ኣፍሪቃ፡ ስለምንታይ'ዩ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ከም ማዕበል ዝላባዕ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም ብናይ ገዛእ ወተሃደራቱ ጅሆ ካብ ዝተሓዝ ወርሕን ሓደ ሰሙንን ገይሩ ኣሎ።
ሕጂ ከኣ፡ ኣፍሪቃ ካልእ ዕልዋ ኣአንጊዳ፤ ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጎ'ውን ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተኣሲሩ ይርከብ።
ትማሊ ረቡዕ ፕረዚደንት ቦንጎ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተኻየደ መረጻ ተዓዋቲ ምዃኑ ድሕሪ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ሃንደበታዊ ፈነወ ቀሪቡ።
ጉጅለ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ኣብታ ግዝኣት ፈረንሳ ነበር ስልጣን ከም ዝሓዙ ኣዊጆም።
ድሒሩ፡ እቲ ሓድሽ ጁንታ ነቲ ስርዓት ቦንጎ ኣብ ድሮ ሃገራዊ መረጻ ዝዓጸዎ ኢንተርነት ድሕሪ ምልዓሉ፡ ህዝቢ ነዚ ዕልዋ ክጽንብል ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ክወጽኡ ጀሚሮም፤ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ መራሒ ሃገር’ውን ካብቲ ዝተኣስረሉ ቦታ ዝልኣዀ ምስሊ ተራእዩ።
ፕረዚደንት ቦንጎ፡ ዝተደናገረ ይመስል።
እቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ መሓዙቱ ክኣ “ድምጺ ክስምዑ” ብኢንግሊዘኛ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ምናልባት፡ ግዳማዊ ጸቕጢ ነቲ ስንባደ ዝመልኦ ምቅይያር ፍጻመታት ክገላብጦ ይኽእል'ዩ ዝብል ተስፋ ሒዙ ክኸውን ይኽእል።
ቦንጎ በቲ ዕልዋ መንግስቲ ከይተዳለወ ተታሒዙ እንተዀይኑ፤ ምናልባት ኣፍሪቃን ዓለምን ግን ከይተዳለዋ ጸኒሐን ክዀና ኣይግባእን ነይሩ።
እቲ ብ26 ሓምለ ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ዕልዋ ፕረዚደንት ባዙም፡ ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዘሎ "ለበዳ ዕልዋ መንግስቲ" እኹል መጠንቀቕታ ሂቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ፡ ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ሮች ማርክ ክርስቲያን ካቦረ ብወተሃደራት ካብ ስልጣን ተኣልዩ።
ድሕሪኡ መራሒ እቲ ዕልዋ ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ብታሕተዎት መዛኑኡ ብ30 መስከረም 2022 ካብ ስልጣን ተኣልዩ።
ቅድሚኡ ድማ 2021 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ክልተ ዕልዋ መንግስቲ ተራእዩ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ቀላሲ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማሊ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝነበረ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ ንናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣን ዳግማይ ንምርግጋጽ ካልኣይ ዕግርግር ኣካይዱ ነይሩ።
ድሕሪኡ ኣብ ወርሒ መስከረም ፍሉይ ሓይሊ ጊኒ ንፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ናብ ቤተ መንግስቲ ሴኮውቱረያ ገስጊሱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጫድ ዝዀነ ነገር’ውን ክንዝንግዖ የብልናን።
ናይ ነዊሕ እዋን ሓያል ወተሃደር ዝነበረ እድሪስ ደቢ ኢትኖ፡ ኣብ ሚያዝያ 2021 ኣብ ውግእ ምስ ሞተ፡ ወተሃደራዊ ባይቶ ጣልቃ ብምእታው፡ ወዱ ንክትክኦን መቐጸልታ ናይቲ ስርዓትን ንምርግጋጽን ኢዱ ኣእትዩ ነይሩ።
ንምዃኑ፡ ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ - ብፍላይ ድማ ኣብ መግዛእቲ ፈረንሳ ነበር ዝዀና ሃገራት እንታይ እዩ ዝፍጸም ዘሎ?
ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት እቲ ብመረጻ ዝተሳዕረ ገዛኢ ጋምብያ ያህያ ጃሜ ናብ ስደት ድሕሪ ምኻዱ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ሰልፍታት ዝሓቖፈት ቅዋማዊ ምሕደራ ክትኣቱ ገይርዋ።
ኣብ ኣፍሪቃ ገለ ምልካውያን ስርዓታት እኳ እንተነበሩ፡ ስልጣን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምምንዛዕ ግን ግዝኡ ዝሓለፎ ይመስል።
ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ ጫድ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ሓዊሱ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት 7 ዕልዋ መንግስቲ ተራእዩ።
ብውሑድ፡ ወተሃደራት ብተዛማዲ ብዘይ መቕጻዕቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብዓብዪ ደገፍ ህዝቢ ከተማታት፡ ብፍላይ ድማ ተስፋ ዝቖረጹ መንእሰያት ተዓጂቦም ጣልቃ ክኣትዉ ዝኽእልሉ ኩነታት ዝፈጠሩ ልሙዳት ፍጻመታት ኰይኖም ኣለዉ።
ኣብ መብዛሕትኡ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ፡ መንእሰያት ካብቲ ብሕጋዊ መገዲ ዝተመርጹ ሰባት ሓዊሱ በቲ ባህላዊ ፖለቲካዊ ደርቢ ብሰፊሑ ተነጺሎም ኣለዉ።
እዚ ድማ፡ ካልኦት ብዙሓት ጉዳያት ከጋድዱዎ ይኽእሉ።
ሽቕሊ- ኣልቦነት፣ ሓለፋን ብልሽውናን ከምኡ’ውን ብቐጻሊ ፈረንሳ ኣብ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእታ ዝነበራ ሃገራት ዘለዋ ጽልዋ ዝፈጠሮ ቂምታን ምጥቃስ ይክኣል።
ብዙሓት ሲቪላውያን መራሕቲ ዕምሪ ስልጣኖም ንምንዋሕ መስርሕ መረጻ ወይ ቅዋማዊ ምሕደራ ዝብለጽሉ ኣገባብ፡ ዓᎁቕ ቅርታታት ፈጢሩ እዩ።
ብፍላይ ድሕሪ ኣካታዒ ምምሕያሻት ቅዋማት ዝግበር ምፍራስ ገደብ ስልጣን ፕረዚደንት ምንጪ ቅርሕንታት ኰይኑ።
ከምዚ ዓይነት ግህሰት፡ መብዛሕትኡ ግዜ " ክለብ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ፕረዚደንታት" ተባሂሎም ዝጽዋዑ ከም ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ቁጠባዊ ውህደት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃነእ (ኢኮዋስ) ዝኣመሰሉ ትካላት፡ መራሕቲ ዕልዋ ስልጣን ናብቲ ዝተመርጸ ሲቪላዊ ምሕደራ ንክመልሱ ንምግዳድ ዘለዎም ሞራላዊ ስልጣን'ውን የዳኽም።
ጋቦን ዘላትሉ ዞባዊ ውድብ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣባል ሃገራት ደረጃታት ምሕደራ ንምትካል ወይ ንምቕጻል ዘኽእል ዕቱብ ተኽእሎ እኳ የብሉን።
እዞም ኵሎም ምኽንያታት ወተሃደራት "ሓድሽ ምጅማር" ከነምጽእ ኢና እናበሉ ስልጣን ንምምንዛዕ ድፍረት ክስምዖም ዝገብር ሃዋህው ክፈጥሩ እንከለዉ፡ ነፍሲ ወከፍ ዕልዋ መንግስቲ ብፍሉይ ሃገራዊ ወይ ጸቢብ ከባብያዊ ድርኺታት'ውን ዝተደፋፍአ እዩ።
እቲ ኣብ ጋቦን ዝተኻየደ ዕልዋ ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኰነን።
ብዙሓት ጋቦናውያን ፕረዚደንት ቦንጎ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ መረጻ ክወዳደር ዝወሰዶ ውሳነ ይጠራጠሩዎ ነይሮም።
ንሱ፡ ድሕሪ ሞት እቲ ንልዕሊ 40 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዝጸንሐ ኣቡኡ ዑመር ቦንጎ እዩ፡ ንመጀመርያ ግዜ ቅድሚ 14 ዓመታት ብመረጻ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ወቕዒ (ስትሮክ) ምስ ኣጋጠሞ፡ ውጽኢታዊ ኣመራርሓ ናይ ምሃብ ዓቕሙ ኣብ ሕቶ ኣትዩ።
እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ምሕደራኡ ዘመናዊ ንምግባር፣ ቁጠባዊ ብዙሕነት ንምፍጣርን ማሕበራዊ ዘይማዕርነት ንምምካትን ጻዕርታት ኣርእዩ እዩ።
ንፖለቲካዊ ተቓውሞ ዝድርኹ ገለ ሕድገታት እውን ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናህሪ እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ዕረያታት በብቑሩብ እናሃሰሰ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ስርዓት ንኸቢድ ብድሆታት መረጻ ቅሩብነት ከም ዘይብሉ ተረጋጊጹ።
ብርግጽ ሕጋውነትን ፖለቲካዊ መርገጽን ቦንጎ በቲ ኣብ 2009 ናብ ስልጣን ዘምጽኦ ግልጽነት ዝጒደሎ መረጻ ተዳኺሙ እዩ።
ብዙሓት ሰባት እቲ ቀንዲ መቐናቐንቱ ዝዀነ ኣንድሬ ምባ ኦባመ ሓቀኛ ተዓዋቲ እቲ መረጻ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ይሓስቡ።
ከምኡ’ውን ኣብ 2016 ዳግማይ ናብ መረጻ ክቐርብ እንከሎ፡ ኣንጻር ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ጂን ፒንግ ኣብ ዝተኻየደ ሓያል ውድድር፡ ጸቢብ ዓወት ረኺቡ።
እንተዀነ፡ ሰነድ እዞም ድምጽታት መረጻ ቅድሚ ምፍታሾም ክጠፍኡ ተገይሩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መረጻ'ውን፡ ፕረዚደንት ቦንጎ 64% ድምጺ ብምርካብ ተዓዋቲ ተባሂሉ ተኣዊጁ።
ዝዀነ ኣህጉራዊ ተዓዛቢ ግን ነቲ መረጻ ክከታተሎ ኣይፈቐደሉን፤ ተቓወምቲ ድማ፡ ነቲ ውጽኢት ምትላል እዩ ብምባል ነጺጐሞ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢዱ ኣእትዩ።
እቲ መረጻ ድማ "ህዝቢ ጋቦን ተስፋ ዝገበረሎም ረቛሒታት ግልጽነት፣ ተኣማንን ንኹሉ ዝሓቁፍን ኣይነበረን” ኢሉ ሰሪዝዎ።
ብዙሓት ጋቦናውያን ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ብሓጎስ እኳ እንተተቐበሉዎ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ግን ብዛዕባ መጻኢ ዲሞክራሲ ስግኣት የልዕል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







