ዕልዋ ኒጀር፡ ኢኮዋስ ከመይ ገይሩ እዩ ወተሃደራዊ ምትእትታዋት ዘካይድ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 10 ነሓሰ 2023 ዓ.ም ዘካየድኦ ኣኼባ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ናብ ስልጣን ንምምላስ “ኣብ ዝሓጸረ እዋን” ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ክገብራ ከም ዝወሰና ይዝከር።
ኣብቲ ኣኼባ፡ መራሕቲ ውድብ ቍጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ) ኣብ ኒጀር ዝርከብ ጁንታ ንዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ድሕሪ ምንጻጉ፡ “ኣብ ተጠንቀቕ ዝጸንሕ” ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምውዳብ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም።
ኢኮዋስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ ምትእትታው ናይ ምግባር ታሪክ ዘለዎ ኰይኑ፡ ብዝተፈላለየ ደረጃ ዝግለጽ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ንምዃኑ ኢኮዋስ እንታይ’ዩ?
ውድብ ቍጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ) 15 ኣባል ሃገራት ዝሓቘፈ ዞባዊ ውድብ እዩ።
ብ1975 ዓ.ም (ኣቘጻጽራ ኤውሮጳ) ብቑጠባውን ፖለቲካውን ምርግጋእ ኣቢሉ ደረጃ መነባብሮ ልዕሊ 350 ሚልዮን ህዝቢ እቲ ዞባ ንምምሕያሽ ተመስሪቱ።
እዚ ዞባዊ ውህደት ሃገራት ቤኒን፣ ቡርኪናፋሶ፣ ካቦ ቨርደ፣ ጋምብያ፣ ጋና፣ ጊኒ፣ ጊኒ ቢሳው፣ ኣይቬሪኮስት፣ ላይበርያ፣ ማሊ፣ ኒጀር፣ ናይጀርያ፣ ሴራሊዮን፣ ሰኔጋልን ቶጎን ይርከብኦ።
ኢኮዋስ ብዙሕ ግዜ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ንክሕግዝ፣ ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩ ፕሬዝደንታት ናብ ስልጣኖም ንምምላስ ወይ’ውን ኣብ መረጻ ስዕረት ምቕባል ዝኣበዩ መራሕቲ ብሓይሊ ንምእላይ ጻውዒት ይቐርበሉ ነይሩ።
ኢኮዋስ፡ ብ1990 ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ምቁራጽ ተጻብኦ (Ecomog) ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ ላይበርያ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ኣበጊሱ ነይሩ።
ሓይልታት ኢኮሞግ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ 2003 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዘብቅዐ 14 ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ጐንጺ ተዋፊሮም ነይሮም።
ነቲ ኣብ ላይቤሪያ ዝነበሮ ምትእትታው እቲ ጐንጺ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ጽልዋ ኣለዎ ብዝብል ኣመኽንዮ ከምዝገበሮ ይፍለጥ።
እቲ ምትእትታው ነቲ ደም ምፍሳስን ዓሌታዊ ቅትለትን ንግዚኡ ደው ከብሎ ስለ ዝኽኣለ ብብዙሓት ከም መርኣያ ዞባዊ ምፍታሕ ጐንጺ ተባሂሉ ናእዳ ረኺቡ።
ይኹን’ምበር፡ ሰራዊት እቲ ዞባዊ ውህደት ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሳተፍቲ ከም ዝነበሩ ጸብጻብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ይሕብር።
ካልኦት ኣገደስቲ ምትእትታዋት
ድሕሪ እቲ ኣብ ላይቤርያ ዝተገብረ ምትእትታው፡ ‘ኢኮሞግ’ ወግዓዊ ወተሃደራዊ ቅልጽም ኢኮዋስ ኰይኑ ቀጺሉ።
ኲናት ሓድሕድ ላይቤሪያ ንከብቅዕ ኣብታ ሃገር ዝነበሮ ናይ ሰለስተ ዓመታት ወተሃደራት ምትእትታው ስዒቡ ነቲ ኣብ 1998 ዓ.ም ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ኣሕመድ ተጃን ካባ ናብ ስልጣኑ ክመልስ ክኢሉ።
ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ድማ ኣስታት 600 ወተሃደራት ‘ኢኮሞግ’ ኣብታ ንዕልዋ መንግስቲ ተቓላዒት ዝዀነት ጊኒ ቢሳው ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ንምዕቃብ ተዋፊሮም።
ናብታ ሃገር ክልተ ሻብ ካልእ ልኡኽ ተዋፊሩ እዩ።
ፈለማ፡ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ካብ 2012 ክሳብ 2020 ዝተዋፈረ ክኸውን እንከሎ ድሕሪኡ ድማ ኣብ 2022 ድሕሪ ዘጋጠመ ፍሹል ዕልዋ መንግስቲ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሩ።
ብ2003 ወተሃደራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ኣይቮሪኮስት ብምእታው ነቲ ድሒሩ ንዝቐጸሉ ሸሞንተ ዓመታት ነታ ሃገር ኣብ ክልተ መቒልዋ ዝነበረ ስምምዕ ሰላም ንምክትታል ኣትዮም።
ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ እቲ ውድብ ካብ ሰሜን ማሊ ይግስግሱ ዝነበሩ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዝነበሮም ዕጡቓት ንምስጓግ ናብ ማሊ ወተሃደራት ልኢኹ።
ብ2017 ድማ ኢኮዋስ ካብ ጎረቤት ሃገር ሰኔጋል ኣስታት 7 ሽሕ ሰራዊት ናብ ጋምብያ ብምልኣኽ ፕረዚደንት ያሕያ ጃሜ ስልጣኑ ነቲ ኣብ መረጻ ዝስዓሮ ኣዳማ ባሮው ክህብን ናብ ስደት ከምርሕን ኣገዲዱ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ኢኮዋስ ዘሎ ምክፍፋል
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢኮዋስ ናብ ኒጀር ሓይሊ ክሰድድ እንተወሲኑ ርኡይ ብድሆታት ከጋጥሞ እዩ።
ኣብ ሕሉፍ ኣብ ዝነበሮ ወተሃደራዊ ምትእትታዋት ኣባል ሃገራት ኢኮዋስ ንወተሃደራዊ ስጉምቲ ብዝህብዎ ደገፍ ኣብ ክልተ ክምቀሉ ተራእዮም እዮም።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ሞንጐ እተን ብኣይቬሪኮስት ዝምርሓ ሃገራት ‘ፍራንኮፎንን’ (ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ) ብናይጀርያ ዝምራሕ ‘ኣንግሎፎናውያንን’ (ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ) ኣፈላላይ ተፈጢሩ ነይሩ።
ሕጂ’ውን ዝዀነ ይኹን ኣብ ኒጀር ክግበር ዝኽእል ወተሃደራዊ ምትእትታው ተመሳሳሊ ማሕለኻ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ።
ካብኡ ሓሊፉ ካብ ጎረባብቲ ኒጀር ዝመጽእ ስግኣት’ውን ኣሎ።
ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዘለው ጁንታታት (ወተሃደራዊ መራሕቲ) ካብ ኢኮዋስ ተኣጊዶም እዮም ዘለው።
እዚኦም፡ ኣብ ኒጀር ዝግበር ዝዀነ ይኹን ወተሃደራዊ ምትእትታው ከም ኣንጻሮም “ዝተኣወጀ ኲናት” ከም ዝርእዩዎ ገሊጾም።
ኒጀር ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝዓበየት ሃገር ስለ ዝዀነት፡ ሰራዊት ምውፋር ንውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዓቢ ብድሆ ክኸውን እዩ።
ገለ ከም ኣብቲ ዞባ ዝሓየለት ሃገር ናይጄሪያ ዝበላ ኣባል ሃገራት እቲ ዞባዊ ውህደት ውሽጣዊ ጸጥታዊ ብድሆታት የጋጥሞም ስለ ዘሎ ወተሃደራት ኣብ ምውጻእ ዕቃበታት ከርእያ ይኽእላ እየን።
ብፍላይ መንግስታት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ መነባብሮ ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ውሳነ ፋይናንሳዊ ጽልዋታት እውን ክህልዎ እዩ።
ስለ ዝዀነ ድማ ብሰላም ኣቢልካ ዝግበር ዲፕሎማሲ ጻዕሪ ብዅሎም ወገናት ዝያዳ ተመራጺ ፍታሕ ኰይኑ ይረአ።
ሰላም ንርእሱ ዋጋ ዝሓትት እዩ ዝብሉ ግን ኣለዉ።
ኣብ ዞባ ሳሕል ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ንምውጋድ ድማ ኢኮዋስ ዘየማትእ/ ቈራጽ ክኸውን ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







