መራሒ ቫግነር ፕሪጎዢን፡ “ዝንቀሳቐስ ሬሳ” ድዩ ነይሩ?

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
የቭገኒ ፕሪጎዢን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝመረሖ ናዕቢ፡ ንጉዳይ ሩስያ ዝከታተሉ ሰባት “ዝንቀሳቐስ ሬሳ” ገይሮም'ዮም ክገልጽዎ ጸኒሖም።
ድሕሪ እቲ ኣጋጣሚ ዝህሉ ዕድመ ናይቲ መራሒ ዕሱብ ጉጅለ ኣመልኪቱ ግምቱ ዘቐመጠ ዋና ዳይሬክተር ሲኣይኤ ዊልያም በርንስ “ ኣነ ፕሪጎዥን ነይረ እንተዝኸውን ምግበይ ኣጥዒመ ኣይምኸሸንኩን” ኢሉ።
ምሕምሻሽ እታ ንፕሪጎዥን ሒዛ እትበርር ዝነበረት ነፋሪት ኮነ ተባሂሉ ብመንግስቲ ሩስያ ዝተፈጸመ ጨካን ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ እንተኾይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ሩስያ ዝለዓለ “ፍሉይ ወታሃደራዊ ስርሒት ተገይሩ” ክውሰድ እዩ።
ገበነኛ፣ እሱር፣ ከሻኒን ኣቕራቢ ሆት ዶግን ዳሓር ድማ መራሒ ዕሱብ ጉጅለ ዝኾነ ፕሪጎዢን ኣባላት ዝመርሖ ዝነበረ ቫግነርን ካልኦትን ሓዊሱ ብዙሓት ኣድነቕቲ ነይሮምዎ። ቅድሚ ክልተ ወርሒ ንሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ናዕቢ ህዝቢ ከተማ ሮስቶቭ ኦን ዶን ዝገበረሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ብዙሓት ሰባት ርእዮም እዮም።
ኣብ ሞስኮ ግና ብዙሓት ጸላእቲ ነይሮምዎ፤ ብፍሉይ ድማ ብተደጋጋሚ ዝነቕፎም ዝነበረ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ሩስያ።
ኣብቲ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ 23 ሰነ ዘካየዶ ወታሃደራት ምርኢት ቀይሕ መስመር ምሕላፉ፡ ዝዓበየ ስሕተት ፕሪጎዚን ክኸውን ይኽእል እዩ። ዋላኳ ኣብቲ እዋን ንፑቲን ብሽም እንተዘይጠቐሶ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈጸመ ወራር ዝተውሃቡ ዕላዊ ምኽንያታት ብምውቃሱ ንክረምሊን ኣቖጢዑ።
ሩስያውያን ከምዝተታለሉን ደቆም ድማ ብድኹም መሪሕነት ይሞቱ ከምዘለዉን ነጊርዎም። ዓመጽ ቫግነር ከምክሕደት ዝወሰደ ፑቲን “ተኻሒድና፡ ብድሕሪት ተወጊእና” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ቭላድሚር ፑቲን ንዝጠለሙዎን ንዝተፈታተንዎን ይቕረ ኣይብልን።
ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ዝነበረን ዳሕራይ ካብታ ሃገር ዝሃደመን ኣለክሳንደር ለትቪነንኮ፡ ብራድዮ ኣክቲቭ ፖለንየም-21 ዝተባህለ ንጥረ ነገር ተመሪዙ ኣብ ሆስፒታል ለንደን፡ ብከቢድ ስቓይ ድንጉዩ ሞይቱ።
ድሕሪ እቲ ቅትለት ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እቶም ዝበከልዎ ሰባት ነቲ መርዚ ካብ ሩስያ ሒዞምዎ ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉን ብመንግስቲ ሩስያ ኣብ ዝውነና ቤተ ፈተነታት ጥራይ ዝርከብ ክኸውን ከምዝኽእልን ተገሊጹ።
ኣብቲ ቅትለት ኢድ ከምዘይብላ ዝገለጸት ሩስያ ነቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት እውን ኣሕሊፈ ኣይህብን ኢላ።
ብድሕሪኡ ድማ ጉዳይ በዓል መዚ ስለያ ኪጂቢ ነበርን ናብ እንግሊዝ ዝሃደመን ሰርገይ ስክሪፓል ስዒቡ። ኣብ 2018 ኣባላት ወታሃደራዊ ስለላ ሩስያ ጂኣርዩ ንመኽፈቲ ማዕጾ ገዝኡ ኖቪቾክ ብዝተባህለ መርዛም ቅመም ድሕሪ ምልካዮም፡ ንሱን ጓሉን ካብ ሞት ንሕጢጥ [ንስክላ] ተሪፎም። ጸኒሑ ነቲ መርዛም ንጥረ ነገር ዝሓዘ ናይ ጨና ጥርሙዝ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ኣብቲ ጥርሙዝ ዝነበረ ፈሳሲ ናብ ኢዳ ዝለኸየት ውልቀ ሰብ ክትመውት ክኢላ።
