

ተዋጋእቲ ቫግነር ኣብታ ኣህጉር ብዘይሕጋዊ ውዕላት ወርቂ ንነብሶም ከም ዘሀብተሙ’ውን ኣመሪካ ክትከስስ ጸኒሓ ኣላ።

ጕጅለ ቫግነር እንታይ’ዩ? ክሳብ ክንደይ ዓብይ’ዩ?

ሃለዋት ጕጅለ ቫግነር፡ 2014 [ኣ.ኣ] ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ንዝርከቡ ተገንጸልቲ ሓይልታትን ደገፍቲ ሩስያን ክድግፍ ክጅምር እንከሎ እዩ ተፈሊጡ።

ዕሱባት ወተሃደራት እዚ ጕጅለ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን’ውን ኣለው።

ኲናት ዩክረይን ቅድሚ ምጅማሩ ቫግነር መብዛሕትኦም ገዳይም ረጅመንታትን ፍሉይ ሓይልን ሩስያ ዝነበሩ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ተዋጋእቲ ከም ዝነበርዎ ይእመን።

ይዅን’ምበር ካብኡ ንደሓር እቲ ቝጽሪ ከም ዝወሰኸ ይግመት።

የቭገኒ ፕሪጎዢን “ወፍሪ ፍትሒ” የካይድ ከም ዘሎ ብምግላጽ ናብ ሞስኮ ክግስግስ እንከሎ፡ 25 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝእዝዝ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ሩስያ፡ ዕሱባት ወተሃደራት ዘይሕጋዊ'ኳ እንተዀኑ ቫግነር ግን ኣብ ታሕሳስ 2022 ከም ሓደ ኩባኒያ ኰይኑ ተመዝጊቡ።

ኣሜሪካ ኣብ ጥሪ እዚ ዓመት፡ ነዚ ጕጅለ “ስግረ-ሃገራዊ ገበናዊ ትካል" ኢላ ክትምዝግቦ ምዃና ገሊጻ ነይራ።