ሩስያ፡ ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኣስከሬናትን መቕድሒ ድምጽን ምርካባ ኣፍሊጣ

ሓደጋ ነፋሪት ዝተኸሰተሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መንቀሊ ሞት ሓላፊ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዢን ከም ዝኾነ ኣብ ዝተነገረሉ ሓደጋ ነፋሪት 10 ኣስከሬናት ናይ በረራ መቕድሒ ድምጽን ከም ዝተረኸበ ሩስያ ዕላዊ ገይራ።

ናይ [ዲኤንኤ] ምርመራ ይግበር ከምዘሎ’ውን መርመርቲ ገሊጾም።

እታ ነፋሪት ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ጥቓ ሞስኮ ዝተሓምሸሸት ኮይና፡ ኣብ ውሽጣ ብዝነበረ ነታጕ ወይ ከዓ ብሚሳይል ተወቒዓ ከም ዝተሓምሸሸት’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ፡ ‘መንግስቲ ሩስያ ፕሪጎዢን ንኽቕተል መምርሒ ሂባ’ያ’ ንዝብል ዘረባ “ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ዝኾነ ወቕቲ የማናይ ኢድ ፑቲን ዝነበረ ፕሪጎዢን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፑቲን ዘቕንዐ ወተሃደራዊ ዓመጽ መሪሑ ከምዝነበረ ይዝከር።

ፑቲን ኣብቲ ሽዐ ግዜ ንተግባር ፕሪጎዢን ‘ክሕደት’ ዝበሎ ኮይኑ ኣጋ ድሓር ብዝተገበረ ዘተ፡ ሰራዊት ቫግነር ናብ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ክጽንበሩ ወይ ከዓ ቀንዲ መሓዛ ሩስያ ናብ ዝኾነት ቤላሩስ ክግዕዙ ተሰማሚዖም ነይሮም።

ዋላ’ኳ እዚ ስምምዕ እንተተገበረ ድሕሪ እቲ ዓመጽ ብዙሓት ሰባት ቭላድሚር ፑቲን ንፕሪጎዢን ሕድገት ኣይክገብረሉን’ዩ ካብ ዝብል እቲ ወዲ 62 ዓመት መራሒ ቫግነር ኣብ ድርኩኺት ሞት ከም ዝኾነ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ዲሚትሪ ፔስኮቭ ትማሊ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ካብ ሞስኮ ንኣንፈት ሰሜናዊ ምዕራብ ግዝኣት ትቨር ወዲቓ ዝተሓምሸሸትን 10 ሰባት ዝሞትሉን ኣሰንባዲ ሓደጋ ብዙሕ ኮንዶ’ኾናት ከም ዘሎ ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንየማናይ ኢድ ፕሪጎዢን ዝኾነ ዲምትሪ ኡትኪን ሓዊሱ ካልኦት ሓሙሽተ ተሳፈርትን ሰለስተ ሰራሕተኛታት በረራን ዝሓዘ ጉጅለ ኣብ ኢምብሬር ሌጋሲ 600 ጀት ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ሰነዳት ተሳፈርቲ ኣመላኺቱ።

ፔስኮቭ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ካብ ምዕራባውያን መዓት ኮንዶኾናት ክዝረቡ ንሰምዕ ኣለና። እንተኾነ ሩስያ ፕሪጎዢን ንኽቕተል ኣዚዛ’ያ ዝብል ዘረባ ግን ሓሶት’ዩ” ኢሉ።

“ሕጂ ብዙሕ ሓበሬታ የብልናን። እቶም ዝወጽኡ ዘለዉ ሓበሬታታት በቲ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ክረጋገጹ ኣለዎም” ኢሉ።

ፕሪጎዥን ከምዝሞተ ምስተሰምዐ ዕጫ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ’ሎ።

መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሽንኮ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣስታት 10 ሽሕ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ቫግነር ኣብታ ሃገር ኮይኖም ስርሖም ከምዝቕጽሉ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሉካሽንኮ እዚ ዝበለ ካብ መንግስቲ ሩስያ መምርሒ ተቐቢሉ ከም ዝኾነ ይገልጹ።

ፕረዚደንት ፑቲን ንስድራ ግዳያት እቲ ሓደጋ ዝተሰምዖ ሓዘን ዝገለጸ እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ድሕሪ 24 ሰዓታት ስለ ዝነበረ ሕቶ ኣልዒሉ’ዩ።

“[ፕሪጎዢን] ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ጌጋታት ዝፈጸመ ግን ድማ ተውህቦ ዝነበሮ ሰብ ነይሩ” ክብል ፑቲን ተዛሪቡ።

ብዛዕባ እታ ፕሪጎዢን ኣሳፊራ ከምዝነበረት ዝዝረበላ ነፋሪት ምኽንያት መውደቒኣ ክሳዕ ሕጂ ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኮይኑ፡ ካብታ ዝተሓምሸሸትላ ግዜ ጀሚሩ ብዙሓት ግምታት ይወሃቡ ኣለዉ።

ፔንታጎን ፕሪጎዢን ተቐቲሉ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገለጸ ኮይኑ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ድማ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ብዝነበረ ነታጕ ክኸውን ከምዝኽእል ንሲቢኤስ ኒውስ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ባይደን ብወገኑ ሃገሩ ኣሜሪካ እታ ነፋሪት ዝተሓምሰሸትሉ ምኽንያት ንምፍላጥ ትጽዕር ከምዘላ ኣፍሊጡ።