ኣብ ሩስያ ብሃንደበት ናይ ዝሞቱ ነቐፍቲ ፑቲንን ነጋዶን ነዊሕ ሽም ዝርዝር ኣሎ። ገሊኦም “ካብ መሳኹቲ ላዕለዎት ደብርታት ጸዲፎም” ሞይቶም። ፍሉጥ ነቓፋይ ፑቲን ኣሌክሲ ነቫንሊ፡ ብዝቐረበሉ ናይ ሕሶት ክሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐ ኣሎ። ንሱ እውን ኣብ 2020 ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ብመርዚ ኖቪቾክ ተበኪሉ ንሕንጢጥ ካብ ሞት ተሪፉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጉዳይ ፕሪጎዢን ግን ካብዚ ዝተፈለየ ብምዃኑ ሞቱ ኣብ መንጎ ሩስያውያን ኣካታዒ ዝገብሮ እዩ። ንክረምሊን ኣዝዩ ጠቓምን ብብዙሓት ከም ሃገራዊ ጅግና ዝረኣይን ሰብኣይ እዩ ነይሩ።
ዝመርሖ ጉጅለ ቫግነር፡ ኣብ 2014 እዩ ካብ ነባራት ፍሉይ ሓይሊ ሩስያን ካልኦት ወታሃደራትን ተጣይሹ። ንሰራዊት ዩክረይን ካብ ባክሙት ብምስጓግ ብብዝሒ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እቲ ድኹም መሪሕነት ከምዘለዎ ዝግለጽ ሰራዊት ሩስያ ዘይረኸቦ ተፈራሕነትን ዝናን ኣጥርዩ።
ፕሪጎዢን ፎቖዶ ቤት ማእሰርቲ እናዘረ ቀተልትን ደፈርትን ዝርከቡዎም እሱራት ብምምልማል ውዳብኡ ኣጠናኺሩ። እዚኦም ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን መስመራት ጸላኢ ንምስባር ኣብ ዝተኻየደ ፈተነታት ከም መዝሓሊ ጥይት ተጠቒሞምሎም።

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ቫግነር ኣብ ሶርያ ንነዊሕ እዋን ክንቀሳቐስ ጸኒሑ እዩ፤ እንተኾነ ኣብ ኣፍሪቃ እዩ ሩስያ ስትራተጂካዊ ረብሓኣ ክተዕውት ዘኽኣላ።
ዲሞክራስያውን ዘይኮኑ መራሕቲ ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝተለመደ ንሕስያ ዘይብሉ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣካይዶም። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ንመራሕቲ ኣገልግሎት ሓለዋ ብምሃብ፣ ንተቓወምቲ ስቕ ብምባልን ምርጫታት ብምጭዋይን ዘገልገሉ ኮይኖም ብኣንጻሩ መሰላት ዕደና ክረኽቡን ከምድላዮም መዓድናት ወርቅን ሓጺንን ክጉሕጉሑን ክኢሎም። ሽዑ ገንዘብ ናብ ሞስኮ ይፈስስ፡ ሰባት ይህብትሙ፤ ነበርቲ እተን ሃገራት ጥራሕ እዮም ብድኽነት ዝማስኑ።
ቫግነር ኣብ ማሊን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሓዊሱ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጃምላዊ ቕትለትን ይኽሰስ። ጽልዋ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ኣብ ምትካእ ግን ተዓዊቱ እዩ። ፕሪጎዢን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሊ ኣብ ዝርከብ ወታሃደራዊ ማእከል ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ዝተገመተ ቪድዮ ንጥፈታት ቫግነር ኣብ ኣፍሪቃ ከምዘጋፍሕን ንህዝባ “ናጽነት” ከምዝህብን ተዛሪቡ ነይሩ።
ምስ እዚ ኩሉ ረብሕኡ ግን፡ ኣብ ወታሃደራዊ ስለላ ሞስኮ ኮይኖም ከም ዕዳ፣ ዝተጻወደ መድፍዕን ቀጻሊ ስግኣት ስልጣን ፑቲንን ገይሮም ዝርእይዎ ሰባት ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







